settings icon
share icon
ሕቶ

ኣነ ናይ ሓሶት መምህር/ናይ ሓሶት ነቢይ ብኸመይ ይፈልጦ?

መልሲ


የሱስ “ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን” ክመጹን ነቶም ሕሩያት’ውን ከስሕቱ ክፍትኑ እዮም ኢሉ የጠንቅቐና። (ማቴዎስ 24፡23-27፡ ብተወሳኺ ድማ 1 ጴጥሮስ3፡3 ከምኡ’ውን ይሁዳ 17-18 ርአ)። እቲ ዝበለጸ ንርእስኻ ካብ ናይ ሓሶትን ናይ ሓሶት መምሃራንን ምሕላው ከኣ ንሓቂ ምፍላጥ እዩ። ናይ ሓሶት ስናዕ ነገር ንምልላይ ነቲ ሓቀኛ ነገር ኣጽንዕ። ዝኾነ “ንቃል ኣምላኽ ብትኽክል ዝሕዞ” ኣማኒ (2ጢሜጢዎስ 2፡15) ከምኡድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ዘጽንዖን ናይ ሓሶት ትምህርቲ/ዶክትሪን ከለልዮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ማቴዎስ 3፡16-17 ንስራሕ ናይ ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስቅዱስን ዘንበበ ሰብ ቀጥታ ንዝኾነ ንስላሴ ዝኽሕድ ትምህርቲ/ዶክትሪን ክሓትት እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቀዳማይ ስጉምቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ንኩሎም ትምህርትታት ድማ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምፍራድን እዩ።

የሱስ “ኦም ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ” ይብለና (ማቴዎስ 12፡33)። “ፍረ” ኣብ ምርኣይ፡ ኣብ’ዚ ኣለዋ ሰለስተ ንጹራት መፈተኒታት ንዝኾነ መምህር ንትኽክልነት ናይ ትምህርቱ/ታ መወሰኒ ዝኾና ክንጥቀመለን ዘሎና ፡

1) እቲ መምህር ብዛዕባ የሱስ እንታይ ይብል? ኣብ ማቴዎስ 16፡ 15-16፡ የሱስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧”ኢሉ ይሓትት፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡” ናይ’ዚ መልሲ ድማ ጴጥሮስ “ብሩኽ” ተባሂሉ። ኣብ 2 ዮሃንስ 9፡ “እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ” ነንብብ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ የሱስ ክርስቶስን ናይ ሕድገት ሓጥያት ስርሑን እዩ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ንዓና፡ ዝኾነ የሱስ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ሙዃኑ ዝኽሕድን ናይ የሱስ ናይ መስዋእቲ ሞቱን ዘነኣእስ ወይ ናይ የሱስ ሰብ ሙዃን ዝነጽግ ተጠንቀቕሉ። ቀዳማይ ዮሃንስ 2፡22 “እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ?”

እዚ መምህር ንወንጌል ድዩ ዝሰብኽ? ብመሰረት ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ከም ብስራት ናይ የሱስ ሞትን፡ ምቕባርን ምትንሳእን እዩ ዝግለጽ። (1 ቆሮንጦስ 15፡1-4)። ከም’ቲ ጽቡቕ ዝመስለና “ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ” “ኣምላኽ ንጥሙያት ክንምግብ ይደልየና እዩ” ከምኡ’ውን “ኣምላኽ ክትህብትም እዩ ዝደልየካ” ዝብሉ ሓረግ-ቃላት ሙሉእ መልእኽቲ ናይ ወንጌል ኣይኮኑን። ከም’ቲ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 1፡7 ዘጠንቅቐና “እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡” ወልሓደ ዋላ’ውን ዓቢ ሰባኻይ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መልእኽቲ ክልውጥ መሰል የብሉን። “ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ!” (ገላትያ 1፡9)።

3) እቲ ሰባኻይ ንእግዚኣብሄር ዘኽብር ናይ ባህርያት ብቕዓት የርኢ ዶ? ብዛዕባ ናይ ሓሶት መምሃራን ምዝራብ፡ ይሁዳ 11 “ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም፡” ይብለና። ብካልእ ኣበሃህላ ናይ ሓሶት መምህር ብትዕቢቱ ክፍለጥ ይኽእል እዩ (ናይ ቃኤል ምንጻግ ንዕላማ ኣምላኽ)፡ ስሰዐ (ናይ በልዓም ንገንዘብ ኢሉ ምንባዩ) ከምኡ ድማ ዕልወት (ናይ ቆራሕ ንገዛእ-ርእሱ ልዕሊ ሙሴ ምርኣዩ)። የሱስ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ክንነቕሓሎምን ከምኡ ድማ ብፍሪኦም ከም ነለልዮምን ይዛረብ (ማቴዎስ 7፡15-20)።

ንተወሳኺ መጽናዕቲ፡ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብፍሉይ ንምቅላስ ዝተጻሕፉ ነዞም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ደጊምኩም ርኣይዎም፡ ገላትያ ፡ 2ይ ጴጥሮስ፡ 1ይ ዮሃንስ፡ 2ይ ዮሃንስ ከምኡ’ውን ይሁዳ። ዝበዝሕ ግዜ ናይ ሓሶት መምህር/ናይ ሓሶት ነቢይ ንምልላይ ኣጸጋሚ እዩ። ሰይጣን መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ(2ይ ቆሮንጦስ 11፡14)፡ ከምኡከኣ እቶም ኣገልገልቱ ድማ ከም ኣግልገልቲ ጽድቂ የምስሉ (2ይ ቆሮንጦስ 11፡15)። ንሕና ከኣ ነቲ ናይ ሓሶት ድማ ምስ’ቲ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ብምውህሃድ ጥራይ ኢና ከነለልዮ እንኽእል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣነ ናይ ሓሶት መምህር/ናይ ሓሶት ነቢይ ብኸመይ ይፈልጦ?
© Copyright Got Questions Ministries