settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅዛነት እንታይ ይብል?ክርስትያን ከመይ ጌሩ እዩ ንቅዛነት ዝስዕሮ?

መልሲ


ቅዛነት ንሚሊዮናት ክርስትያናትን ዘይክርስትያናትን ሰባት እናተንከፈ ብሰፊሑ ዝዓቢ ዘሎ ኩነታት እዩ። እቶም ብቅዛነት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ሓያል ስሚዒት ናይ ጓሂ፡ ቁጠዐ፡ ተስፋምቑራጽ፡ ድኻምን ካልእ ዝተፈላለየ ምልክታትን ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ዘይጠቕሙ ኮይኑ ክስምዖም ይጅምር ከምኡ’ውን ነብሰ ቕትለት ይሓስቡን ነቶም ዝፈትውዎም ዝነበሩ ነገራትን ሰባትን ድማ ተገዳስነት የጥፍኡ። ዝበዝሕ ግዜ ቅዛነት ብኩነታት ናይ ሂወት ከም ምውጻእ ካብ ስራሕ፡ ሞት ናይ ተፍቅሮ ሰብ፡ ፍትሕ ወይ ስነኣእሙራኣዊ ጸገማት ከም በደል ወይ ትሑት ነብሰ-ግምት እዩ ዝብገስ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጎስን ምስጋንን ክነምልእ ይነግረና፡ (ፊሊጲ 4፡4፡ ሮሜ 15፡11)፡ ስለ’ዚ ብርግጽ ኣምላኽ ንኣና ሕጉስ ሂወት ክነብር ይደልየና። እዚ ንሓደ ብኩነታት ዝተላዕለ ብቅዛነት ዝሳቐ ዘሎ ቀሊል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ብናይ ኣምላኽ ህያባት ናይ ጸሎት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ትግባረ፡ ናይ ደገፍ ጉጅለታት፡ ሕብረት ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ፡ ንስሓ፡ ይቕረ ምባልን ምኽርን ክፍወስ ይኽእል እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስና ከይንውሓጥ፡ እንታይ ድኣ ጻዕርና ናብ ደገ ክንገብር ተረዲኡና ክንቃለስ ኣሎና። ናይ ቅዛነት ስሚዒታት ክፍትሑ ዝኽእሉ ድማ እቶም ብቅዛነት ዝሳቐዩ ዘለው ነቲ ኣተኩሮ ካብ ገዛእ ርእሶም ናብ ክርስቶስን ናብ ካልእን ምስ ዝገብርዎ እዩ።

ክሊኒካዊ ቅዛነት ከኣ ብሓኪም ክረአ ዘለዎ ኣካላዊ ኩነታት እዩ። ብናይ ሂወት ደስ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ዘይክብገሱ ይኽእሉ እዮም፡ እቶም ምልክታት’ውን ብናይ ሓደ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ዘይክፋኾሱ ይኽእሉ እዮም። በንጻር ኣብ ገለ ናይ ክርስትያን ማሕበረ-ሰብ ዝኣምንሉ፡ ክሊኒካዊ ቅዛነት ብሓጥያት ኣይኮነን ዝመጽእ። ሓደ ሓደ ግዜ ቅዛነት ብ ሕክምናን ወይ ምኽርን ክፍወስ ዘለዎ ኣካላዊ ምዝንባዕ እዩ ዝመጽእ። ልክዕ’ዩ ኣምላኽ ንዝኾነ ሕማም ወይ ምዝንባዕ ክፍውስ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ገለ እዋናት፡ ኣብ ሓኪም ንቅዛነት ኢልካ ምርኣይ ካብ ንመጉዳእቲ ኣካል ኢልካ ኣብ ሓኪም ምርኣይ ኣይፍለን እዩ።

እቶም ብ ቅዛነት ዝሳቐዩ ጭንቀቶም ንምቅላል ክገብርዎም ዘለዎም ሓደ ሓደ ነገራት ኣለው። ዋላ’ውን ንዑኡ ዘይምፍታው ይሰማዓዮም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነብሩ ዘለው ከረጋግጹ ኣለዎም። ስሚዒታና መገዲ ከስሕቱና ይኽእሉ እዮም፡ ቃል ኣምላኽ ግን ጸኒዑን ከይተለወጠን ይቐውም። ንሕና ጽኑዕ እምነት ኣብ ኣምላኽ ክንገብር ኣሎና ከምኡድማ ፈተናን ምፍትታንን ክንሓልፍ ከሎና ዝያዳ ኣጽኒዕና ኣብ’ኡ ክንሕዝ ይግብኣና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና ኣምላኽ ንሕና ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ፈተናታት ኣብ ሂወትና ክንፍተን ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ (1 ቆሮንጦስ 10፡13)። ዋላ’ኳ ኣብ ቅዛነት ምህላው ሓጥያት እንተዘይኮነ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዝህቦ መልሰ ግብሪ ናይ ጸገም ግን ተሓታቲ እዩ፡ እዚ ድማ እንከላይ ኣድላዪ ሞያዊ ሓገዝ ምርካብ እዩ። “እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ።” (እብራውያን 13፡15)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቅዛነት እንታይ ይብል?ክርስትያን ከመይ ጌሩ እዩ ንቅዛነት ዝስዕሮ?
© Copyright Got Questions Ministries