settings icon
share icon
ሕቶ

ዕድመ ናይ መሬት እንታይ እዩ? ዕድመ ናይ መሬት ክንደይ እዩ?

መልሲ


ኣብ ገለ ኣርእስትታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ንጹር እዩ። ንኣብነት፡ ናህና ዘአና ሞራላዊ ግዴታታት ናብ ኣምላኽን ከምኡድማ ኣገባብ ናይ ምድሓን ብዝርዝር እዩ ዝዝረበሎም። ኮይኑ ግን ኣብ ካልእ ኣርእስትታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ብዙሕ ሓበሬታ ኣይህብን። ነቶም ጽሑፋት ብጥንቃቐ ብምንባብ ድማ ዝኾነ ሰብ ሓደ ኣርእስቲ ተነቃፊ ብዝኾኖ መጠን መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንዑኡ ቀጥታ ከምዝዛረበሉ እዩ ዝረክብ። ብካልእ ኣባህላ፡ “እቶም ቀንዲ ነገራት እቶም ግሉጻት ነገራት እዮም።” ሓደ ካብ’ቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ዘይዝረበሎም ኣርእስትታት ዕድመ ናይ መሬት እዩ።

ዕድመ ናይ መሬት ንምውሳን ዝፍትኑ ብዙሓት መገድታት ኣለው። ነፍሲ-ወከፍ ኣገባብ ምናልባት ልክዕ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉን ዘይክእሉን ገለ ግምታት ይሙርኮሱ። ኩሎም ኣብ ሞንጎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ቃል-ንቃልን ከምኡድማ ስነፍልጠታዊ ቃል ንቃልን ዘሎ ብርሃን (ስፐክትሩም) ይኣትዉ።

ሓደ ኣገባብ ምውሳን ዕድመ መሬት ከኣ፡ ኣብ ዘፍጥረት 1 ቀሪበን ዘለዋ እተን ሹዱሽተ መዓልትታት ናይ ፍጥረት ቃል ብቃሉ ናይ 24--ሰዓት ግዜ እየን ኔረን ከምኡ ድማ ኣብ ቅደም ተኸተል ወይ ስነ-ወለዶ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ድማ ክፍተታት የለዉን ኢሉ ይሓስብ። እቶም ኣብ ስነ-ወለዶታት ናይ ዘፍጥረት ተዘርዚሮም ዘለው ዓመታት ድማ ካብ ፍጥረት ክሳብ ገለ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣሃዛት ተጋማጋሚ ግዜ ንምሃብ ይድመሩ። በዚ ኣገባብ ብምጥቃም፡ ኣብ ከባቢ 6,000 ዓመታት ዕድመ ናይ መሬት ንበጽሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ብግልጺ ን ዕድመ ናይ መሬት ከምዘይገልጽ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ--እዚ ዝተቐመረ ቁጽሪ እዩ።

ካልእ ኣገባብ ምውሳን ዕድመ ናይ መሬት ከኣ፡ ምጥቃም ምንጭታት ከም ራድዮሜትርያዊ ናይ ካርቦን ግምገማ ዘመን፡ ናይ ስነምድሪ ዑደትን ወዘተ እዩ። ንዝተፈላለዩ ኣገባባት ብምውድዳርን ከምኡ ድማ ትኽክል ሙዃኖም ብምርኣይ፡ ተመራመርቲ እዛ ፕላኔት ዕድሚኣ ክንደይ ሙዃና ክውስኑ ይፍትኑ። እዚ እዩ ዕድመ ናይ መሬት ዳርጋ 4 ክሳብ 5 ቢልዮን እዩ ኢልካ ንምብጻሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ኣገባብ። ቀጥታ ዕድመ ናይ መሬት ንምዕቃን መገዲ ከምዘየለ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ--እዚ ዝተቐመረ ቁጽሪ እዩ።

ክልቲኦም እዞም ዕድመ ናይ መሬት ናይ ምውሳን ኣገባባት ድማ ተኽእሎ ሕጽረታት ኣለዎም። ኣለው ገለ ናይ ስነ--መለኮት ሙሁራት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ፍጥረት መዓልታት ቃል ብቃሉ ናይ 24-ሰዓት ግዜ ንዝብል ዘይኣምኑሉ። ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ስነ ወለዶታት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ንገለ ሰብኡት ጥራይ ኣብ’ቲ ሓረግ ብምጥቃስ ኮነ ኢሉ ዝተገብረ ክፍተታት ኣለዎም ኢልካ ትኣምነሎም ምኽንያታት ኣለው። ውሁብ መዐቀኒታት ዕድመ ናይ መሬት 6,000 ዓመታት እዩ ክትብል ዝሕግዙ ኣይመስሉን፡ ከምኡ ከኣ ነዚ መርትዖ ምኽሓድ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲወከፍ መዳይ ናይ ኣድማስ ዳርጋ ንገለ ምኽንያት ናይ ቀደም “ከምዝመስል” ጌርዎ ዝብል ርእይቶ ይጠልብ። ዋላ’ኳ ኣንጻራዊ ክትዓት እንተሃለው፡ እቶም ነዊሕ ዝገበረት መሬት ዝብል ርእይቶ ዝሓዙ ብዙሓት ክርስትያናት ን መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋገን መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎን ጌሮም ይወስድዎ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ግቡእ ኣተረጓጉማ ናይ ውሑዳት ዝተሓርዩ ጥቕስታት ይፈላለዩ።

በቲ ካልእ መዳይ፡ ራድዮሜትራዊ ናይ ካርቦን ግምገማ ዘመን ድማ ኣብ ገለ ነጥቢ ተመሊስካ ጥራይ እዩ ካብ’ቲ ሚዛን ምቑጻር መሬት ኣዝዩ ብዝትሓተ ዝጠቅም ወይ ልክዕ ዝኸውን። ናይ ስነምድሪ ናይ ግዜ ሚዛን፡ ናይ ፎሲል (ሕመት) ጸብጻባትን ካልእን ድማ ኣዝዮም ኣብ ግምታትን ናይ ሞዴሊንግ ጌጋታት ዝተሞርኮሱ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ትዕዝብትታት ናይ’ዚ ዓቢ ኣድማስ፡ እዚ ከኣ ንሕና ካብ’ቲ ዘሎ ኣዝዩ ደቂቕ ምቃል ጥራይ ኢና ክንርኢ ንኽእልን ከምኡ ድማ ዝበዝሕ ካብ’ቲ ንፈልጦ ድማ ክልሰ-ሓሳባዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ ዓለማዊ ግምታት ዕድመ ናይ መሬት ትኽክል ከምዘይኮኑ ዘእምኑ ብዙሓት ምኽንያታት’ውን ኣለው። ስነፍልጠታዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣብ ስነፍልጠት ምሙርኳስ ደሓን እዩ፡ ኮይኑ ግን ንስነፍልጠት ከምዘይጋገ ጌርካ ምርኣዩ ኣይክኣልን።

ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ቅደም ተኸተል ዕድመ ናይ መሬት ክረጋገጽ ኣይክኣልን እዩ። ደስ ዘይብል ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብቶም ናቶም ጥራይ’ዩ እቲ እንኮ ኣሎ ዝብሃል ትርጉም ኢሎም ዝኣምኑ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ናይ’ቲ ጉዳይ ክትዓት ኣለው--ብስነ-መለኮታዊ ወይ ብስነፍልጠታዊ መገዲ። ከም ሓቂ፡ ኣብ ሞንጎ ክርስትናን እዛ ናይ ቀደም መሬትን ዘይዕረቕ ስነ-መለኮታዊ ዘይምስምማዕ የሎን። ኣብ’ዛ ነዊሕ ዘይገበርት መሬት’ውን ሓቀኛ ስነፍልጠታዊ ዘይምስምማዕ የሎን። እቶም ካልእ መገዲ ዝኣምኑ ከኣ ወለሓደ ክህሉ የብሉን ዝብል ምክፍፋል እዮም ዝፈጥሩ ዘለው። ሓደ ሰብ ዝኾነ ርእይቶ ይሓዝ፡ ንሱ ቃል ኣምላኽ ሓቀኛን ስልጣን ዘለዎ ሙዃኑ ይኣምን ኣሎ ዶ የሎን እዩ እቲ ዘገድስ።

Got Questions ዝብሃል ሚኒስትሪስ ን ነዊሕ ዘይገበረት መሬት ዝብል ኣመለኻኽታ ይድግፍ። ንሕና ኦሪት ዘፍጥረት 1-2 ከምዘለዎ ቃል ብቃሉ ሙዃኑን ከምኡድማ ናይ ነዊሕ ዘይገበረት መሬት ኣፈጣጥራ ድማ እዩ ናይ ቃል ብቃል ንባብ ናይ’ዞም ምዕራፋት ዘቕርብ ኢልና ንኣምን። ብተመሳሳሊ ድማ ኣፋጣጥራ ነዊሕ ዝገበረት ምድሪ ዝብል ድማ ስሕተት እዩ ኢልና ኣይንቖጽሮን። ምስ’ቶም ብዛዕባ ዕድመ ናይ መሬት ምሳና ዘይሰማምዑ ብክርስቶስ የሕዋትናን ኣሓትናን እምነቶም ኣብ ሕቶ ከነእቱ ኣይንደልን። ንሕና ሓደ ሰብ ነቲ ፍጥረት ናይ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረት መሬት ዝብል ሒዙ ግን ከኣ ነቲ ቀንዲ ዶግማታት ናይ እምነት ክርስትና ድማ ክድግፍ ይኽእል ኢልና ንኣምን።

ስለዚ’ዩ ጳውሎስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተዘርዘረ ኣርእስትታት ከም ዕድመ ናይ መሬት ድማ ኣመንቲ መበገሲ ክትዕ ከይገብርዎ ይላቦ (ሮሜ 14፡1-10 ቲቶስ 3፡9)። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕድመ ናይ መሬት “ግሉጽ” ኣይኮነን ። ብተወሳኺ ድማ “ቀንዲ ነገር” ኣይኮነን፡ እዚ ከኣ ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ዕድመ መሬት ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ናይ ሓጥያት፡ ድሕነት፡ ሞራላዊነት፡ መንግስተ ሰማይ ወይ ጋሃነም ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ንሕና ብዛዕባ መን ፈጠረ፡ ንምንታይ ፈጠረን ምስ’ኡ ብኸመይ ኢና ርክብ ክንገብር ዘሎና ክንሓትት ንኽእል ኢና፡ ኮይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ንሱ መዓስ ፈጢሩ ብዘየወላውል ቃላት ኣይነግረናን እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዕድመ ናይ መሬት እንታይ እዩ? ዕድመ ናይ መሬት ክንደይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries