settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳይኖሶራት እንታይ ይብል፤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳይኖሶራት ተጠቒሶምዶ?

መልሲ


እዚ ብዛዕባ ዳይኖሶራት ዝልዓል ሕቶ ሓደ ጉዳይ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ክርስትና ስለ ዕድመ ዓለም፡ ቅኑዕ ርድኢት መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮን እንረኽቦን ጭብጥታት ብኸመይ ንትርጉሞ ወይ ንርድኦ ዝግበር ክርክራት እዩ፡፡ እቶም ዕድመ ዓለም ኣዝዩ ነዊሕ እዩ ዝብሉ ወገናት፡ ዳይኖሶራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተጠቕሱ ይምጒቱ ምኽንያቱ ዳይኖሶራት ሚልዮናት ዓመታት ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ ብምጽናቶም፡፡ በዚ ኸኣ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ንዳይኖሶራት ኣይረኣይዎምን፡፡

እቶም ዓለም ዕድሚኣ ውሑድ እዩ ዝብሉ ድማ ዳይኖሶራት ብኣስማቶም ኣይኹን እምበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝተጠቕሱ ይምጒቱ፡፡ እቲ ታኒይን ዝብል ናይ እብራይጢ ቓል ብዙሕ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ቓል፡ ኣራዊት ባሕሪ ወይ ዓብዪ ገበል ተባሂሉ ይትርጎም እዩ፡፡ ብልሙድ ከኣ ናብ ድራጎን ይትርጎም እዩ፡፡ እዚ ታኒይን ዝብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ሓደ ዓብዪ ኣራዊት ወይ ለመምታ ዝመስል እንስሳ እዩ፡፡ እዞም ፍጥረታት ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰላሳን ትሽዓተን ግዜ ዝጥቀሱ ኮይኖም ኣብ ምድርን ባሕርን ይነብሩ ነይሮም፡፡

ኣብ ርእሲ እዞም ዓበይቲ ለመምታ ኸኣ ክልተ ካልኦት እንስሳታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘሪብሎም ኣሎ፡፡ ገሊኣቶም ከኣ ነዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ክልተ እንስሳታት ንዳይኖሶር ዝመስሉ ወይ ድማ እቶም ጸሓፍቲ ንዳይኖሶራት ንምግላጽ ዝጸሓፍዎ እዩ ይብሉ፡፡ እቲ ኣብ እዮብ 40፡15 ዘሎ ቤሄሞት ካብ ኩሎም ፍጡራት እቲ ዝሓየለ ተባሂልሉ ኣሎ፡፡ ገለ ምሁራን ከኣ እዚ ቤሄሞት ተባሂሉ ዘሎ ንሓርማዝ ወይ ሂፖፖታሞስ እዩ ዘመልክት ይብሉ፡፡ ካልኦት ግና ንሓርማዝ ወይ ሂፖፖታሞስ ኣይኮነን ከመይሲ ጭራኦም ቀጢን እምበር ክንዲ ኦም ሊባኖስ ኣይኮነን ኢሎም ይምጉቱ፡፡ ከም ብራኪዮሳውረስ ዝኣመሰሉ ዓሌት ዳይኖሶራት ግና ብኦም ሊባኖስ ክምሰል ዝኽእል ገዚፍ ጭራ ነይርዎም እዩ፡፡

ዳርጋ ኹሎም ጥንታውያን ስልጣነታት ሰብ ንገዘፍቲ ለመምታውያን ፍጡራት ዝገልጽ ያታ ወይ ስእሊ ኣለዎም፡፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝተረኽቡ ኣብ ኣኻውሕ ዝተወቕሩ ምስልታት፡ ብኢድ ዝተሰርሑ ወይ ዝተጸርቡ ንዋትን ከምኡ ድማ ብጭቃ ዝተሰርሑ ምስልታትን ምስ ዘመናዊ ምስሊ ዳይኖሶራት ይመሳሰሉ፡፡ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ኣኻውሕ ተጸሪቦም ካብ ዝተረኽቡ ምስልታት ከኣ ሰባት ኣብ ንዲፕሎዶከስ ዝተባህለ ዓሌት ዳይኖሶራት ዝመስል እንስሳ ተወጢሖም ይርኣዩ፡፡ እቲ ተወቒሩ ዘሎ ምስልታት እንስሳታት ከኣ ንትራይሴራቶፕስ፡ ቴሮዳክቲልን ታይራኖሳውረስ ሬክስ ዝመስሉ እዮም፡፡ ሮማዊ ሞዛይክ፡ ኣብ ማያ ዝብሃል ስልጣነ ዝነበረ ዓታሩ ከምኡ ድማ ኣብ መናድቕ ከተማ ባቢሎን ከም ዝተረኽበ ከኣ ብሓፈሻ ሰባት በዞም ገዘፍቲ ፍጡራት ይምሰጡ ከም ዝነበሩ ዝምስክሩ እዮም፡፡ ማርኮ ፖሎ ኣብ ኢል ሚልዮነ ዘርእስቱ መዝገቡ ኸኣ ክቡር ነገራት ዝግብቱ ኣራዊታት ጠቒሱ ኣሎ፡፡ ብዘይካ እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ምዕራባዊ ወገን ማእከላይ እስያን ዝተረኽበ ኣሰር እግሪ ሰብን ዳይኖሶራትን ድማ ሰባት ኣብ ግዜ ዳይኖሶራት ከም ዝነበሩ ዘመልክቱ ገለ ጭብጥታት እዮም፡፡

እሞ ዳይኖሶራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣለዉዶ፤ እቲ ክርክር ገና ኣይዓረፈን፡፡ እዚ ኣብቲ ተረኺቡ ዘሎ ጭብጥታት ከምኡ ድማ ንከባቢኻ ብኸመይ ትርእዮን ትትርጉሞን ዝምርኮስ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ምስ ዝትርጎም ከኣ ዕድመ ዓለም ንእሽቶ ኾይኑ እቲ ሰብን ዳይኖሶራትን ኣብ ሓደ ግዜ ኣብዛ ምድሪ ተቐሚጦም ነይሮም ዝብል ተቐባልነት ይህልዎ፡፡ እሞ እቶም ዳይኖሶራት ደኣ እንታይ ረኸቦም፤ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነገር ዘይዛረበሉ እኳ እንተኾነ ዳይኖሶራት ብማይ ኣይህን ብሰሪ ዘየቋርጽ ሃድን ሰብን ዝጸነቱ ይመስሉ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳይኖሶራት እንታይ ይብል፤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳይኖሶራት ተጠቒሶምዶ?
© Copyright Got Questions Ministries