settings icon
share icon
ሕቶ

የዕሩኽናን ስድራናን ኣብ መንግስተ ሰማይ ክንርእዮምን፡ ክንፈልጦምን ዲና?

መልሲ


ብዙሓት ሰባት ዝብልዎ እታ መጀመርታ ኣብ መንግስተ ሰማይ ምስ በጽሑ ክገብርዋ ዝደልዩ ነገር ንኩሎም ቅድሚኦም ዝሓለፉ የዕሩኽቶምን ዘፍቅርዎምን ንክርእይዎም እዩ። ኣብ ዘልኣለምነት፡ ብዙሕ ግዜ ናይ ምርኣይ፡ ምፍላጥን ምስ የዕሩኽናን ስድራናን ግዜ ናይ ምሕላፍን ክህሉ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ናህና ኣቶኩሮና ኣብ ሰማይ ክኸውን። ንሕና ብዝያዳ ንኣምላኽ ኣብ ምምላኽን፡ ብክብሪ ሰማያት ኣብ ምፍሳህን ኢና ክንጽመድ። ናህና ዳግም ምርኻብ ምስ ነፍቅሮም ከኣ ዝያዳ ብናይ ኣምላኽ ጸጋን ክብርን ኣብ ሂወትና ብምሕሳብ፡ ናቱ ግሩም ዝኾነ ፍቕሪ፡ ከምኡ ድማ ሓያል ግብርታቱን እዩ ክምላእ። ንሕና ኣዚና ክንሕጎስ ኢና ምኽንያቱ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ሓቢርና ንእግዚኣብሄር ከነመስግንን ከነምልኽን ኢና፡ ብፍላይ ድማ ምስ’ቶም ኣብ ምድሪ ዘፍቀርናዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንሕና ድሕሪ’ዚ ሂወት ንሰባት ከነለልዮም ንኽእል እንተኾይንና እንታይ ይብል? ንጉስ ሳኦል እታ ጠንቋሊት ናይ ዔን-ዶር ን ሳሙኤል ካብ ናይ ሙዉታን ዓለም ምስ ጸውዓቶ ኣለልይዎ (1 ሳሙኤል 28፡17)። እቲ ህጻን ውላድ ናይ ዳዊት ምስ ሞተ፡ ዳዊት “ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ” (2 ሳሙኤል 12፡23) በለ። ዳዊት ዋላ’ኳ ወዱ ህጻን ከሎ እንተሞተ ንወዱ ኣብ ሰማይ ከለልዮ ኢሉ እዩ ሓሲቡ። ኣብ ሉቋስ 16፡19-31፡ ኣብርሃም፡ ኣልኣዛርን ሓደ ሃብታም ሰብኣይን ኩሎም ድሕሪ ሞት ንሓድሕዶም ተፋሊጦም። ኣብ’ቲ ትርኢት ምልዋጥ፡ ሙሴን ኤልያስን ሙዃኖም ፍሉጣት ኔሮም (ማቴዎስ 17፡3-4)። ኣብ’ዞም ኣብነታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሞት ከምንፋለጥ ዘሕብር ይመስል።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰማይ ምስ ከድና ንሕና “ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና” (1 ዮሃንስ 3፡2) ይብል። ልክዕ ከምቲ ናይ ምድሪ ኣካላትና ከም ናይ’ቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ ናይ ትንሳኤ ኣካላትና ድማ ልክዕ ከም ናይ ክርስቶስ ክኸውን እዩ ( 1ቆሮንቶስ 15፡47)። “ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።” (1 ቆሮንጦስ 15፡49፡53)። ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ድሕሪ ትንሳኤ ኣለልዮሞ (ዮሃንስ 20፡16፡ 20፡ 21፡12፡ 1 ቆሮንጦስ 15፡ 4-7)። እንተድኣ የሱስ በቲ ዝኸበረ ኣካሉ ክልለ ተኻኢሉ፡ ንሕና’ውን በቲ ዝኸበረ ኣካልና ክንልለ። ነቶም ነፍቅሮም ክንርእዮም ምኽኣል ኩቡር ኣካል ናይ ሰማይ እዩ፡ እንተኾነ ግን መንግስተ ሰማይ ግና ብዝበለጸ ዝያዳ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ውሑድ ድማ ብዛዕባና እዩ። ከመይ ደስ ይብል ምስ’ቶም ነፍቅሮም ዳግም ክንራኸብን ከምኡ ድማ ምስ’ኦም ሓቢርና ንዘልኣለም ንኣምላኽ ከነምልኽን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የዕሩኽናን ስድራናን ኣብ መንግስተ ሰማይ ክንርእዮምን፡ ክንፈልጦምን ዲና?
© Copyright Got Questions Ministries