settings icon
share icon
ሕቶ

ብርግጽ የሱስ ኔሩ ድዩ ? ገለ ታሪኻዊ መርትዖ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣሎ 'ዶ?

መልሲ


ከምቲ ልሙድ፡ ነዛ ሕቶ ዘልዕላ ሰብ ካብ መጽሓፍ-ቅዱስ ወጻኢ እዩ ዝሓትት ዘሎ ፡፡

መጽሓፍ-ቅዱስ ንህላወ የሱስ ከም ምንጪ መርትዖ ከምዘይኰነ ጌርና ነዚ ሓሳብ ኣይንወስዶን ኢና ፡፡ ሓድሽ ኪዳን ኣማኢት ዝኾኑ መወከሲታት የሱስ ክርስቶስ ኣለዎ ፡፡ ወንጌላት ኣብ 2ይ ክፍለ-ዘመን ከምዝተጻሕፉ ዝብሉ ኣለዉ ፡ 100 ዓመታት ድሕሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ይኸውን ኣሎ ፡፡ እቲ ጉዳይ ከምዚ እንተዝኸውን ኔሩ እውን (ብጽኑዕ ንቃወሞ)፡ ብመንጽር እቲ ጥንታዊ መርትዖታት ፡ ድሕሪ ሓደ ፍጻመ 200 ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ጽሑፋት ፡ ከም ኣዝዩ ዘተኣማምን መርትዖ እዩ ዝውሰድ ፡፡ ብተወሳኺ እቶም ዝበዝሑ ሊቃውንቲ (ክርስትያን ኰኑ ዘይክርስትያን) ንጽሑፋት ጳውሎስ የረጋግጹልና እዮም (ብውሑዱ ንገለ ካብኣቶም) ብርግጽ ከኣ ኣብ ማእከላይ 1ይ ክፍለ-ዘመን ብጳውሎስ ዝተጻሕፉ እዮም ፡፡ 40 ዓመታት ድሕሪ ሞት የሱስ ይኸውን ኣሎ፡፡ ብመንጽር ጥንታዊ መርትዖ ብራና ክረአ ከሎ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈለማ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ የሱስ ዝብሃል ሰብኣይ ፡ እዚ ሕልፍ ዝበለ ጽኑዕ መርትዖ እዩ ፡፡

ሮማውያን ንየሩሳሌምን ንመብዛሕትኡ እስራኤልን ኣብ 70 ዓመተ-ምህረት ወሪሮም ከምዘዕነዉዋን ንተቐመጥታ ከኣ ምሕራዶምን ምዝካር ኣገዳሲ እዩ ፡፡ ኩለን ዓድታት ብሓዊ ተቓጸላ ፡፡ እምበኣርከስ ብዙሕ መርትዖ ህላወ ናይ የሱስ እንተጠፍአ ክንግረም የብልናን ፡፡ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር የሱስ ክርስቶስ ተቐቲሎም እዮም ዝዀኑ ፡፡ እዚ ፍጻመታት ንመጠን እቲ ዝጸንሕ ምስክርነት ኣውሒድዎ እዩ፡

ኣገልግሎት የሱስ ኣብቲ ዝተናዕቀ ከባቢ ግዝኣት ሮማ ዝተሓዝአ ምንባሩ ብምዝካር ፡ ዘገርም መጠን ሓበሬታ ናይ የሱስ ካብ ናይ ዓለም ታሪኻዊ ምንጭታት ክርከብ ይክኣል ፡፡ ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ታሪኻዊ መርትዖታት የሱስ ኣብዚ እንሆ ፡

ካብቶም ጥንታዎት ጸሓፍቲ ታሪኽ ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ብልክዕነቱ ድማ ዝተናእደ ታሲተስ ዝብሃል ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፡ ማሪታውያን ክርስትያናት ክብል ይረቚሖም (ካብ ክሪስቶስ፡ብቋንቋ ላቲን) ፡ እቲ ኣብ ዘመን ግዝኣት ጢበርዮስ ብኢድ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝተሰቀየ ፡፡ ሱቶንዮስ ፡ እቲ ዝለዓለ ጸሓፊ ናይ ኢምፐሮር ሃድርያን ፡ ብዛዕባ ክሪስቶስ ዝብሃል ሰብኣይ ይጠቅስ ፡ ንሱ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ (መዝገብ ታሪኽ 15፡44) ፡፡

ፍላቪዮስ ጆሴፈስ እቲ ኣዝዩ ውሩይ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ፡፡ ኣብ 'ኣንቲኲቲስ' ንያእቆብ ሓው የሱስ እቲ ክርስቶስ ዝተባህለ ይረቚሖ ፡፡ሓንቲ ኣከራኻሪት ጥቕሲ (18፡3) ከምዚ ትብል፡ ኣብዚ እዋን የሱስ ዝብሃል ጥበበኝ ሰብኣይ ነበረ ፡ ሰብኣይ ክንብሎ ቅቡል እንተኮይኑስ ፡፡ ንሱ እዩ መስተንክር ትንግርቲ ዘምጽአ … ንሱ እዩ እቲ ክርስቶስ… ከምቲ ናይ ኣምላኽ ነብያት ዝተነበዩሉ ኣብ ሳልስቲ ህያው ኮይኑ ዳግማይ ዝተራእዮምን ካልእ ኣእላፍ ድንቅታት ዝገበረን፡፡ ሓደ ክፋል ከምዚ ይንበብ ፡ ኣብዚ እዋን የሱስ ዝብሃል ጥበበኛ ሰብኣይ ነበረ ፡ ሕያዋይ ብዓል ሰናይ ግብሪ ነበረ ። ካብ ህዝብን ኣህዛብን ብዙሓት ሰዓብቲ ገበረ ፡፡ ተሰቒሉ ክመውት ጲላጦስ ኰነኖ ፡፡ እቶም ደቀመዛሙርቱ ግና ምስዓቡ ኣይሓደጉን ፡፡ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ስቕለቱ ከምዝተራእዮም ሓበሩ ፡ እንሆ ህያው ኮይኑ ነበረ ፡ ምናልባት እቲ ነብያት ድንቅታት ዝተዛረቡሉ መሲሕ ንሱ ይኸውን ፡፡

ጁሊየስ ኣፍሪካኑስ ብዛዕባ እቲ ንስቕለት ስዒቡ ዝመጸ ጸላም ዝተዛረበሉ ታሉስ ዝብሃል ጸሓፍ ታሪኽ ይጠቅስ (ህሉው ጽሑፋት, 18)፡፡

ፕሊኒ እቲ ንኡስ ፡ ኣብ ደብዳበታት 10፡96 , ነቲ ናይ ፈለማ ዝነበረ ልምድታት ኣምልኾ ኣብ ዝሰነዶ ፡ ክርስትያናት ንየሱስ ከም ኣምላኽ ከምዘምልኽዎን ኣዝዮም ስነ-ምግባራውያን ምንባሮምን ምስኡ ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ ናይ ፍቕሪ መኣድን ድራር ጎይታን ይጠቕሶ ፡፡

ናይ ባቢሎን ታልሙድ (ሳንሔድሪን 43 a) እቲ ስቕለት የሱስ ኣብ ድሮ ፋሲካ ምንባሩ የረጋግጽ ፡ ከምኡ'ውን እቲ ኣንጻር ክርስቶስ ዝተላዕለ ክስታት ናይ ኣስማትን መናፍቕነት ኣይሁድን ፡፡

ሉቺያን ናይ ሳሞሳታ ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘመን ግሪኻዊ ጸሓፊ ዝነበረ ፡ የሱስ ብክርስትያናት ይምለኽ ምንባሩን ፡ ሓድሽ ምህሮ ከምዘተኣታተ ወን ፡ ምእንትኦም ከምዝተሰቕለን ይእመን ፡፡ ምህሮ የሱስ ብዛዕባ ናይ ኣመንቲ ሕውነትን ኣገዳስነት ናይ ለውጥን ኣድላዪነት ምኽሓድ ካልኦት ኣማልኽትን ከምዘጠቓልል ይዛረበሉ ፡፡ ክርስትያናት ከም ሕግታት የሱስ ይነብሩ ኔሮም፡

ከምዘይሞቱ እዮም ከኣ ዝኣምኑ ፡ ንሞት ብምድፋሮምን ፡ ብናይ ፍታው ዝኾነ ውልቃዊ ተወፋይነቶምን ፡ ንፍቅረ ንዋይ ብምምናኖምን ከኣ ይልለዩ ነበሩ ፡፡

ማራ ባር ሴራፕዮን ዘረጋግጾ ፡ የሱስ ከም ጥበበኛን ከም ብዓል ሰናይ ግብርን ይሕሰብ ምንባሩን ፡ ብብዙሓት ከኣ ከም ንጉስ እስራኤል ይግመት ምንባሩን እዩ ፡ በቶም ኣይሁድ ተቐቲሉ ፡ ብምህሮ ሰዓብቱ ኣቢሉ ግና ምንባሩ ቀጸለ ፡፡

ኩለን እተን ንየሱስ ዝረቚሓ ግኖስቲካዊ ጽሑፋት እውን ኣለዋና (ወንጌል ሓቂ ፡ መጽሓፍ ኣዋልድ ዮሃንስ ፡ ወንጌል ቶማስ ፡ ድርሳን ትንሳኤ ፡ ወዘተ ፡፡)

ብሓቂ ካብቶም ቀዳሞት ዘይክርስትያናዊ ምንጭታት ጥራይ ንወንጌል ዳግም ክንሃንጾ ዳርጋ ምኸኣልና ፡ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ (ጆሴፈስ) ፡ ኣስማት ጌሩ ፡ ንእስራኤል ናብ ሓድሽ ምህሮ መርሐ ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ (ታሲተስ) ፋሲካ መዓልቲ ምእንትኦም ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ (ናይ ባቢሎን ታልሙድ) ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ተኣመነ ፡ ክምለስ ድማ እዩ (ኤሊኤዘር) ፡ ከምቲ ሰዓብቱ ዝኣምንዎ ፡ ከም ኣምላኽ ጌሮም እዮም የምልኽዎ ዝነበሩ (ፕሊኒ እቲ ንኡስ) ፡፡

ንህላወ የሱስ ዘረጋግጽ ብዙሕ ብዙሕ መርትዖ እዩ ዘሎ ፡ ኣብ ዓለማውን መጽሓፍ-ቅዱሳውን ታሪኽ ፡፡ ምናልባት እቲ ዝዓበየ መርትዖ ናይ የሱስ ህላወ ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ዝነበሩ ኣሻሓት ክርስትያናት እዮም ፡ ዓሰርተ ክልተ ሃዋርያትን ዝርከብዎም ፡ ንህይወቶም ከም ሰማእትነት ጌሮም ንየሱስ ክርስቶስ ክውፍይዋ ፍቓደኛታት ምንባሮም እዩ ፡፡ ሰባት ነቲ ሓቂ ኢሎም ዝኣመኑሉ እዮም ዝሞቱ ፡ ሓደ'ኳ ነቲ ከም ሓሶት ዝፈልጦ ክሞተሉ ዝደሊ የልቦን ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ብርግጽ የሱስ ኔሩ ድዩ ? ገለ ታሪኻዊ መርትዖ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣሎ 'ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries