settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጋንንቲ እንታይ ይብል?

መልሲ


ራእይ 12፡9 ከም ዘመልክቶ፣ ኣጋንንቲ ዝወደቑ ኣጋንንቲ እዮም። “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ዲያብሎስን ሰይጣንን ዝበሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፣ መልእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።” ውድቐት ሰይጣን ካብ ሰማያት፣ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 14፡12-15 ህዝቄል 28፡ 12-15 ብተምሳሌት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ራእይ 12፡4፡ ይሁዳ 6 ሰይጣን ኣብ ግዜ ውድቀቱ፣ ዝዓመጹ ሲሶ መላእኽቲ ከምዝሰሓቦም ይጠቕሱ። ስለዚ ብኣበሃህላ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣጋንንቲ ምስ ሰይጣን ኮይኖም፣ ኣንጻር ኣምላኽ ክዕምጹ ዝመረጹ፣ ዝወደቑ መላእኽቲ እዮም።

ገለ ካብ ኣጋንንቲ፡ ብሰሪ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት፣ “ኣብ ትሕቲ ጸልማት ብናይ ዘልኣለም መቓውሕ [ሰንሰለት] ተዓጽዮም ኣለዉ“ (ይሁዳ 1:6)። ካልኦት ድማ ክኹብልሉ ዝተፈነዉ፡ “ሕልቕነት ናይ ጸልማት ዓለምን፡ . . . ኣብ ግዝኣት ኣየራት ዘለዉ መናፍስቲ እከይን” ክብል ኣብ ኤፌሶን 6:12ን (ቆሎሴን 2:15) ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣጋንንቲ ክሳብ ሕጂ ንሰይጣን ከም መራሒኦም ብምስዓብ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድኻምን፣ መደብ ኣምላኽ ንምዂላፍ፣ ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣምላኽ ይቃወሙ። (ዳኒኤል 10:13)።

ኣጋንንቲ ከም መናፍስቲ መጠን፣ ኣብ ጉዙፋዊ ኣካል ማሕደር ክገብሩ ክእለት ኣለዎም። ጋኔናዊ ማሕደር ኣብ ሰብ ዝኽሰት፣ኣብ ኣካላት ሰብ ብጋኔን ምሉእ ቁጽጽር ምስ ተኻየደ [ተፈጸመ] እዩ። ክሳብ መንፈስ ቅዱስ ብክርስቶስ፣ ኣብ ልቢ ኣማኒ ዝሓደረ፣ እዚ ኩነት’ዚ ኣብ ውሉድ ኣምላኽ ክኽሰት ኣይክእልን እዩ (1ይ ዮሃንስ 4:4).

የሱስ ኣብ ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ምስ ብዙሓት ኣጋንንቲ ገጢሙ። ብርግጽ ካብኦም ምስ ሓይሊ ክርስቶስ ዝዳረግ ሓደኳ ኣይተረኽበን። “ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽእዎም፣ ንሱ ድማ ነቶም መናፍስቲ ብቃሉ የውጽኦም ነበረ።” (ማቴዎስ 8:16). የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን፣ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ነበረ። (ሉቃስ 11:20)። እቶም ምስ የሱስ ዝተጋጠሙ ኣጋንንቲ፣ መን ምዃኑ ይፈልጡን ይፈርህዎን ነበሩ። “ወዲ ኣምላኽ ምሳኻ እንታይ ኣሎና እሞ?‘ ኢሎም እቶም ኣጋንንቲ ጨደሩ። “ቅድሚ ግዚኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ ይብሉ ነበሩ?” (ማቴዎስ 8:29)። እዞም ኣጋንንቲ መወዳእትኦም ስቓይ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም።

ሰይጣንን ኣጋንንቱን፣ ስራሕ ኣምላኽ ንምብልሻውን እንተተኻእሎም ንዝኾነ ከስሕቱን እዩ ጠመትኦም። (1ይ ጴጥሮስ 5:8; 2ይ ቆረንስቶስ 11:14–15).ኣጋንንቲ ከም እኩያት መናፍስቲ ይግለጹ። (ማቴዎስ 10:1), ርኹሳት መናፍስቲ (ማርቆስ 1:27), መናፍስቲ ሓሶት (1ይ ነገስት 22:23), ከምኡ’ውን መላእኽቲ ሰይጣን (ራእይ 12:9). ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዓለም የታልሉ። (2ይ ቆረንቶስ 4:4), ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይዝርግሑ (1ይ ጢሞቴዎስ 4:1), ንክርስትያናት የጥቕዑን (2ይ ቆረንቶስ 12:7; 1ይ ጴጥሮስ 5:8), ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ይዋግኡን። (ራእይ 12:4–9).

ኣጋንንቲ/ ዝተደርበዩ መላእኽቲ፣ ጸላእቲ ኣምላኽ ክነሶም ግናኸ ስዑራት ጸላእቲ እዮም ። ክርስቶስ ብመስቀሉ ገይሩ፣ “ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናት ኣጽዋሮም ገፈፎም ብግልጺ እናፈከረ ድማ ኣስተሓፎሮም። (ቆሎሴ 2:15) ንሕና ንኣምላኽ እንተተገዛእናዮን ንሰይጣን ድማ እንተተጻረርናዮን፣ እንፈርሆ ሓደኳ የልቦን። “ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ፣ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዝዓቢ ስለዝኾነ” (1ይ ዮሃንስ 4:4)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጋንንቲ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries