settings icon
share icon
ሕቶ

እቶም ኣርባዕተ መንፈሳዊ ሕግታት ኣየኖም እዮም?

መልሲ


እዞም ኣርባዕተ መንፈሳውያን ሕግታት ነቲ ብእምነት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብኸምኡ ዝርከብ ድሕነት ንምብሳርን ንምክፋልን ዘኽእል መንገዲ እዮም፡፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ነገራት ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ንምጥማር ዘኽእል ሜላ እዩ፡፡

እታ ቐዳመይቲ መንፈሳዊ ሕጊ ድማ ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ፡ ኣብ ህይወትካ ኸኣ ሰናይ መደብ ኣለዎ ዝብል እዩ፡፡ ዮሃንስ 3፡16 ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ፡፡ ኣብ ዮሃንስ 10፡10 ድማ የሱስ ባዕሉ ነቲ ናብዛ ዓለም ዝመጸሉ ምኽንያት ይነግረና፡ …ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ክረኽባ እየ ዝመጻእኩ፡፡ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝኽልክለና እንታይ እዩ፤ ህይወት ምስ ተረፉ ንኸይንረክብ ዝዕንቅጸና እንታይ እዩ?

እታ ኻልኣይቲ መንፈሳዊ ሕጊ ድማ ሰብ ዘበለ ኹሉ ሓጥእ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ተፈልየ፡፡ ብሰንኪ ምርሓቑ ኸኣ ንመደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ክፈልጥ ኣይክእልን ዝብል እዩ፡፡ ሮሜ 3፡23 ነዚ ይነግረና፡ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም፡፡ ሮሜ 6፡23 ድማ ንውጽኢት ሓጢኣት የርድኣና፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፡፡ ኣምላኽሲ ምስኡ ሕብረትን ርክብን ንኽህልወና ፈጠረና፡፡ ግናኸ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣምጺኡ ካብ ኣምላኽ ረሓቐ፡፡ ምስ ኣምላኽ ክኸውን ዝነበሮ ርክብ ኣበላሸናዮ፡፡ እዚ ርክብ ብኸመይ ይምለስ?

እታ ሳልሰይቲ መንፈሳዊ ሕጊ ድማ ኣምላኽ ንሓጢኣት ዘቕረቦ ንየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡፡ ብየሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እቲ ምስ ኣምላኽ ክኸውን ዝነበሮ ርክብ ይሕደስ ዝብል እዩ፡፡ ሮሜ 5፡8 ከምዚ ይነግረና፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሪ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ፡፡ እቲ ኽንፈልጦን ክንኣምኖን ዘሎና እንታይ ምዃኑ ከኣ ኣብ 1ቆሮ 15፡3-4 ቀሪቡልና ኣሎ፡ ከምቲ እቶም ጹሑፋት ዝብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስአ፡፡ የሱስ ባዕሉ ድማ እቲ እንኮ መንገዲ ምድሓን ከም ዝኾነ ኣብ ዮሃንስ 14፡6 ይዛረብ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፡፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን፡፡

እታ ራብዓይቲ መንፈሳዊ ሕጊ ድማ ድሕነት ንምርካብን ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ሰናይ መደብን ንምፍላጥን ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና ኽንቅበሎ ኣሎና ዝብል እዩ፡፡ ዮሃንስ 1፡12 ነዚ ይገልጸልና፡ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኹሎም ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም፡፡ ግብሪ ሃዋርያት 16፡31 ኸኣ ነዚ የብርሃልና፡ ብጎይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ብምእማን ብጸጋ ጥራይ ክንድሕን ንኽእል ኢና (ኤፌሶን 2፡8-9)፡፡

ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ክትቅበሎ ምስ እትደሊ ኸኣ ነዘን ዝስዕባ ቃላት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድገመን፡፡ ነዘን ቃላት ኮነ ካልእ ቃላት ምድጋም ጥራይ ንበይኑ ዘድሕነካ ኣይኮነን፡፡ ካብ ሓጢኣት ዘድሕነካስ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ጥራይ እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ምሕረት ስለ ዝተገብረልካ ድማ ንምምስጋንን እትገብሮ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ሓጥእ ምዃነይን መቕጽዓቲ ጥራይ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ ኣብኡ ብምእማን ክመሓር ይኽእል እየ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እቶም ኣርባዕተ መንፈሳዊ ሕግታት ኣየኖም እዮም?
© Copyright Got Questions Ministries