settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ደጊምካ ምምርዓውን እንታይ ይብል፤ ሓደ ሰብ ተፋቲሑ ካልእ ክምርዖ ዝኽእል ዘፍቅደሉ ኹነታት ከመይ ዝበለ እዩ?

መልሲ


ኣብ ፍትሕ ዘሎና ርድኢት ንጎኒ ገዲፍና፡ ቅድሚ ኹሉ ናብቲ ኣብ ሚልኪያስ 2፡16 ዘሎ ቓል ነድህብ፡ ምፍታሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዝኸድኖን ይጸልእ ኣለኹ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡፡ ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልዉ ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፡፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዳር ማለት ምሉእ ዕድሜኻ ዝጸንዕ ኪዳን ኢዩ፡፡ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፡፡ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ፡፡ (ማቴ. 19:6)፡፡ ይኹን እምበር፡ ሓዳር ኣብ መንጎ ክልተ ሓጣእቲ ሰባት ዝግበር ብምዃኑ እግዚኣብሄር ፍትሕ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ኣብ ብሉይ ኪዳን ንመሰል ተፋታሕቲ፡ ብሕልፊ ኸኣ መሰል ኣንስቲ፡ ንምሕላው ሕግታት ኣንጺፉ እዩ፡፡ (ዘዳግም 24:1-4):: የሱስ ድማ እዞም ሕግታት ፍትሕ ዝተዋህቡ ብፍታው እግዚኣብሄር ዘይኮነስ ብሰንኪ ትሪ ልቢ ደቂ ሰባት ምዃኑ ኣመልኪቱ እዩ (ማቲዎስ 19:8)::

እቲ ፍትሕን ካልኣይ መርዓን ይፍቀድ ዶስ ኣይፍቀድን ዝብል ክትዕ ኣብ ክሊ እታ ኣብ ማቴዎስ 5፡32ን 19፡9ን ዘሎ ቓል የሱስ ዘተኮረ ኢዩ፡፡ እቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝብል ሓረግ፡ እግዚኣብሄር ንፍትሕን ካልኣይ መርዓን ከም ዝፈቐ እተፍእም እንኮ ጽሕፍቲ ኢያ፡፡ ብዙሓት ተርጎምቲ ድማ ነቲ ብዘይ እትብል ቃል ነታ ኣብ እዋን ሕጸ ዘላ ዝሙት ከም እትመልከት ይምጉቱ፡፡ ኣብ ባህሊ ኣይሁዳውያን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ተሓጽዮም እንከለዉ ጥራይ እኳ ከም ምርዑዋት ይቑጸሩ ነበሩ፡፡ በዚ ርድኢት መሰረት ድማ ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዝሙት ጥራይ እዩ ብቑዕ ምኽንያት ፍትሕ፡፡

ይኹን እምበር፡ እታ ዝሙት ናይ ግሪኽ ቃል፡ ዝኾነ መልክዕ ጾታዊ ብዕልግና ከተስምዕ ትኽእል፡፡ ንኣብነት፡ ስጋዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ፡ ምምንዛር፡ ዝሙት ሰብ ሓዳር፡ ወዘተ. ክትትርጎም ትኽእል፡፡ እቲ የሱስ ዝብለና ዘሎ ጾታዊ ብዕልግና ማለት ዝሙት ምስ ዝፍጸም ከኣ ፍትሕ ይከኣል እዩ፡፡ ጾታዊ ዝምድናታት ሓደ ኣካል ሓዳር እዮም፡፡ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን (ዘፍጥረት 2:24፤ ማቴዎስ 19:5፤ ኤፈሶን 5:31):: እምበኣርከስ፡ ዝኾነ ነዚ ጥምረት ዘላሕልሕ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ዝምድናታት ንፍትሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ፡ የሱስ ኣብዚ ጽሑፍ ዳግም-መርዓ ኣእትይዎ ኣሎ፡፡ ኣብ ማቴዎስ 19፡9 ዘላ ካልእውን ዘእቱ ዝብል፡ ፍትሕን ዳግመ-መርዓን ኣብቶም ፍሉያት ወይ ብዘይ ሓረጋት ከም ኩነታቱ ብምውሳድን ከከም ኣተረጓጒምኡን ከም ዝፍቀድ ተመልክት ኢያ፡፡ ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዝግባኣና ድማ እቲ ንጹህ ወይ ዘይዘመወ ወገን ጥራይ እዩ ዳግም መርዓ ዝፍቀደሉ፡፡ ሽሕ እኳ ኣብቲ ጽሑፍ እንተዘይተገልጸ፡ ፍቓድ ዳግመ-መርዓ በረኸት እግዚኣብሄር ነቲ ብዱል ወገን ደኣ እምበር ነቲ ጾታዊ ብዕልግና ዝፈጸመ ወገን ኣይምልከቶን እዩ፡፡ እቲ በዳሊ ኣካል ዳግመ-መርዓ ዝፍቀደሉ ኩነታት እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ ግናኸ ኣብዚ ጽሑፍ ከምኡ ኣይተባህለን፡፡

ገሊኦም ን1ይ ቆሮንጦስ 7፡15 ከም፡ ሓደ ዘይኣማኒ ንኣማኒት መጻምድቱ እንተፈቲሑ ዳግመ-መርዓ ዘፍቅድ ገይሮም ይርድእዎ፡፡ ይኹንምበር፡ እቲ ጽሑፍ ዳግመ-መርዓ ኣይጠቅስን እዩ ግናኸ ሓደ ኣማኒ እቲ ዘይኣማኒ በዓል ኪዳኑ ምስ ዝገድፎ፡ እቲ ኣማኒ ኣብ ሓዳሩ ክቕጽል ከምዘይግደድ ጥራይ እዩ ዝገልጽ፡፡ ካልኦት ከም ዝብልዎ ኸኣ ዋላ እኳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ እንተዘይሰፈረ፡ ኣብ ሓዳርካ ወይ ዉሉድካ ምብዕላግ ብቑዕ ምኽንያት ፍትሕ ኢዩ፡፡ እዚ ኢልና ከነብቅዕ ግን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ግምታዊ ሓሳብ ምቕራብ ልቦና ኣይኮነን፡፡

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ትርጉም ናይታ ብዘይ እትብል ሓረግ ኣብ ምጉታዊ ምድንጋራት ንኣቱ ኢና፡፡ ትርጉም ናይቲ ንሰበይቱ ዝፈትሓ እንታይ እዩ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቲ ዝድለ ነገር ፍቓድ ንፍትሕ እምበር ንኣድላይነት ወይ ጥቕሚ ፍትሕ ዝነግር ኣይኮነን፡፡ ዝሙት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እውን ሰብ ሓዳር ብጸጋ እግዚኣብሄር ይቕሬታ ክመሃሩ እሞ ሓዳሮም ዳግም ምህናጽ ክጅምሩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እግዚኣብሄር ካልእ ብዙሕ ክፋእ ምሒሩና እዩ፡፡ ንሕና እውን ናቱ ኣብነት ስዒብና ሓጥያት ዝሙት ዝኣክል እኳ ከይተረፈ ክንመሓሓር ንኽእል ኢና (ኤፈሶን 4:32)፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ብዙሓት ኣብነታት፡ ሓዲኦም ኣይጠዓስን እየ ኢሉ ኣብ ዝሙቱ ይቕጽል ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዩ እምበኣር ማቴዎስ 19፡9 ክትግበር ዝኽእል፡፡ ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ድሕሪ ፍትሕ ቀልጢፎም ክምርዓዉ ይደልዩ፤ እግዚኣብሄር ግን ንበይኖም ክጸንሑ ክደሊ ይኽእል ኢዩ፡፡ ገለ ገለ እዋን እግዚኣብሄር ሰባት ሓሳቦም ምእንቲ ከይከፋፈል ኢሉ ዘይምርዕዋት ክኾኑ ይጽወዖም ኢዩ (1ይ ቆሮንቶስ 7:32-35)፡፡

ቁጽሪ ፍቱሓን ኣመንቲ ክርስትያናት ማዕረ ናይቶም ዘይኣመንቲ ምዕራጉ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ከም ዘብርሆ፡ እግዚኣብሄር ፍትሕ ይጸልእ (ሚልክያስ 2:16)፡፡ ዕርቅን ይቕሬታን ከኣ መለለዪ ህይወት ኣማኒ ክኾኑ ይግባእ (ሉቃስ 11:4፤ ኤፌሶን 4:32)፡፡ ይኹን እምበር፡ እግዚኣብሄር ፍትሕ ኣብ መንጎ ደቁ ከይተረፈ ክፍጸም ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ሓደ ዝፈትሐ ወይ ውን ደጊሙ ዝተመርዓወ ኣማኒ፡ ዋላ እኳ ተግባሩ ኣብ ውሽጥታ ኣብ ማቴዎስ 19፡9 ዘላ ፍልይቲ ሓረግ ክሽፈን ኣይኽኣል እምበር፡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ይንከዮ ማለት ኣይኮነን፡፡ ከመይሲ፡ እግዚኣብሄር ብዙሕ ግዜ ነቶም ሓጥኣንን ዘይምእዙዛትን ክርስትያን ከይተረፉ ንሰናዩ ይጥቀመሎም ኢዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ደጊምካ ምምርዓውን እንታይ ይብል፤ ሓደ ሰብ ተፋቲሑ ካልእ ክምርዖ ዝኽእል ዘፍቅደሉ ኹነታት ከመይ ዝበለ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries