settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናት ከመይ ጌሮም እዮም ን ደቆም ክቐጽዑ ዘለዎም?

መልሲ


ከመይ ጌርካ ብዝበለጸ ቆልዑ ትቐጽዕ ኣጸጋሚ ዕማም ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ገለ ሰባት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከም ኣብ መቐመጫ ምህራም እዩ እቲ እንኮ ኣገባብ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፎ ይብሉ። ካልኦት ድማ “ብግዜ ምውጻእ” ከምኡ’ውን ካልኦት ኣካላዊ መአረምታታት ዘየጠቓልሉ መቕጻዕትታት ዝያዳ ውጺኢታውያን እዮም ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል? መጽሓፍ ቅዱስ ኣካላዊ መአረምታ ግቡእን፡ ጠቓምን ኣድላዪን እዩ ኢሉ ይምህር።

ብጌጋ ኣይትረድእዎ--ንሕና ናይ ቆልዓ ምብዳል ኣይኮናን ንጣበቕ ዘሎና። ቆልዓ ፈጺሙ ክሳብ ርኡይ ኣካላዊ ሃስያ ዝበጽሕ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ጌርካ ክእረም የብሉን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዋላ’ኳ ግቡእን ድሩት ዝኾነ ኣካላዊ እርማት ናይ ቆሎዑ ጽቡቕ ነገር እንተኾነን ንረብሓን እሩም ዝኾነ ኣተዓባብያን ቆልዑ የበርክት እዩ።

ከም ሓቂ ብዙሓት ጽሑፋት ኣካላዊ መቕጻዕቲ የተባብዑ እዮም። “ ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ። ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።” (ምሳሌ 23፡13-14፡ ብተወሳኺ 13፡24፡ 22፡15፡ 20፡30 ርኣዩ)። መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳስነት መቕጻዕቲ ኣዝዩ ይጸቕጠሉ እዩ፡ እዚ ምእንቲ ኣፍረይቲ ክንከውን ሓደ ንኹልና ክህልወና ዘለዎ ነገር እዩ፡ ከምኡ ድማ ንኣሽቱ ከለና ኣዝዩ ብቐሊሉ ክንምሃሮ ንኽእል ነገር እዩ። ዘይተቐጽዑ ቆሉዑ፡ ብዙሕ ግዜ ዓለወኛታት ኮይኖም ይዓብዩ፡ ንዓበይቲ ኣየኽብሩን ስለዚ ድማ ከም ውጺኢቱ ንኣምላኽ ንምእዛዝን ንምስዓብን ኣጸጋሚ ኮይኑ ይረኽብዎ። ኣምላኽ ባዕሉ ንክእርመናን ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሓናን ከመኡ’ውን ንጌጋ ተግባርና ናብ ንስሓ ንምትብባዕን መአረሚ ይጥቀም እዩ። (መዝሙር 94፡12፡ ምሳሌ 1፡7፡ 6፡23፡ 12፡1፡ 13፡1፡ 15፡5፡ ኢሰያስ 38፡16፡ እብራውያን 12፡9)።

መቕጻዕቲ ብቅኑዕ መገዲን ብመሰረት መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥቃምን፡ ወለዲ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብዛዕባ መቕጻዕቲ ክላለዩ ኣለዎም። መጽሓፍ ምሳሌ ብዙሕ ጥበብ ብዛዕባ ምዕባይ ቆሉዑ ይሕዝ፡ ከም “ ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።” (ምሳሌ 29፡15)። እዚ ጥቕሲ ንሳዕቤናት ዘይምቕጻዕ ቆልዓ ይዝርዝር-ወለዱ ይሓፍሩ። ልክዕ’ዩ መቕጻዕቲ ዕላሙኡ ንጽቡቕ ናይ ቆልዓ ክኸውን ኣለዎ ከምኡ ድማ ፈጺምካ ንምጉዕጻጽን ንምውራድን ናይ ቆልዓ ክዝውተር የብሉን። ፈጺምካ’ውን ሕርቃን ወይ ስንፍናኻ መውጽኢ ክዝውተር የብሉን።

መአረምታ ንሰባት ንምእራምን ናብ ቅኑዕ መገዲ ንክኸዱ ንምልምማድን እዩ ክዝውተር ዘለዎ። “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።” (እብራውያን 12፡11)። ናይ ኣምላኽ መአረምታ ካብ ፍቕሪ እዩ፡ ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን ድማ ከምኡ ክኸውን ይግብኦ። ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንነዊሕ ዝጸንሕ ኣካላዊ ሃስያ ወይ ቃንዛ ከምዝፈጥር ጌርካ ክክዝውተር የብሉን። ኣካላዊ መቕጻዕቲ ነቲ ውላድ ከም ትፈትዎ/ዋ ኣረጋጊጽካ ብምእባድ ቀጥታ ክስዓብ ኣለዎ። እዞም ህሞታት እዚኦም ንቆልዓ ኣምላኽ ስለዘፍቅረና እዩ ዝቐጽዓና ኢልካ ከምኡ ድማ ንሕና ከም ወለዲ ብተመሳሳሊ ንደቅና ከምኡ ንገብር ኢልካ ትምህረሉ ትኽክል ግዜ እዩ።

ኣብ ክንዲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ካልኦት ዓይነታት መቕጻዕቲ፡ ከም “ብግዜ ምውጻእ” ምጥቃም ይክኣል ዶ? ገለ ወለዲ ደቆም ንኣካላዊ መቕጻዕቲ ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ከምዘይህቡ ኮይኖም ይረኽብዎም። ገለ ወለዲ ን “ብግዜ ምውጻእ” ምንብርካኽን ወይ ካብ ደቆም ገለ ነገር ምውሳድ ኣብ ምምጻእ ናይ ባህሪ ለውጢ ዝያዳ ውጺኢታውያን ኮይኖም ይረኽብዎም። ብርግጽ እዚ እንተኾይኑ እቲ ጉዳይ፡ ሓደ ወላዲ ብዘለዎ ዓቕሚ ነቲ ዝድለ ባህርያዊ ለውጢ ብዝበለጸ ዘምጽኣሉ ኣገባብ ክጥቀም ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይክሓድ መገዲ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ይድግፍ እናኾነ፡ ኣብ’ቲ ነቲ ዕላማ ዘምጽእ ንጹር ኣገባብ ምጥቃም ግን ኣብ ምህናጽ ዕላማ ናይ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ባህሪ እዩ ዝያዳ ዝግደስ።

ነዚ ጉዳይ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ድማ መንግስታት ንኩሉ ዓይነት ኣካላዊ መአረምታ ከም ምብዳል ቆልዓ ኢሎም ክምድብዎ ይጅምሩ ኣለዉ። ብዙሓት ወለዲ መንግስቲ ከይሕበርን ደቆም ድማ ከይውሰዱ ብምፍራሕን ንደቆም ኣብ መቐመጨኦም ኣይሃርምዎምን ዘለው። እንተድኣ መንግስታት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ናይ ቆልዑ ዘይሕጋዊ ጌሮሞ ወለዲ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም? ብመሰረት ሮሜ 13፡1-7፡ ወለዲ ንመንግስቲ ክእዘዙ ኣለዎም። መንግስቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ክጋጮ የብሉን፡ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ንዝበለጸ ረብሓ ናይ ቆልዑ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ንቆልዑ ኣብ ስድራ ምሓዝ ካብ ኣብ “ክንክን” መንግስቲ ምግዳፍ ኣዝዩ ይበልጽ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ገዛ ብውሑዱ ቅሩብ መአረምታ ክረኽቡ እዮም።

ኣብ ኤፌሶን 6፡4 ኣቦታት ንደቆም ከኾርይዎም ከምዘይብሎም ተነጊሮም ኣለው። እንታይ ደኣ ንሳቶም ብመገዲ ኣምላኽ ከዕብይዎም ኣለዎም። “ብናይ ጎይታ ብተግሳጽን ምዕዶን” ንቆልዓ ምዕባይ ድማ ገደብ ዘለዎ፡ ኣራሚን ከምኡ ድማ እወ ፍቕሪ ዘለዎ ኣካላዊ መቕጻዕትን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናት ከመይ ጌሮም እዮም ን ደቆም ክቐጽዑ ዘለዎም?
© Copyright Got Questions Ministries