settings icon
share icon
ሕቶ

ኣነ ተፋቲሐ እየ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ካልኣይ ግዜ ክምርዖ ይኽእል ዶ?

መልሲ


ብዙሕ ግዜ ከም ዝኣመሰለ ሕቶታት ንቕበል፡ “ብኸምዚ ከምዚ ምኽንያት ተፋቲሐ። ካልኣይ ግዜ ክምርዖ ይኽእል ዶ?” “ኣነ ክልተ ግዜ ተፋቲሐ--እቲ ቀዳማይ ብ ዝሙት ናይ መጻምደይ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብዘይምስምማዕ እዩ፡ ኣነ ምስ ሰለስተ ግዜ ዝተፋተሐ ሰብኣይ ፍቕራዊ ቆጸራ ይገብር ኣሎኹ--እቲ ቀዳማይ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ፡ እቲ ካልኣይ ብናቱ ዝሙት፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝሙት መጻምዱ እዩ። ንሕና ክልቴና ክንማራዖ ንኽእል ዶ? ዝብል ሕቶታት ንቕበል። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክትምልሶም ብጣዕሚ ኣሸገርቲ እዮም ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድሕሪ ፍትሕ ዳግም ምምርዓው ዝመስል ክስተታት ኣጸቢቑ ናብ ዝርዝር ኣይኣቱን እዩ።

ኣርጊጽና ክንፈልጦ እንኽእል ነገር ከኣ ናይ ኣምላኽ መደብ ን ዝተመርዓዉ ሰባት ክልቲኦም መጻምዲ ብሂወት ክሳብ ዘለው ኣብ መርዓ ክጸንዑ እዩ (ዘፍጥረት 2፡24፡ ማቴዎስ 19፡6)። እቲ እንኮ ፍቓድ ናይ ካልኣይ ግዜ መርዓ ድሕሪ ፍትሕ ከኣ ዝሙት እዩ (ማቴዎስ 19፡9)፡ ዋላ’ውን እዚ ክርስትያናት ይካትዑሉ እዮም። ካልእ ተኽእሎ ድማ ጥልመት እዩ-- እዚ ከኣ ዘይኣማኒ መጻምዲ ንኣማኒ መጻምዲ ክሓድግ ከሎ እዩ (1ቆሮንጦስ 7፡12-15)። እዚ ጽሑፍ፡ ዋላ’ኳ ንዳግም ምምርዓው ብፍሉይ ኣይጥቀስ፡ ኣብ መርዓ ተኣሲርካ ምጽናዕ ጥራይ እዩ ዝብል። ኣጋጣሚታት ናይ ኣካላዊ፡ ጾታዊ ወይ ከቢድ ስሚዒታዊ በደል ድማ እኹል ምኽንያት ናይ ምፍልላይ ክኸውን ይኽእል፡ ኮይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሓጥያት ብመንጽር ፍትሕ ወይ ዳግም ምምርዓው ኣይዛረበሎምን እዩ።

ክልተ ነገር ብርግጽ ንፈልጥ። ኣምላኽ ፍትሕ ይጸልእ (ሚልክያስ 2፡16)፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ። ነፍሲወከፍ ፍትሕ ውጽኢት ናይ ሓጥያት እዩ፡ እዚ ከኣ ብሓዲኦም ወይ ብኽልቲኦም። ኣምላኽ ንፍትሕ ይቕረ ይብል ዶ? ብርግጽ! ፍትሕ ከም ካልእ ሓጥያት ይቕረ ዘይብሃሎ ኣይኮነን። ሕድገት ናይ ኩሎም ሓጥያት ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ይርከብ እዩ (ማቴዎስ 26፡28፡ ኤፌሶን 1፡17)። እንተድኣ ኣምላኽ ናይ ምፍታሕ ሓጥያት ይቕረ ዝብል ኮይኑ፡ ንስኻ/ኺ ካልኣይ ግዜ ንምምርዓው ናጻ ኢኻ ማለት ድዩ? ኣይኮነን። ኣምላኽ ንገለ ሰባት በይኖም ክነብሩ (ሲንግል) ይጽውዖም እዩ (1 ቆሮንጦስ 7፡7-8)። በይንኻ ወይ ሲንግል ሙዃን ከም መርገም ወይ መቕጻዕቲ ክረአ የብሉን፡ እንታይ ድኣ ንኣምላኽ ብሙሉእ ልብኻ ንምግልጋል ዝተረኽበ ዕድል እምበር (1 ቆሮንጦስ 7፡ 32-36)። ቃል ኣምላኽ ብፍትወት ካብ ምንዳድ ምምርዓው ይሓይሽ ይብል (1 ቆሮንጦስ 7፡9)። ምናልባት እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንድሕሪ ፍትሕ ካልኣይ ግዜ ምምርዓው ዝምልከት እዩ።

ስለዚ፡ ንስኻ/ኺ ካልኣይ ግዜ ክትምርዓው ዝክኣል ድዩ ወይ ኣለካ ድዩ? ነዚ ሕቶ ክንምልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ኣብ ሞንጎኻን/ኺን ኣብ ሞንጎ እቲ ዝመጽእ መጻምዲ ዝኸውንን ከምኡ ከኣ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ድማ ኣምላኽ እዩ። እቲ እንኮ ንሕና ክንህቦ ንኽእል ምኽሪ ድማ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ጥበብ ክህበና ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እዩ (ያዕቆብ 1፡5)። ብክፉት ኣእምሮ ጸልን ብቅንዕና ድማ እግዚኣብሄር ንድሌቱ ኣብ ልብኻ/ኺ ከቐምጥ ሕተትን (መዝሙር 37፡4)። ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ድለ/ድለዪ (ምሳሌ 3፡5-6) ከምኡ ድማ ንምርሒቱ ስዓብን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣነ ተፋቲሐ እየ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ካልኣይ ግዜ ክምርዖ ይኽእል ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries