settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ንዘልኣለማዊ ውሕስነት ድሕነት ይድግፍዶ?

መልሲ


ሰብ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኡ ምስ ተቐበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘልኣለም ውሕስነት ይህልዎ፡፡ ይሁዳ 24 ከምዚ ይእውጅ፡ ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ክሕለወኩም፡ ብሓጎስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ከቑመኩም ዝከኣሎ፡ ይብል፡፡ እቲ ዝኣመነ ንኸይወድቕ ሓይሊ ኣምላኽ ይሕልዎ፡፡ ኣብ ቅድሚኡ ንኸቕርበና ወይ ከንብረና ናቱ እምበር ናትና ኣይኮነን፡፡ እቲ ዘልኣለማዊ ውሕስነት ንሕና ስለ ዝሓለናዮ ዘይኮነስ ንሱ ስለ ዝሕልወና እዩ፡፡

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል፡ ኣነ ኸኣ ህይወት ዘልኣለም ይህበን፡ ንዘልኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዝምንዝዐን የልቦን፡፡ እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኽምንዝዐን ዝኽእል የልቦን፡፡ (ዮሃንስ 10፡28-29)፡፡ ኣቦን የሱስን ኣብ ኣእዳዎም ኣጽኒዖም ሒዞምና ኣለዉ፡፡ ካብ ኢድ ኣቦን የሱስን ክምንዝዓና ዝኽእል ከቶ የልቦን፡፡

ኤፌሶን 4፡30 ድማ ኣምንቲ ንመዓልቲ ምድሓን ከም እተሓተምና ይነግረና፡፡ እቶም ዝኣመኑ ዘልኣለማዊ ውሕስነት ምስ ዘይህልዎምስ እቲ ማሕተም ክሳዕ መዓልቲ ምንጋፍ ወይ ምሉእ ድሕነት ዘይኮነስ ክሳዕ መዓልቲ ምሕጣእ፡ ምኽሓድ ወይ ዘይምእማን ጥራይ ምኾነ፡፡ ዮሃንስ 3፡15-16 ድማ ኩሉ እቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ ዘልኣለማዊ ህይወት ኣላቶ ይብለና፡፡ ሰብ ዘልኣለማዊት ህይወት ክረክብ ተስፋ ተዋሂብዎ ክነሱ እታ ህይወት ምስ እትምንዛዕ ድሮ ዘልኣለማዊት ኣይኮነትን፡፡ ዘልኣለማዊ ውሕስነት ሓቂ ምስ ዘይከውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተነጊርሉ ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወት ሓቂ ኣይኮነን፡፡

ዘልኣለማዊ ውሕስነት ኣብ ሮሜ 8፡38-39 ብዝበለጸ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ሞት ኮነ ህይወት፡ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ኮነ ዝመጽእ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ኮነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተኾነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጎይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ከም ዘይኮነሉ ኣርጊጸ ኣለኹ እሞ በዚ ኹሉ በቲ ዘፍቅረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና፡፡ ፡፡ እቲ ዘልኣለማዊ ውሕስነትና ኣብታ ኣምላኽ ነቶም ዘድሓኖም ዘላቶ ፍቕሪ ዝተሰረተ እዩ፡፡ ዘልኣለማዊ ውሕስነትና ብክርስቶስ ተዓዲጉልና፡ ኣቦ ተስፋ ሂቡና፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓቲሙልና እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ንዘልኣለማዊ ውሕስነት ድሕነት ይድግፍዶ?
© Copyright Got Questions Ministries