settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ ንእከይ ፈጢርዎ ድዩ?

መልሲ


ኣምላኽ ንኲሉ ነገራት እንተፈጢርዎ ፡ እቲ እከይ እውን ብኣምላኽ ዝተፈጥረ እዩ ኣብቲ ፈለማ ዝመስል ፡፡ ኰይኑ ግና፡ እቲ እከይ ዝብሃል ነገር ከም ከውሒ ወይ ኤሌክትሪክ ኣይኮነን ፡፡ ሳርማ ምሉእ እከይ ክህልወካ ኣይክእልን ፡፡ እከይ ናይ ገዛእ ርእሱ ህላወ የብሉን ፡ ዋሕዲ ሰናይ ነገር ደኣ እዩ ፡፡ ንኣብነት፡ ነዃላት ኣለዉ ፡ ግናኸ ኣብ ገለ ነገር እዮም ዝርከቡ ፡፡ ረስሓት ዘይብሉ ነዃል ንብሎ፡ ካብቲ ርስሓት ፈሊኻ ግና ኣይረኣዩን ፡፡ ስለዚ ኣምላኽ ምስፈጠረ ፡ ኲሉ እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ምዃኑ ክውን እዩ ፡፡ ናይ ምምራጽ ሓርነት ንፍጡራት ምሃቡ ድማ ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ነገራት እዩ ፡፡ ቅኑዕ ምርጫ ንክህልወካ ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ጽቡቕ ምምራጽ ኣምላኽ ገለ ነገር ክህሉ ኣፍቂዱ ፡፡ ስለዚ ፡ ኣምላኽ ነዞም ናጻ መላእኽትን ሰባትን ንጽቡቕ ክሓርዩ ወይ ንጽቡቕ ክነጽጉ (እከይ) ኣፍቂዱ ። ኣብ ሞንጎ ክልተ ነገራት ሕማቕ ዝምድና እንተ ተፈጢሩ ፡ ንእኡ እከይ ንብሎ ፡ ከምቲ ኣምላኽ ክፈጥሮ ከሎ ዝነበሮ ኰይኑ ግና ኣይተረኽበን ፡፡

ምናልባሽ ተወሳኺ መብርሂ የድሊ ይኸውን ፡፡ ሓደ ሰብ፡ ዛሕሊ ህላወ ኣለዎ ዶ? ኢሉ እንተ ተሓቲቱ እቲ ምላሹ እወ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፡፡ እንተኾነ ግና ፡ እዚ ዘይቅኑዕ እዩ ፡፡ ዛሕሊ ህላወ የብሉን ፡፡ ዛሕሊ ስእነት ዋዒ እዩ ፡፡ ብተመሳሳሊ ከኣ ፡ ጸልማት ህላወ የብሉን ፡ ዋሕዲ ብርሃን ደኣ እዩ ፡፡ እከይ ከኣ ናይ ሰናይ ዘይምህላው እዩ ፡ ዝያዳ ከኣ፡ እከይ ናይ ኣምላኽ ዘይምህላው እዩ ፡፡ ኣምላኽ ንእከይ ምፍጣር ኣየድልዮን እዩ ፡ እቲ ሰናይ ክቦክር ደኣ እዩ ዘፍቅድ ።

ኣምላኽ ነቲ እከይ ኣይፈጠሮን ፡ ንእከይ ግና የፍቅደሉ ፡፡ ኣምላኽ እከይ ክህሉ እንተዘየፍቅድ ኔሩ ፡ ደቅሰብን መላእኽትን ንኣምላኽ ብምርጫ ዘይኮነ በስገዳድ መገልገልዎ ኔሮም ፡፡ ከምቲ ዝበሎም ጥራይ ዝገብሩ ሮቦት ዝዀኑ ሰባት ኣይደለየን ፡፡ ኣምላኽ እከይ ክህሉ ዘፍቀደ ፡ ናጻ ፍቓድ ክህልወና እሞ ብፍታውና ነገልግሎ ዶ ኣየነገልግሎን ክንመርጽ ደልዩ እዩ ።

ከም ውሱናት ደቅሰብ መጠን ፡ ነቲ ዘይውሰን ኣምላኽ ብምልኣት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና (ሮሜ 11፡ 33) ፡፡ ኣምላኽ ንምንታይ ከምዚ ጌርዎ ኢልና ሓደ ሓደ ግዜ ዝተረዳእናዮ ይመስለና እዩ ፡ ድሒሩ ግና ካብቲ ፈለማ ሓሲብናዮ ዝነበርና ንዝተፈለየ ዕላማ ምንባሩ ንግንዘብ ፡፡ ኣምላኽ በቲ ቅዱስ ዘልኣለማዊ ምኽሩ እዩ ንነገራት ዝምልከቶም ፡፡ ንሕና ግና በቲ ሓጥእን ምድራውን ግዜያውን ኣጠማምታ ኢና ንምልከት ፡፡ ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኦም ናብ ኲሉ ሰብ እከይን ስቓይን ሞትን ከምዘምጽኡ ኣምላኽ እናፈለጠስ ንሰብ ኣብ ምድሪ ንምንታይ ኣቐመጦ? ንምንታይ ፈጢሩ ኣብቲ ፍጽምናን ስቓይ ዘይብሉ ሰማይ ዘየቐመጠና ? እዞም ሕቶታት በዚ ጫፍ ዘልኣለምነት ኰንካ ከምቲ ዝግባእ ክምለስ ኣይክኣልን እዩ ፡፡ እቲ ክንፈልጦ ንኽእል ኣምላኽ ዝገብሮ ዘበለ ቅዱስን ፍጹምን ምዃኑ ፡ኣማስያኡ ድማ ከምዘኽብሮ እዩ ፡፡ ነምልኾ እንተዀንናስ ነቲ ሓቀኛ ምርጫና ክህበና ደልዩ እዩ እቲ እከይ ክህሉ ኣፍቂዱ ፡፡ ኣምላኽ እከይ ኣይፈጠረን ፡ ክህሉ ግና ኣፍቂድሉ ፡፡ ነቲ እከይ እንተ ዘየፍቅደሉ ኔሩ ፡ ብምርጫና ዘይኰነስ ተገዲድና ነምልኾ ምሃለና ኔርና ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ ንእከይ ፈጢርዎ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries