settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣቦታት እንታይ ይብል?

መልሲ


እቲ ዝዓበየ ትእዛዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ እዩ፡ “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” (ኦሪት ዘዳግም 6፡5)። ናብ ፍቕዲ 2 እንተተመሊስና፡ “ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሓሉ።” ደድሕሪ ኦሪት ዘዳግም 6፡5፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሃሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ዝብል ነንብብ (ጥቕሲ 6-7)።

ታሪኽ ናይ እስራኤል ከም ዝገልጾ ኣቦ ንደቁ ንመንፈሳዊ ዕቤቶምን ንጽቡቖምን ኣብ መገዲ እግዚኣብሄርን ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምምሃር ትጉህ ክኸውን ኔርዎ። እቲ ንትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዝእዘዝ ኣቦ ነዚ ፈጺምዎ እዩ። እዚ ናብ ምሳሌ 22፡6 እዩ ዘምጻኣና “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ። ።” “ምልማድ” ከኣ ነቲ ቀዳማይ ኣቦን ኣደን ንቆልዓ ክህብዎ ዘለዎም ትምህርቲ የመልክት፡ እዚ ድማ እቲ ናይ ቁልዕነት ትምህርቲ እዩ። እቲ ልምምድ ድማ እቲ ነቶም ቆልዑ ተመዲቡ ዘሎ ኣገባብ ናይ ሂወት ንጹር ንምግባሩ ዝተሓንጸጸ እዩ። ናይ ውላድ ናይ ፈለማ ናይ ቁልዕነት ትምህርቲ በዚ መገዲ ምጅማሩ ድማ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኤፌሶን 6፡4 ድማ ብክልቲኡ ማለት ብኣሉታውን ኣወንታውን መገዲ ጹማቕ መምርሒታት ናይ ኣቦ ተገሊጹ ኣሎ። “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም” ኣሉታዊ ክፋል ናይ’ዚ ጥቕሲ ድማ ኣቦ ኣብ ደቁ ብኣሉታውነት ማለት ብሕሱም፡ ዘይፍትሓዊ፡ ወገንነት ወይ ዘይርትዓዊ ንጥቃም ስልጣን ክኣሊ የብሉን። ጨካን፡ ዘይርትዓዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ውላድ ድማ ኣብ ልቢ ክፍኣት ንምኹስዃስ ጥራይ እዩ ዝጠቅም። “ምንጋር” ዝብል ቃል ማለት ከኣ “ምሕራቕ፡ ምንዳድ፡ ብጉጉይ መገዲ ምትንካፍ ወይ ምልኻፍ” ማለት እዩ። እዚ ብጉጉይ መንፈስን ብጉጉይ ኣገባብን ዝግበር እዩ--ሕሱም፡ ዝይርትዓዊ ሙዃን፡ ጸዋግ፡ ጨካን ሙዃን፡ ጨካን ሕቶ ምቕራብ፡ ዘየድሊ ደረታት፡ ሱሱዕ ርእይቶ ናይ ገዛኢ ዝኾነ ስልጣንን። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ንነገር ምድልላይ ዝከፈአ ተግባራት ይፈጥር፡ ናይ ቆልዑ ፍቕሪ ይቐትል፡ ናይ ቅድስና ድሌቶም ይጎድልን ንዖኦም ድማ ንወለዶም ባህ ከብሉ ከም ዘይክእሉ ይስመዕምን። ለባም ወላዲ እዙዝ ሙዃን፡ ብፍቕርን ጭውነትን ተደላይን ዝብጻሕን ይገብሮ።

እቲ ኣወንታዊ ክፋል ናይ ኤፌሶን 6፡4 ድማ ብ ጥሙር ኣንፈት እዩ ተገሊጹ--ምሃርዎም፡ ኣዕብይዎም፡ ንጠባዮም ድማ ኣብ ኩሉ መዳይ ሂወት ብትምህርትን ተግሳጽን ናይ እግዚኣብሄር ኣዕብይዎም። እዚ እዩ ሙሉእ መስርሕ ናይ ምምሃርን ዲሲፕሊንን። “ተግሳጽ” ዝብል ቃል ድማ ን ሓሳብ ናይ ምዝኽኻር ናይ ውላድ ጉድለታት (ብሃናጺ መገዲ)፡ ከምኡ ድማ ግቡኣት (ሓላፍነታት)።

ብርግጽ ክርስትያን ኣቦ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ዘሎ መሳርሒ እዩ። ሙሉእ መስርሕ ናይ ትምህርትን ዲሲፕሊንን ከኣ ከም’ቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞን ንሱ ዘከናውኖንን ክኸውን ኣለዎ፡ ስለ’ዚ ከኣ ስልጣኑ ድማ ናብ ቀጻልን ቀጥታውን ርክብ ምስ ኣእምሮ፡ ልብን ሕልናን ናይ ውሉድ ክመጽእ ኣለዎ። ናይ ስጋ ኣቦ ገዛእ ርእሱ ን ሓቅን ግቡእን ዝውስን ከም ናይ መጨረሻ በዓል መዚ ከቕርባ የብሉን። ንኣምላኽ ከም እቲ እንኮ መምህርን ገዛእን ብምግባርን ብናቱ ስልጣን ከኣ ኩሉ ነገር ይግበርን ዕላማታት ትምህርቲ ድማ ብዝበለጸ ክብጻሕ ዝኽእልን።

ማርቲ ሉተር ከምዚ ኢሉ “ ንሜለ ኣብ ጎኒ በትሪ ግበራ እሞ፡ እቲ ቆልዓ ጽቡቕ ምስ ገበረ ክትህቦ።” ዲሲፕሊን ከኣ ብትኹረት ዘለዎ ጥንቃቐን ቀጻሊ ልምምድን ብብዙሕ ጸሎት ክዝውተር ኣለዎ። ምቕጻዕ፡ ዲሲፕሊን፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት ድማ ምምካር፡ ክልቲኡ ተግሳጽን ምትብባዕን ምሃብ ድማ ሕመረት ናይ “መግናሕቲ” እዩ። ምምሃር ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጽእ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ክርስትያናዊ ተመክሮ ድማ ትምሃሮን ብወለዲ ድማ ይመሓደርን፡ እዚ ድማ ቀዳማይ ብወላዲ/ኣቦ፡ ኣብ ትሕቲ ናቱ መምርሒ ድማ ብ ኣደ። ክርስትያናዊ ዲሲፕሊን ዝድለ ን ውሉድ ብፍርሃት ኣምላኽ ንክዓብዩ፡ ንስልጣን ወለዲ ምእንቲ ከኽብሩ፡ ንፍልጠት ክርስትያናዊ መምዘኒታትን ን ባህርያት ነብሰ ምግታእን ክገብሩ ምእንቲ እዩ።

“መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ( 2 ጤሜጤዎስ 3፡ 16-17)። ናይ ኣቦ ቀዳማይ ሓላፍነት ከኣ ንደቁ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥ እዩ። እቲ ኣቦታት ናይ ኣምላኽ ሓቂ ንምምሃር ዝጥቀሙሉ መገድን ኣገባብን ድማ ይፈላለ እዩ። እቲ ኣቦ ኣብነት ኣብ ሙዃን እሙን ምስ ዝኸውን፡ እቶም ቆልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝምሃርዎ ድማ ኣብ ምሉእ ናይ ቁልዕነት ሂወቶም ኣብ ጽቡቕ ቁመና ከቐምጦም እዩ፡ እዚ ድማ እንታይ ይገብሩን ኣበይ ይኸዱን ብዘየገድስ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣቦታት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries