settings icon
share icon
ሕቶ

እግዚኣብሄር ኣሎዶ እዩ? ንህላወ እግዚኣብሔር ዝገለጽ መርትዖዶ ኣሎ?

መልሲ


ህላወ እግዚኣብሄር ክረጋገጽ ወይከኣ ምፍሻል ኣይከኣልን። ቅዱስ መጽሓፍ፡ ህላውነት እግዚኣብሄር ብእምነት ክንቅበሎ ከምዝግባኣና ይነግረና፡ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ፥ እቲ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ ኩሉ፥ ኣምላኽ ከምዘሎ፥ ነቶም ዜናድይዎ ከኣ ዓስቢ ከም ዚህቦም ክኣምን ይግብኦ” (ዕብ. 11.6)። ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ተደላዪ እንካብ ኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ተገሊጹ ንኩሉ ዓለምሲ ብቐሊሉ ከም ዘሎ መፍለጠ ነይሩ። ግናኸ ከምኡ እንተዝገብር ነይሩ እምነት ዝበሃል ኣምበይ መድለየን ነይሩ። “ኢየሱስ ከኣ ‘ስለ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፥ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብፁኣን እዮም’ በሎ” ( ዮሓ. 20፡29)።

እዚ ማለት ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ መርትዖ የለን ማለት ኣይኮነን። ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚ ይብል “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፥ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግር። መዓልቲ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ተዘንትወላ፥ ለይቲ ድማ ነታ እትመጽእ ለይቲ ትነግራ። ቃላት ወይ ዘረባ የብሎምን፥ ድምፆምውን ኣይስማዕን እዩ። ድምፆም ናብ ኩላ ምድሪ፥ ቃላቶም ድማ ክሳብ ኩላ ዓለም በጽሐ። እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ ንፀሓይ ድንኳና ተኸለላ” (መዝ. 19፡ 1-4)። ንከዋኽብት ምስ እንጥምት፡ ዕቤት ኣድማስ እንተደኣ ኣስተንቲንና፡ መስተንክራት ናይ ተፈጥሮ ንተዕዘብ፡ ጽባቐ ዕራርቦ ጸሓይ እንተሪኢና፥ ኩሉም እዞም ነገራት ዘመልክትዎ ንሓደ ፈጣሪ ኣምላኽ እዩ። እዚ እንተ ዘየዕገበና ድማ ህላወ ኣምላኽ ዘረጋግጽ ጭብጢ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ኣሎ። መጽሓፍ መክብብ 3፡11 ከምዚ ይብለና “ …. ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ እንተ ሰኣነ፥ ኣምላኽ ንዘለዓለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ”። ክንየው እዛ ህይወት ገለ ነገር ከምዘሎን ክንየው እዛ ዓለም ድማ ገለ-ሰብ ከምዘሎ ኣብ መዓሙቕ ልብና ናይ እምነት ምልክት ኣሎና። ስለ ዝተመሃርና ነዚ ፍልጠት ክንክሕዶ ንኽእል ንኸውን፡ ግናኸ ህላውነት ኣምላኽ ኣባናን ኣብ ዙርያናን ከምዘሎ ርግጽ እዩ። ሽሕዃ እዚ ኩሉ እንተሎ፡ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ገለ ሰባት ጌና ህላውነት ኣማላኽ ዝኽሕዱ ከምዘለዉ የጠንቅቐና “ዓሻስ ብልቡ ‘ኣምላኽ የልቦን’ ይብል ኩላቶም ተበላሽዮም፥ ፍንፉን ግብሪ ይገብሩ፥ ሠናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን” (መዝ. 14፡1)። ኣብ መላእ ዘመናት ታሪኽ፡ ኣብ ኩሎም ባህልታት፡ ኣብ ኩሎም ስልጣኔታት ደቂሰባት ኣብ ኩሎም ኣህጉራትን ዳርጋ ኩሎም ሰባት ህላወ ገለ ኣምላኽ ይኣምኑ። ስለዚኮነ ድማ ነቲ እምነት ዝድርኽ ሓደ ነገር (ወይከኣ ሓደ ሰብ) ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

ኣብ ርእሲ እቶም ብዛዕባ ህላውነት ኣምላኽ ዘሎዉ ቅዱስ መጽሓፋዊ ክትዓት፡ ስነ-ሞጐታዊ ክትዓትውን ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ኦንቶሎጂካዊ ክትዕ ኣሎ። እቲ ኣዚዩ ህቡብ ዓይነት ኦንቶሎጂካዊ ክትዕ ህላውነት ኣምላኽ ንምርግጋጽ ኣምር ኣምላኽ ይጥቀም። ትርጉም ኣምላኽ “ካብኡ ዝዓቢ ነገር ክትሓስቦ ዘይከኣል ነገር” ኢሉ ብምግላጽ ከኣ ይጅምር። ካብ ዘይምህላው ድማ ምህላዉ ይዓቢ ዝብል ክትዕ ምምጻእ ይከኣል እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ሓደ ኣዚዩ ዝዓበየ ክትግምቶ እትኽእል ነገር ክህሉ ኣለዎ። ኣምላኽ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ ክትግምቶ እትኽእል ነገር ክኸውን ኣምበይ ምኸኣለን፡ እዚ ከኣ ብቐንዱ ነቲ ትርጉም ኣማላኽ ምተጻረረ ነይሩ።

እቲ ካልኣይ ክትዕ ቲዮሎጂካዊ ክትዕ እዩ። እዚ ቲዮሎጂካዊ ክትዕ ኣስማስ ዘስደምም ንድፊ እንካብ ሃለዎ፡ ንዕዑ ዝነደፈ ሓደ መለኰታዊ ነዳፊ ክህሉ ኣለዎ ይብል። ንኣብነት መሬት ካብዚ ዘላቶ ናብ ጸሓይ ቍሩብ ኪሎመተራት እንተትቀርብ ወይከኣ እንተትርሕቕ ነይራ፡ እዚ ኣብኣ ዘሎ ፍጥረታት ወይ ህይወት ክንድቲ ኣይምሃለወን። ኣብ ሃዋህው ዘለዉ ባእታታ ብቍሩብ ሚእታዊት ቅርጾም እንተዝቕየር፡ ዳርጋ ኣብ መሬት ዘሎ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ምሞተ። ኣብ ሓደ ንጽል ናይ ፕሮቲን ሞለክዩል ብዕድል ዝፍጠር ጊንጢ ወይ ስግንጢር 1 ካብ 10243 እዩ (ን10 ጽሒፍና፡ ኣስዒብና 243 ዜሮታት ክንጽሕፍ ከሎና ማለት እዩ)። ሓደ ዋሃዮ ከኣ ብሚሊዮናት ሞለክዩላት ፕሮቲን ዝቘመ እዩ።

ሳልሳይ ስነ-ሞጐታዊ ክትዕ ብዛዕባ ህላውነት ኣምላኽ፡ ኮስሞሎጂካዊ ክትዕ ይበሃል። ዝኾነ ውጽኢት ወይ ሳዕቤን፡ ጠንቂ ክህልዎ ኣለዎ። ኣድማስን ኣብኡ ዘለዉ ኩሎም ነገራት ውጽኢት እዮም፡ ንህላውነቶም ድማ ሓደ ጠንቂ ክህሉ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ኩሉ ነገራት ንክህሉ ጠንቂ ዝኾነ፡ ‘ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ዘየድልዮ’ ሓደ ነገር ክህሉ ኣለዎ። እዚ ‘ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ዘየድልዮ’ ነገር እምበኣር ኣምላኽ እዩ።

እቲ ራብዓይ ክትዕ ድማ ሞራላዊ ክትዕ ይበሃል። ኣብ መላእ ታሪኽ ነፍስ ወከፍ ባህሊ ሓደ ዝኾነ ዓይነት ሕጊ ነይርዎ። ነፍስወከፎም ገለ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ኣብ ጌጋን ቅኑዕን ነይርዎም። ቅትለት፡ ሓሶት፡ ስርቂን ካብ ስነምግባር ወጻኢ ምስራሕን ዳርጋ ኣድማሳዊ ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ኩሎም ውጉዝ እዩ። እዚ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ካብ ቅዱስ እግዚኣብሄር እንተዘይኮይኑ ካበይ ክብገስ ይኽእል?

ምስ እዚ ኩሉ ግና፡ ደቂ ሰባት ነዚ ንጹር፡ ዘይከሓድን ሓቂን ገዲፎም ንሓሶት ክኣምኑ ከምዝደልዩ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ሮማ. 1፡25 ከምዚ ይእውጅ፡ “እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ ሓቂ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፥ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፥ ንሱ ንዘለዓለም ዝተባረኸ እዩ፥ ኣሜን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ”። ንኣምላኽ ብዘይምእማኖም ድማ፡ ደቂ ሰባት ዝኾነ ምኽኒት ከምዘይብሎም ቅዱስ መጽሓፍ ይገልጽ፡ “ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኪስእኑ፥ እቲ ዓለም ካብ ዚፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፥ ማለት ዘለዓለማዊ ኃይሉን መለኮቱን፥ ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ” (ሮማ. 1፡20)።

ደቂ ሰባት ህላውነት እግዚኣብሄር ኣይንእምንን ዝብልሉ ምኽኒት “ስነ ፍልጠታዊ ስለ ዘይኮነ” ወይከኣ “ጭቡጥ መርትዖ ስለዘየሎ” ኢና ይብሉ። እቲ ሓቀይና ምኽኒያት እምበኣር ኣምላኽ ከምዘሎ እንተደኣ ተኣሚኖም፡ ንእግዚእብሄር ሓላፍነት ከምዘለዎም ወይከኣ ተሓተትቲ ምዃኖምን፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ምሕረት ከምዘድልዮም ክርድኡ ይግባእ (ሮማ. 3፡23, 6፡23)። እግዚእብሄር እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ንኩሉ ተግባራትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ኢና። ኣምላኽ እንተደኣ ዘየልዩ ግና፡ ኣምላኽ እንከይፈርደና ከይፈራህና ዝደለናዮ ክንገብር ንኽእል። ስለዚ ድማ እዮም መብዛሕትኦም እቶም ንህላወ ኣምላኽ ዝኽሕዱ ሰባት ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ባህሪያዊ ፍልቀት (አቮሉሽን) ኣጥቢቖም ዚኣምኑ - ካብ ምእማን ኣብ ሓደ ፈጣሪ ኣምላኽ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዝህቦም። ግናኸ ኣምላኽ ኣሎ፡ ንህላውነቱ ድማ ብርግጽ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ። ብመሰረቱ ኣምላኽ የሎን ኢሎም ብክንድዚ ድፍረት ከረጋግጹ ኢሎም ዝህቅኑ ሰባትውን ምፍታኖም ባዕሉ ንህላውነት ኣምላኽ መካትዒ ነጥቢ እዩ።

እግዚኣብሄር ከምዘሎ ግና ከመይ ኢልና ንፈልጥ? ክርስትያን ስለዝኾንና ምስ ኣምላኽ መዓልታዊ ስለ እንዛረብ ከም ዘሎ ንፈልጥ። ብድምጺ ቃል ክዛረበና ኣይኮነን እንሰምዖ፡ ግና ህላውነቱ ይስመዓና፡ ይመርሓና ከም ዘሎ ይርድእና፡ ፍቕሩ ድማ ንፈልጦ፡ ስብሓቱውን ንህንጠ። እግዚእብሄር እንተዘይኮኑ ካልእ መግለጺ ክወሃቦም ዘይከኣል ኣዚዮም ብዙሓት ፍጻሜታት ኣብ ህይወትና ኣጋጢሞምና፡ እግዚኣብሄር ብተእምር ኣድሒኑና፡ ህይወትናውን ቀዪርዎ፡ ንህላውነቱ ምእማንን ምምስጋን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ክንገብሮ እንኽእል ነገረ የልቦን። ግናኸ ክኣምን ንዘየደለየ ሰብ ኩሎም እዞም መርትዖታት ከእምንዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብእምነት ምቕባል እዩ ዝግባእ (ዕብ. 11፡6)። ኣብ እግዚኣብሄር ምእማን፡ ተዓሚትካ ናብ ጸልማት ምዝላል ኣይኮነን፡ እንታይደኣ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ደው ኢሎሙሉ ናብ ዘሎዉ ሓደ ብግቡእ-ዝበርሀ ክፍሊ ዝግበር ውሑስ ስጕሚ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እግዚኣብሄር ኣሎዶ እዩ? ንህላወ እግዚኣብሔር ዝገለጽ መርትዖዶ ኣሎ?
© Copyright Got Questions Ministries