settings icon
share icon
ሕቶ

ከመይ ጌረ እየ ንናተይ ንዓርከ-መሓዛን ስድራቤትን ከየኾረኹ ወይ ከየርሓቕኩ ወንጌል ዝነግሮም?

መልሲ


ኣብ ገለ ነጥቢ፡ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣባል ስድራቤት፡ ዓርከ-መሓዛ፡ መሳርሕቲ፡ ወይ ምስ ክርስታያን ዘይኮነ ሌላ ኔሮሞ እዮም። ምስ ካልኦት ወንጌል ምክፋል ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ ከምኡ ድማ ምስ ሓደ ጥቡቕ ስሚዒታዊ ቅርበት ዘሎና ሰብ ክኸውን ከሎ ድማ ዝያዳ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሰባት ብወንጌል ከምዝዕንቀፉ ይነግረና እዩ (ሉቃስ 12፡51-53)። ኮይኑ ግን ንሕና ወንጌል ከነካፍል ኢና ተኣዚዝና፡ ነዚ ዘይምግባር ድማ ምኽንያት የሎን (ማቴዎስ 28፡19-20፡ ግብሪሃዋርያት 1፡8፡ 1 ጴጥሮስ 3፡15)።

ስለዚ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንኣባላት ስድራቤትና፡ የዕሩኽ፡ መሳርሕትን ንፈልጦም ሰባትን ወንጌል ንነግር? እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘሎና ነገር ድማ ንዖኦም ክንጽልየሎም ኣሎና። ኣምላኽ ንልቦም ክልውጦን ናብ ሓቂ ናይ ወንጌል ድማ የዒንቶም ክኸፍቶን ጸልይ (2 ቆሮንጦስ 4፡4)። ኣምላኽ ብዛዕባ ንዖኦም ዘለዎ ፍቕርን ከምኡ ድማ ብ የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ከምዘድልዮንም ክረትዖም ጸልይ (ዮሃንስ 3፡16)። ብዝበለጸ ከመይ ጌርካ ከምትሕዞም ጥበብ ክውሃበካ ጸልይ (ያዕቆብ 1፡5)።

ንሕና ኣብ ግብራዊ ምንጋር ወንጌል ፍቓደኛታትን ተባዓትን ክንከውን ኣሎና። ንመልእኽቲ ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ን ዓርከ-መሓዛን ስድራቤትን ኣውጅ (ሮሜ 10፡9-10)።ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እምነትካ ንምዝራብ ድሉው ኩን (1 ጴጥሮስ 3፡15)፡ ነዚ ድማ ብጭውነትን ኣኽብሮትን ብምግባር እዩ። ብውልቂ ን ወንጌል ምንጋር መተካእታ የብሉን፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕ ድማ ብቃል ክርስቶስ እያ” (ሮሜ 10፡17)

ከም ተወሳኺ ምስ ምጽላይን እምነትና ምንጋርን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ የዕርኽትናን ኣባላት ስድራናን ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎ ክርስትያናዊ ሂወት ክነብር ይግብኣና፡ ምኽንያቱ ድማ ንሳቶም ኣምላኽ ኣብ ሂወትና ዝገበሮ ለውጢ ክርእዩ ይኽእሉ (1 ጴጥሮስ 3፡1-2)። ኣብ መወዳእታ ድማ ምድሓን ናይ ነፍቅሮም ሰባት ንኣምላኽ ክንገድፎ ኣሎና። ናህና ጻዕሪ ዘይኮነ፡ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ጸጋን እዩ ንሰባት ዘድሕን። እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ድማ ንዕኦም ምጽላይ፡ ምምስካር፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ክርስትያናዊ ሂወት ምንባር እዩ። ኣምላኽ እዩ ነቲ ወሰኽ ዝህብ (1 ቆሮንጦስ 3፡6)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ከመይ ጌረ እየ ንናተይ ንዓርከ-መሓዛን ስድራቤትን ከየኾረኹ ወይ ከየርሓቕኩ ወንጌል ዝነግሮም?
© Copyright Got Questions Ministries