settings icon
share icon
ሕቶ

ብመንጽር ትንቢት ምጽኣተ ዓለም እንታይ እዩ ክኸውን? ኣብ ምጽኣተ ዓለም፡ እቶም ዝኽሰቱ፡ ቀንዲ ኩነታትእንታይ እዮም ክኾኑ?

መልሲ


ብዛዕባ ምጽኣተ-ዓለም [ናይ መወዳእታ ግዜያት] መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ሓያለ ኣለዎ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ንመወዳእታ ግዜያት ዝተመልከተ ትንቢት ይሓቊፍ። ንኹሎም ትንቢታት ክትወስዶምን ክትሰራርዖምን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ ግዜያት [ምጽኣተ-ዓለም] እንታይ ከምዝኸውን ዝገልጾ ኣዝዩ ብሩህ ጽሟቕ ዚስዕብ እንሆ።

ኣብ ምንጣቕ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን፣ ክርስቶስ ንኩሎም ዳግማይ ዝተወልዱ ኣመንቲ፡ ካብ ምድሪ ክኣልዮም እዩ (1ይ ተሰሎንቄ 4:13-18፣ 1ይ ቆረንቶስ 15:51-54)። ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፡ እዞም ኣመንቲ፡ ኣብ ናይ ምድሪ መዋእሎም ከለዉ፡ ስለቲ እሙን ኣገልግሎቶምን ሰናይ ተግባራቶምን ዓስቦም ክህቦም ከሎ፡ ወይ ስለቲ ጉድለት ኣገልግሎትን ዘይምእዛዝን ዓስቢ ዘይረኽቡ፡ ግናኸ ዘልኣለማዊ ህወይት ኣይክስእኑን እዮም (1ይ ቆረንቶስ 3:11-15፣ 2ይ ቆረንቶስ 5:10)።

ጸረ-ክርስቶስ [እቲ ኣራዊት] ናብ ስልጣን ክመጽእን ምስ እስራኤል ንሸውዓተ ዓመታት ኪዳን ኪእቱውን እዩ (ዳኒኤል 9:27)። እዚ ናይ ሸውዓተ ዓመት ግዜ፡ “ዘመነ-ጸበባ/መከራ” ተባሂሉ ዝፈልጥ እዩ። ኣብ እዋን ጸበባ፣ ሕሱም ውግእ፡ ጥሜት፡ ዕልቕልቕን፡ ምብራስን ክህልው እዩ። ኣምላኽ ኣንጻር ሓጢኣት፡ ርኽሰትን ቁጥዕኡ ክኽዕው እዩ። እቲ ጸበባ ንፍርዲ ናይቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታትን ንትርኢት ሸውዓተ ማሕተም፡ መለኸትን ጽዋዕ መዓትን የጠቓልል።

ኣብተን ፈረቓ ሸውዓተ ዓመታት፡ ጸረ-ክርስቶስ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኪዳን ሰላም ከፍርስን ኣንጻራ ኩናት ከካይድ እዩ። ጸረ-ክርስቶስ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ክፍጽምን፣ ኣብቲ ዳግማይ ዝህነጽ፡ ኣብ መቕደስ የሩሳሌም፡ ንክስገደሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስሊ ከቕውምን እዩ (ዳኒኤል 9:27፣ 2ይ ተሰሎንቄ 2:3-10)። እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ጸበባ፣ “እቲ ዓባይ መዓልቲ ጸበባ” ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። (ራእይ 7:14) ከምኡ’ውን “መዓልቲ ጸበባ ያዕቆብ” ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ (ኤርምያስ 30:7).

ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ ዓመት ጸበባ፡ ጸረ-ክርስቶስ፡ መፈጸምትኡ ኣብ ኣርማጌዶን ዝተባህለ ዓውዲ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም መጥቓዕቲ ክፍንው እዩ። የሱስ ክርስቶስ ክምለስን፡ ንጸረ ክርስቶስን ሰራዊቱን ክድምስሶምን ኣብ ቀላይ ሓዉ ክድርብዮምን እዩ (ራእይ 19:11-21)። ሽዑ ክርስቶስ ንሰይጣን ኣብ መዓሙቕ ንሽሕ ዓመት ክኣስሮን ኣብ ምድሪ ንዘላ መንግስቱ፡ ንሽሕ ዓመት ክገዝእን እዩ። (ራእይ 20:1-6).

ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመታት፡ ሰይጣን ክፍታሕን ከምእንደገና ክጥቓዕን፡ ንዘልኣለም’ውን ናብ ቀላይ ሓዊ ክድርበን እዩ (ራእይ 20:7-10) ። ሽዑ ክርስቶስ ኣብ ዓብዪ ጻዕዳ ዙፋን ፍርዲ ተቐሚጡ፣ ንኩሎም ዘይኣመንቲ፣ ናብቲ ቀላይ ሓዉ ንክድርበዩ፡ ክፈርዶም እዩ (ራእይ 20:10-15)።ሽዑ ክርስቶስ ኣብታ ሓዳስ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ሓዳስ የሩሳሌምን- ናይ ዘልኣለም መንበሪ ኣመንቲ ከገልግል እዩ። ደጊም ሓጢኣት፡ ሓዘን ወይ ሞት የልቦን (ራእይ ዮሃንስ 21–22).

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ብመንጽር ትንቢት ምጽኣተ ዓለም እንታይ እዩ ክኸውን? ኣብ ምጽኣተ ዓለም፡ እቶም ዝኽሰቱ፡ ቀንዲ ኩነታትእንታይ እዮም ክኾኑ?
© Copyright Got Questions Ministries