settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ ኣብ ሞንጎ ሞቱን ትንሳኤኡን ናብ ሲኦል ከይዱ ድዩ?

መልሲ


በዛ ሕቶ ዝመጸ ብዙሕ ምድንጋራት እዩ ዘሎ ፡፡ ቅድም ቀዳድም እቲ የሱስ ኣብ መስቀል ድሕሪ ምማቱ ናብ ሲኦል ምኻዱ ዝነግር ሓሳብ ካብቲ ሃዋርያዊ ተኣምኖ እዩ መጺኡ ፡ ናብ ሲኦል ወረደ ክብል ድማ ይገልጾ ፡፡ ገለ ሒደት ጽሑፋት እውን ኣለዋ ፡ ከመይ ከምዝትርጎማ ፡ የሱስ ናብ ሲኦል ከምዝኸደ ዝገልጻ ፡፡ እዚ ዛዕባ ክጽናዕ ከሎ፡ ብዛዕባ ዓለም-ምውታን መጽሓፍ-ቅዱስ እንታይ ከምዝምህር፡ ኣቐዲምካ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡፡

ኣብ እብራዊ ጽሑፋት ንዓለመ-ምውታን ዝገልጽ ዝነበረ ቃል ሲኦል ተብሂሉ ይግለጽ ኔሩ ፡፡ ብቐሊሉ ክትርጎም ከሎ ከኣ ስፍራ ምውታት ፡ ወይ ናይ ዝገዓዙ ነፍሳት /ናይ መናፍስቲ ስፍራ። ንሲኦል ዝዳረጎ መግለጺ ሓድሽ ኪዳን ብቋንቋ ግሪኽ ፡ ሄድስ ይብሃል ፡፡ ካልኦት ጽሑፋት ናይ ሓድሽ ኪዳን ዝሕብራኦ ፡ እቲ ሲኦል/ ሄድስ ግዜያዊ ስፍራ ከምዝኾነ እዩ ፡ እተን ነፍሳት ኣብ ትንሳኤ ፍርደን ንክቕበላ ዝጸንሓሉ ስፍራ። ራእይ 20፡11,15 ፡ ኣብ ሞንጎ ሲኦልን ቀላይ ሓውን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ ፡፡ እቲ ቀላይ ሓዊ እቶም ጥፉኣት ዝድርበዩሉ ዘለኣለማውን ስፍራ መወዳእታ ፍርድን እዩ ፡፡ ስለዚ ሲኦል ግዝያዊ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንሲኦልን ንቀላይ ሓውን ከም ገሃነም እዮም ዝወስድዎ ፡ እዚ ከኣ የደናግር ኣሎ። የሱስ ድሕሪ ምማቱ ናብ ስፍራ ስቅያት ኣይኮነን ከይዱ፡ ናብ ሲኦል ደኣ እዩ ዝኸደ ፡፡

ሲኦል/ሄድስ ኣብ ክልተ ዝኽፈል ኣጸድ እዩ ፡ ስፍራ በረኸትን ስፍራ ፍርድን(ማቴዎስ 11፡23፡16፡18 ፥ ሉቃስ 10፡15 , 16፡23 ፥ ግብሪ ሃዋ 2፡27-31) ፡፡ ኣብ መጽሓፍ-ቅዱስ ናይ ዝደሓኑን ናይ ዝጠፍኡን ማሕደራት ብሓፈሻ ገሃነም እዩ ዝብሃል ፡፡ ማሕደር እቶም ዝደሓኑ ብተወሳኺ ሕቚፊ ኣብርሃም ይብሃል እዩ ፡ ኣብ ሉቃስ 16፡22 ፡ ገነት ከኣ ይብሃል ፡ ኣብ ሉቃስ 23፡43 ፡፡ ማሕደር ናይ ዘይደሓኑ ገሃነም ይብሃል ፡ ኣብ ሉቃስ 16፡23 ፡፡ ማሕደራት እቶም ዝደሓኑን ዝጠፍኡን ብዓብዪ ጋግ እዩ ተፈላልዩ ዘሎ (ሉቃስ 16፡26) ፡፡ የሱስ ምስ ሞተ ፡ ናብቲ ራሕሲ ዘለዎ ሸነኽ ሲኦል እዩ ከይዱ ፡ ካብኡ ድማ ነቶም ኣመንቲ ምስኡ ናብ ገነት ወሰዶም (ኤፌሶን 4፡8-10) ፡፡ ፍርዳዊ ገጽ ሲኦል/ ገሃነም ፡ ከይተለወጠ እዩ ጸኒሑ ፡፡ ኲሎም እቶም ዘይኣመኑ ምውታን ነቲ ዝመጾም ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣብኡ ኮይኖም ይጽበዩ ፡፡ የሱስ ናብ ሲኦል/ገሃነም ከይዱ ድዩ ? እወ ፡ ብመሰረት ኤፌሶን 4፡8-10 ፥ 1 ጴጥሮስ 3፡18-20)፡፡

ገለ ምድንጋራት ድማ፡ ካብቲ ኣብ መዝሙር 16፡10 - 11 ዘሎ ክፍሊ ጽሑፋት ዝመጸ እዩ ፡ ኣብቲ ትርጒም ናይ ኪንግ ጄምስ ዝርከብ ድማ፡ "ንነፍሰይ ኣብ ገሃነም ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ…ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ ፡፡" እቲ ቅኑዕ ንባብ ፡ ኣብ ክንዲ ገሃነም ዝብል ፡ መቓብር ወይ ሲኦል ክብል ኔርዎ ፡፡ የሱስ ነቲ ኣብ ጎድኑ ዝነበረ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ኣለኻ በሎ እምበር ኣብ ገሃነም የራኽበና ኣይበሎን። ሰብነት የሱስ ኣብ መቓብር እዩ ኔሩ ፡ ነፍሱ/መንፈሱ ናብቶም ኣብ ሲኦል/ሄድስ ዘለዉ ብሩኻት ከደት ፡፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ፡ ኣብ ብዙሕ ትርጒማት ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ፡ ኣብቲ ሲኦል /ሄድስ/ገሃነም ዝብል ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ዝተጠቀምሉ ኣተራጒማ ተቓዳዊ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን ዘሎ ፡፡

ገሌታቶም ዘምጽእዎ ርእይቶ ፡ የሱስ ስለ ሓጢኣትና ተወሳኺ ክቕጻዕ ምእንቲ ናብ ገሃነም ወይ ናብቲ ናይ ሸነኽ ስቅያት ገጹ ከይዱ፡ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ ፡፡ እቲ ናይ መስቀል ሞት የሱስ እዩ ንድሕነትና እኹል ፡፡ እቲ ዘፍሰሶ ደም እዩ ካብ ሓጢኣትና ዘንጸሃና (1 ዮሃንስ 1፡79) ፡፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከሎ እዩ ፡ ጾር ሓጢኣት ናይ ኩሉ ዓሌት ሰብ ኣብ ርእሱ ዝጸዓኖ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ(2 ቆሮ 5፡21 ፡፡ እዚ ምትሕልላፍ ሓጢኣት ፡ ኣብቲ መስቀል ዝተኻዕዎ ጽዋእ ሓጢኣት ክሰቲ ክርስቶስ ኣብ ጌተሰማኔ ዘሕለፎ ተጋድሎ ክንርድኦ ይሕግዘና ፡፡

የሱስ ክመውት ምስቀረበ ፡ ተፈጸመ በለ (ዮሃንስ 19 ፡ 30) ። እቲ ኣብ ክንዳና ዝተሰቀዮ ተፈጺሙ ፡፡ ነፍሱ/ መንፈሱ ናብ ገሃነም ከይዱ (ስፍራ ምውታን) ፡፡ የሱስ ናብ ገሃነም ወይ ናብ ስፍራ ስቓይ ገሃነም ኣይከደን ፡ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወይ ናብቲ ርሑስ ሸነኽ ገሃነም እዩ ዝኸደ ፡፡ የሱስ ምውት ምስበለ እዩ ስቓዩ ዘብቅዐ ፡፡ ዕዳ ሓጢኣትና ተኸፊሉ ፡፡ ሽዑ ከኣ ትንሳኤ ሰብነቱን ናይ ክብሪ ዕርገቱን ተጸበየ ፡፡ የሱስ ናብ ገሃነም ከይዱ ድዩ ? ኣይፋል ፡፡ የሱስ ናብ ሲኦል/ሄድስ ከይዱ ድዩ? እወ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ ኣብ ሞንጎ ሞቱን ትንሳኤኡን ናብ ሲኦል ከይዱ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries