settings icon
share icon
ሕቶ

መቦቆል ዝተፈላለየ፡ ዘርኢ ደቂ ሰባት፡ እንታይ እዩ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ፡ መቦቆል ዝተፈላለየ ዘርኢ ሰባት ወይ ሕብሪ ቆርበት፡ ኣነጺሩ ኣይሃበናን። ብክውንነት፡ ሓደ ዘርኢ ጥራሕ ኣሎ፡ ዘርኢ ወዲ ሰብ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዘርኢ ሰብ እዚ ድማ እዩ፡ ፍልልይ ሕብሪ ቆርበትን፡ ኣካላዊ መለለዪ ጠባይን ዘሎ። ኣምላኽ፡ ኣብቲ ሰማይ ዝጥንቁር ግምቢ፡ ቋንቋ ሰብ ክደባልቕ ከሎ፡ ሽዑ ድማ፡ ዘርኣዊ ፍልልይ ከኣ ምስኡ ፈጢሩ ኢሎም ገለ ገለ ይግምቱ። (ዘፍጥረት 11:1-9)። ኣምላኽ፡ ሰባት ንዝተፈላለየ ከባብያዊ ኩነት ንክኽእሉ ኢሉ፡ ንኣብነት፣ ዝጸለመ ቆርበት ኣፍሪቃውያን፡ ነቲ ኣመና ሙቐት ኣፍሪካ፡ ተወርሶኣዊ ዝበለጸ ኣቃውማ የዕጢቑ፡ ክነብር ክኽእል ኢሉ ዝገበሮ ለውጢ ሕብሪ-ቆርበት፡ ሰባት ብዝበለጸ ምንባር ንክኽእሉ ኢሉ ኣብ ተወርሶ ዘርኢ ሰብ ለውጢ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ርእይቶ’ዚ፡ ኣምላኽ ከምቲ ሰባት ብቋንቋ ክፍላለዩ ኢሉ፡ ነቲ ቋንቋታት ዝደባለቆ፡ ቀስ ብቀስ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ሰባት፡ ነንዘዕርፉሉ ከባቢታት ምርኩስ ብምግባር፡ ተወርሶ ዘርኣዊ ፍልልያት ፈጢሩ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘለዎ ርእይቶ ደኣ ኣይኮነን እምበር፡ ክኸውንሲ ይኽእል እዩ። ምስ ሰማይ ዝጥንቁር ግምቢ ብዝተኣሳሰር፡ እዞም ዘርኢ ሰባት/ሕብርታት ቆርበት ሰብ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተጠቕሱን።

ድሕሪ ማይ ኣይሂ፣ ዝተፈላላዩ ቋንቋታት ምስ መጹ፡ እቶም ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ፡ ምስቶም ከምኡ ዝመሰለ ዝዛረቡ ጉጅለ ቋንቋ፡ ተጎጃጂሎም፡ ካብቶም ካልእ ዝዛረቡ ቋንቋ ተተፈልዮም ግዒዞም። ብከምዚ ተግባር ከኣ፡ ናይ ዝተወሰነ ጉጅለ ራህያ ጅን፡ ቅጽበታዊ ከምቲ ኣብ ኩሉ ብዝሒ ሰብ ዝነበሮ ጅን፡ ደጊም ከምዘይህልው ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ሰባት ብሃንደበታዊ ተጨበጠ። ናይ ቀረባ መፍረ ተኻየደን፡ ድሕሪ ግዜ ከኣ፡ ፍሉይ መልክዓት ኣብቶም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰብ ተራእየ። (ከም ተኽእሎ፡ ኣብ ጀነቲካዊ መለለዪ [ኮድ] ተዶኵኖም ከምዝነበሩ)። ኣብቲ ወዶታት መፍረ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ራህያ ጅን፡ እናነኣሰን እናነኣሰን፡ ናብ ህዝቢ እቶም ስድራ ቤት ሓደ ቋንቋ ዘለዎም ኩሎም፡ ሓደ ዓይነት ወይ ተመሳሳሊ መልክዓት ጠባያት ዘለዎ ደረጃ እናወረደ እናወረደ ከይዱ።

ካልእ መግለጺ ድማ፡ ጸሊምን፡ ቡኒን ጻዕዳን ክፈሪ ዝኽእል ጅን ይውንኑ ነይሮም (ኣብ መንጎ ዘሎ ካልእ ዝኾነ ነገራት)። እዚ ከኣ ምስቲ፡ ከም ካብ ሕንፋጽ ዘርኢ ዘለዎ፡ ካብ ክልተ ተጻምድቲ ንዝውለዱ ህጻናት፡ ዝርአ ፍልልይ ሕብሪ ዝመሳሰል እዩ። ክሳብ ኣምላኽ ኣብ ሰብ ፍልልይ ትርኢት ክህልዎ ኢሉ ብግልጺ ዝወጠኖ፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ዝተፈላለየ ቀለማት ቆርበት ዝውንኑ ህንጻናት ንክፈርዩ ዘኽእሎም ከምዝሃቦም ኢልካ ክትሓስብ ስምዒት ዝህብ እዩ። ዳሕራይ፡ እቶም ካብ ማይ ኣይሂ ዝተረፉ ወለዶታት፡ኖህን ሰበይቱን፡ ስለስቲኦም ደቁን ኣንስቶምን፡ ኩሉ ኩሎም ሾሞንተ እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 7:13)። ምናልባት እተን ኣንስቲ ደቁ ካብ ዝተፈልየ ዘርኢ ነይረን ከይኮና። ወይ ከኣ ሰበይት ኖህ፡ ካብ ኖህ ዝተፈልየ ዘርኢ ነይራ ክትከውን እውን ይኽእል እዩ። ወይ’ውን ሾሞንቲኦም፡ ሕንፋጽ ዘርኢ ነይሮም እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ማለት ንሳቶም ዝተፈላለየ ዘርኢ ዘለዎም ህጻናት ክወልዱ ዘኽእሎም ጅናት ይውንኑ ነይሮም ማለት እዩ። እቲ መግለጺ ዝኾነ ይኹን፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ መዳይ ናይዚ ሕቶ’ዚ፡ ንሕና ኩልና፡ ብሓደ ኣምላኽ ዝተፈጠርናን፡ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ምዃንናን፡ ንሓደ ዕላማ ንሱ ድማ፡ ንዕዑ ከነኽብርን እዩ። ክብሪ ንኽንብህ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መቦቆል ዝተፈላለየ፡ ዘርኢ ደቂ ሰባት፡ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries