settings icon
share icon
ሕቶ

ምክፍፋል መዋእላውነት እንታይ እዩ ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ'ኸ?

መልሲ


ምክፍፋል መዋእል ንነገራት ምሕደራ ድዩ ኣገባብ ወይ ኣተኣላልያ ምትሓዝ እዩ ፡፡ ኣብ ስነመለኮት ፡ ምክፍፋል መዋእል ክብሃል ከሎ፡ ኣብ ሓደ ውሱን መዋእል ዝትግበር መለኮታዊ ምሕደራ እዩ ፡ ነፍስወከፍ መዋእል ብመለኮታዊ ዝተሰርዐ ዘመን እዩ ፡፡ ምክፍፋል መዋእላውነት፡ ነተን ኣብዚ ዘመን ብኣምላኽ ዝተሰርዐ እሞ ኣብ ጉዳያት ዓለም ዝስርሓሉ ስነመለኮታዊ ኣገባብ እዩ ፡፡ ምክፍፋል መዋእላውነት ክልተ ኣውራ መለለዪታት ኣለዎ ፡ 1)ኩሉ ሳዕ ዝቃዶናይ ቃል ብቓል ኣተራጒማ ቅዱስ ጽሑፍ ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ትንቢታት ፡፡ 2) ኣብቲ መደብ ኣምላኽ ፡ እስራኤል ካብ ቤተክርስትያን ብፍሉይነታ ትረኣየሉ ኣጠማምታ ፡፡ ክላሲካዊ ምክፍፋል መዋእላውነት ፡ ነቲ ኣምላኽ ንሰብ ዘለዎ መደብ ኣብ ሾብዓተ መዋእላት ፈላልዩ እዩ ዝሪኦ ፡፡

መዋእላውያን ነቲ ናይ ቃል ብቓል ኣተራጒማ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝበለጸ መጽናዕታዊ ኣገባብ ጌሮም ይሕዝዎ ፡፡ ቃል ብቓሉ ክትርጎም ከሎ ፡ ነቲ ቃል ከምቲ ነንመዓልቲ ንጥቀመሉ ትርጒም እዩ ዝህቦ፡፡ ንምልክታት፡ ኣበሃህላታት፡ ዓይነታት ፡ ሸለል ይብሃል እዩ ፡፡ ምልክታትን ምሳሌኣዊ ኣበሃህላታትን ብድሕሪት ቀጥታዊ ትርጒም ኣለዎም ፡፡ ስለዚ ፡ ንኣብነት መጽሓፍ - ቅዱስ ብዛዕባ 1,000 ዓመት ኣብ ራእይ 20 ክዛረብ ከሎ ፡ መዋእላውያን ቃል ብቓሉ 1,000 ዓመት ዝወስድ ጌሮም ይትርጒምዎ(ምክፍፋል መዋእል መንግስቲ)፡ብካልእ ትርጒም ክውሰድ ዝደፋፍእ ምኽኒት ክሳዕ ዘይተረኽበ ፡፡

ናይ ቃልብቓል ርእዮ ጽሑፍ፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዝዀነሉ ብውሑዱ ክልተ ምኽንያታት ኣለዉ ፡፡ መጀመርታ ፡ ብፍልስፍናዊ ፡ ዕላማ እቲ ቋንቋ ባዕሉ ፡ ነቲ ቃላት ከምዘለዎ ክንትርጒሞ እዩ ዝጠልበና ፡፡ ቋንቋ ክንረዳዳኣሉ ክንክእል ምእንቲ እዩ ኣምላኽ ፈጢርዎ ፡፡ ቃላት ናይ ትርጒም ኣቕሓ እዮም ፡፡ እቲ ካልኣይ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ ፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንቢታት ቃል ብቓል እዩ ተፈጺሙ፡፡ ናይ የሱስ ልደት፡ ኣገልግሎት፡ ሞትን ትንሳኤን ኲሉ ልክዕ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ትንበያ እዮም ተፈጺሞም ፡፡

እቶም ትንቢታት ናይ ቃል ብቓል እዮም ኔሮም ፡፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቃልብቓል ዘይተፈጸሙ መሲሓዊ ትንቢታት የለዉን ፡፡ እዚ ንናይ ቃል ብቓል ኣገባብ ኣተራጒማ እዩ ብሓይሊ ዝዕድም ፡፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ቃል ብቓል ኣተራጒማ እንተዘይውዒሉ ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳኣሉ ንኽእል ወድዓዊ መስፈርቲ የልቦን ፡፡ ነፍስወከፍ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ዝተራእዮ ጌሩ ምተርጎሞ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተራጒማ ፡ ናብ ታሕቲ ገጹ መንቆልቆለ ፡ ዘይከም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ፡ኣብ መብዛሕትኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ፡ እቲ ጉዳይ ድሮ ኣብ ከምዚ እዩ ዘሎ ፡፡

መዋእላዊ ስነመለኮት ፡ ክልተ ዓይነት ህዝብታት ኣምላኽ ከምዘለዉ እዩ ዘስተምህር ፡ እስራኤልን ቤተክርስትያንን ፡፡ መዋእላውያን ዝኣምንዎ ፡ ምድሓን ኲሉሳዕ ብጸጋ ብእምነት እዩ ፡ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣምላኽ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ሓድሽ ኪዳን እግዚኣብሄር ወልድ ፡፡ መዋእላውያን ዝኣምንዎ ፡ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መደብ ፡ ቤተክርስትያን ንእስራኤል ኣይተከኣታን ዘላ ፡ ድማ እቲ ንእስራኤል ዝተዋህበ መብጽዓታት ብሉይ ኪዳን፡ናብ ቤተክርስትያን ኣይተሰጋገረን ፡፡ምክፍፋል መዋእላውነት፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤል ተዋሂቡ ዝነበረ መብጽዓታት (ርስቲ፡ ምብዛሕን በረኸትን) ፡ ኣማስያኡ ኣብቲ ናይ ራእይ 20 ዘሎ ሽሓዊ መዋእል ክፍጸም ምዃኑ እዩ ዘስተምህር፡፡ መዋእላውያን ከምዝኣምንዎ፡ከምቲ ኣምላኽ ኣብዚ መዋእል እዚ ኣቓልቦኡ ናብ ቤተክርስትያን ዝገብር ዘሎ ፡ ኣብ መጻኢ እውን ደጊሙ ኣቓልቦኡ ናብ እስራኤል ክገብር እዩ (ሮሜ 9፡11፥ ዳኒኤል 9፡24 ተመልከት) ፡፡

መዋእላውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሾብዓተ መዋእላት ከም ዝተወደበ ጌሮም እዮም ዝርድእዎ፡ መዋእለ ንጽህና (ዘፍጥረት1፡1 3፡7)፥ መዋእለ ሕልና (ዘፍጥረት 3፡8 8፡22)፥መዋእለ ሰብኣዊ ንግስነት(ዘፍጥረት 9፡1፥11፡32)፡ መዋእለ መብጽዓ (ዘፍጥረት12፡1 ዘጸኣት 19፡ 25)፥ መዋእለ ሕጊ (ዘጸኣት 20፡1ግብሪ ሃዋርያት 2፡4 ) ፡ መዋእለ ጸጋ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡4 ራእይ 20፡3) ፡ ከምኡውን መዋእለ ሽሓዊ መንግስቲ (ራእይ 20፡4-6) ፡፡ እዘን መዋእላት እዚአን ናብ ምድሓን ዝወስዳ መገድታት ኣይኰናን ፡ እንታይ ደኣ ፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ዝዛመደሉ ኣገባባት እየን ፡፡ ኣምላኽ ኣብቲ መዋእል ምስ ዝነበሩ ህዝቢ ዝዓየዮ፡ ነፍስ ወከፍ መዋእል ሓደ ፍሉጥ መለለዪ ኣለዎ ፡፡ እቲ መለለዪ ድማ ፡ (1) ሓላፍነት (2) ውድቀት (3) ፍርዲ (4) ዘሳግር ጸጋ ፡፡

ምክፍፋል መዋእላውነት ፡ ከም ሓደ ኣገባብ ፡ ናብ ቅድመ-ሽሓዊ ዳግመ ምጽኣት ክርስቶስን ቅድመ-መከራ ናይ ምንጣቕን ዝብል ትርጓሜ እዩ ዘስዕብ፡፡ ብሓጺሩ ፡ መዋእላውነት ሓደ ስነ-መለኮታዊ ኣገባብ ኰይኑ ነቲ ናይ ቃል ብቓል ትርጒም ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣተኲሩ ዝገልጾ ፡ ድማ ንእስራኤል ካብ ቤተክርስትያን ፈላልዩ እዩ ዝርኢ ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናብ ዝተፈላለዩ መዋእላት ወይ ናብ ምምሕዳራት ይውድቦ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምክፍፋል መዋእላውነት እንታይ እዩ ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ'ኸ?
© Copyright Got Questions Ministries