settings icon
share icon
ሕቶ

ምድሓን ብእምነት ጥራይዶ ወይስ ብእምነት ምስ ግብሪ?

መልሲ


እዚ ኣብ መጽናዕቲ ወይ ትምህርቲ ክርስትና ዳርጋ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ሕቶ መበገሲ ምልዕዓል ተሓድሶን ጠንቂ ምፍልላይ ማሕበራት ተጻረርቲ(ፕሮቴስታንት) ካብ ማሕበር ሮማዊት ካቶሊክ ነበረ፡፡ ኣብ መንጎ እቲ ቅኑዕ ክርስትና (መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክርስትና) ከምኡ ኸኣ እቲ ዝተረፈ ኹሉ ክርስትያን በሃሊ እምነታት እቲ ቐንዲ መፈላለዪ ነጥቢ እዩ፡፡ ምድሓን ብእምነት ጥራይዶ ወይስ ብእምነት ምስ ግብሪ፤ ኣብ የሱስ ብምእማን ጥራይ ክድሕን ይኽእልዶ፤ ወይስ ኣብ ርእሲ እምነተይ ክገብሮ ዝግብኣኒ ኣሎ?

እዚ ሕቶ ብሰንኪ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስልን ንምትርጓሙን ንምትዕራቑን ዘጸግም ጽሑፋትን ዝገደደ ይኸብድ፡፡ ሮሜ 3፡28፤ 5፡1፤ ገላትያ 3፡24 ምስ ያእቆብ 2፡24 ኣነጻጽር፡፡ ገሊኣቶም ኣብዚ ኣብ መንጎ እቲ ብእምነት ጥራይ ዝብል ጳውሎስን እቲ ብእምነት ምስ ግብሪ ዝብል ያዕቆብን ገፊሕ ፍልልይ ይርኣዮም፡፡ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 2፡8-9፡ ጽድቂ ብእምነት እዩ ክብል እንከሎ፡ ያእቆብ ከኣ እምነት ብግብሪ ተሰንያ እያ እተጽድቕ ይብል፡፡ እዚ ፍልልይ ይመስል ግናኸ ኣብቲ ያዕቆብ ዝብሎ ዘሎ ተጠንቂቕና ምስ እነስተውዕል ግቡእ ምላሽ ክንረክብ ንኽእል፡፡ ያዕቆብ ኣብቲ ብግብሪ ዘይስነ እምነት ኣትኵሩ ይዛረብ ኣሎ (ያእቆብ 2፡17-18)፡፡ ኣብ ክርስቶስ ሓቀኛ እምነት ድሕሪ ምግባርሲ ምልዋጥን ሰናይ ግብርን እዩ ዘስዕብ (ያእቆብ 2፡20-26)፡፡ ኣብዚ ያእቆብ፡ እቲ ብሓቂ ብእምነት ዝጸደቐ ሰብ፡ ኣብ ህይወቱ ሰናይ ግብሪ ይርአ እምበር እታ ምጽዳቕ ብእምነት ምስናይ ግብሩ እያ ትርከብ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ፡፡ ሓደ ሰብ ኣማኒ እየ እናበለ ኣብ ህይወቱ ሰናይ ግብሪ ምስ ዘየርኢ ግና ብሓቂ ኣብ ክርስቶስ ኣይኣመነን (ያእቆብ 2፡14,17,20,26)፡፡

ጳውሎስ ድማ ኣብ መልእኽትታቱ ተመሳሳሊ ዘረባ ኣለዎ፡፡ እቲ ኣመንቲ ኣብ ህይወቶም ከርእይዎ ዘለዎም ጽቡቕ ፍረ ኣብ ገላትያ 5፡22-23 ዘርዚርዎ ኣሎ፡፡ ብግብርና ዘይኮነ ብእምነት ኢና ድሒንና ምስ በለ (ኤፌሶን 2፡8-9)፡ ንሰናይ ግብሪ ኢና እተፈጠርና ይብል (ኤፌሶን 2፡10)፡፡ ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ ጳውሎስ ወሲኹ ከምዚ ይብል፡ ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት፡ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እነሆ፡ ኹሉ ሓድሽ ኮይኑ (2ቆሮንጦስ 5፡17)፡፡ ያእቆብን ጳውሎስን ኣብ ጉዳይ ድሕነት ፍልልይ የብሎምን፡፡ ነዚ ኣርእስቲ ብዝተፈላለየ ኩርናዓት ስለ ዘቕርብዎ ጥራይ እዩ፡፡ ጳውሎስ ኣብቲ ምጽዳቐ ብእምነት ጥራይ ምዃና ከጸቅጥ እንከሎ ያዕቆብ ድማ ኣብቲ ሓቀኛ እምነት ፍረ ከም እተፍሪ ይጸቅጥ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምድሓን ብእምነት ጥራይዶ ወይስ ብእምነት ምስ ግብሪ?
© Copyright Got Questions Ministries