settings icon
share icon
ሕቶ

ነቶም ንዓይ ዝብዱሉኒ ከመይ ኢለ ይቕረ ክብል ይኽእል?

መልሲ


ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገለ እዋን ተበዲሉ፡ ተቐይሙን ኣንጻሩ ድማ በደል ተፈጺሙን እዩ። ክርስትያናት ከመይ ጌሮም እዮም ከምዚ ዝኣመሰለ በደላት ኣንጻሮም ምስ ኣጋጠመ ክምልሱ ዘለዎም? ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕና ንካልኦት ይቕረ ክንብል ኣሎና። ኤፈሶን 4፡32 “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ።” ኢሉ ይገልጽ። ብተመሳሳሊ ቆሎስየ 3፡13 ድማ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ይብል። እቲ መፍትሒ ኣብ ክልቲኡ ጽሑፋት ከኣ ንሕና ከምቲ ኣምላኽ ይቕረ ዝበለልና ንኣመንቲ ኣሕዋት ይቕረ ክንብል ኣሎና። ስለምንታይ ኢና ይቕረ እንብል? ምኽንያቱ ተሓዲጉልና እዩ! ናህና ይቕረ ምባል ንካልኦት ድማ ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ ንዓና ከንጸባርቕ ኣለዎ።

ነቶን ንዓና ዝበደሉና ይቕረ ክንብል ምእንቲ፡ መጀመርታ ንሕና ናይ ኣምላእ ይቕሬታ ክርድኣና ኣለዎ። ኣምላኽ ቀጥታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ይቕረ ኣይብልን እዩ—ከምኡ እንተጌሩ፡ ኣብ ራኢ ዮሃንስ 20:14–15 ዘሎ ቀላይ ሓዊ ኣይምሃለወን። ይቕረ-ምባል ብጉቡእ እንተተረዲኡና፡ ብወገን ሓጢተኛ ንንስሓ የጠቓልል፡ ብወገን ኣምላኽ ድማ ፍቕርን ጸጋን ማለት እዩ። እቲ ፍቕርን ጸጋን ኣብኡ ኣሎ፡ ኮይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ንስሓ ይስኣን። ስለዚ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ንዓና ንሓድሕድና ይቕረ ክንብሃሃል ማለት ንሓጢያትት ሸለል ንብል ማለት ኣይኮነን። እዚ ማለት ንሕና ብሓጎስ፡ ብጸጋን ብፍቕርን ይቕሬታና ናብ ካልኦት ዝንስሑ ይዝርጋሕ ማለት እዩ። ንሕና እቲ ዕድል ምስ ተዋህበና ኩሉሳዕ ይቕረ ክንብል ፍቓደኛታት ኢና። ሸውዓተ ሳዕ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ “ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ” ግዜ (ማቴዎስ18:22, KJV)። ንዝሓተካ ሰብ ይቕረ ንምባል ምእባይ ድማ ን ጽልኢ፡ ምረትን ቁጥዐን የርኢ፡ ወለሓንቲ ካብ’ዚኦም ድማ ናይ ሓቀኛ ክርስትያን መለለዪ ኣይኮነን።

ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ንምባል ዓቕልን ምጽዋርን ይሓትት። ቤተ-ክርስትያን “ንኹላቶም ተዓገስዎም” (1 ተሰሎንቄ 5፡14) ዝብል ትእዛዝ ኣለዋ። ንሕና ዘይጠቅም ውልቃዊን ከምኡ ድማ ንኣሽቱ በደላት ሸለል ክንብል ኣሎና። የሱስ “የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።” ኢሉ፡ (ማቴዎስ 5፡39)። ኩሉ “ ጽፍዒት ኣብ ገጽ” ግብረመልሲ ኣየድልዮን እዩ።

ነቶም ንዓና ዝበደሉና ይቕረ ክንብል ለዋጢ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ ሂወትና የድሊ። ኣብ ውሽጢ ዝወደቐ ተፈጥሮ ናይ ወዲ-ሰብ ሕነ ክፈዲ ዝጸምእ ገለ ነገር ኣሎ፡ እዚ ድማ ብተግባር ግብረ-መልሲ ክህብ ይደፍእ። ንሕና ብተፈጥሮ ኣብ’ቲ ዝጎድኣና ሰብ ተመሳሳሊ ዓይነት ጉድኣት ከነውርድ ንደሊ¬—ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ድማ ፍትሓዊ ይመስል። እንተኾነ ግን፡ ብክርስቶስ፡ ንጸላእትና ከነፍቅር ሓይሊ ተዋሂቡና እዩ፡ ነቶም ዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ነቶም ዝረግምኹም መርቑ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ዝጸልእኹም ድማ ጸልዩሎም (ሉቃስ 6፡ 27-28)። የሱስ ይቕረ ክትብል ፍቓደኛ ዝኾነት ልቢ ይህበናን ስለዚ ድማ ክሳብ ክንድ’ዚ ድማ ክትዓዪ እያ።

ነቶም ዝበደሉና ይቕረ ክንብል ዝቐልል ድማ ንሕና መጠን እቲ እግዚኣቢሄር ንበደልና ዝሓድገልና ክንሓስብ ከለና እዩ። ንሕና እቶም ብጸጋ ዝሃብተምና ከኣ ካብ ካልኦት ጸጋ ክንሕዞ መሰል የብልናን። ንሕና ካብ’ቲ ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሌና በደል ክፍጽሞ ዝክእል ንላዕሊ ኣንጻር እግዚኣብሄር መወዳእታ ዘይብሉ ሓጢያት ጌርና ኢና። ኣብ ማቴዎስ 18:23–35 ዘሎ ናይ የሱስ ምስላ ሓያል መግለጺ ናይ’ዚ ሓቂ እዩ።

እግዚኣብሄር ተስፋ ከምዝሃበና፡ ንሕና ሕድገት ክንሓትት ናብ’ኡ ክንመጽእ ከሎና፡ ንሱ ነዚ ብናጻ ይህበና (1 ዮሃንስ 1፡9)። ነቶም ንዓና ይቕሬታ ዝሓቱ ድማ እቲ ንሕና እንህቦ ጸጋ ሽዑ ክውሃብ ዝቕረብ ክኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 17፡3-4)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ነቶም ንዓይ ዝብዱሉኒ ከመይ ኢለ ይቕረ ክብል ይኽእል?
© Copyright Got Questions Ministries