settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕደር ጋኔን ወይ ጋኔናዊ ማሕደር እንታይ ይብል? ሎሚኸ፡ ገና ክኸውን ይኽእልዶ? እንተ ኾይኑኸ፡ እቶም ምልክታቶም፡ እንታይ እዮም?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብኣጋንንቲ ናይ ዝተታሕዙ ወይ ዝተጸልዉ ሰባት ኣብነታት ይህበና። ካብቶም ኣብነታት፣ ምልክታት ጋኔናዊ ጽልዋ ክንረኽቦን ከማኡ ድማ ከመይ ኢሉ ጋኔን ኣብ ሰብ ከምዝሓድርን፡ ከነስተብህል የኽእለና። እንሆ ገለ ገለ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ መረዳእታታት: ማቴዎስ 9:32-33; 12:22; 17:18; ማርቆስ 5:1-20; 7:26-30; ሉቃስ 4:33-36; ሉቃስ 22:3; ግብረ-ሃዋርያት 16:16-18. ካብዞም ሕጥበ-ጽሑፋት፣ ማሕደር ጋኔን ምዃን፣ ከም ዓባስ፡ ዘውድቕ ምልክታት፣ ዑረት ወዘተረፈ ዝኣመሰሉ ሕማማት ይኽሰቱ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ ይሁዳ ኣስቆርታዊ ከም ኣብነት እንተወሰድና፣ ማሕደር ሰይጣን ምዃን፣ ነቲ ሰብ እኩይ ክገብር ይድርኾ። ኣብ ግብረ-ሃዋርያት 16:16-18፣ እቲ መንፈስ፡ ነታ ግዝእቲ ጓል፡ ልዕሊ ኣፍልጦኣ ዝኾነ፣ ገለ ነገራት ናይ ምፍላጥ ክእለት ዝህባ ይመስል። ጋኔን ዝሓደሮ ናይ መቓብር ሰብ፣ ብዙሓት ብእልፊ ኣጋንንቲ ዝተታሕዘ፣ (ሌጌዎን) ልዕሊ ሰብ ሓይሊ ዝነበሮን፡ ኣብ መንጎ እቶም መቓብራት፡ ጥራሕ ነፍሱ ዝነብርን ነበረ። ንጉስ ሳውል፣ ኣንጻር እግዚኣብሄር ድሕሪ ምዕማጹ፣ ብእኩይ መንፈስ እናተሰቀየ፣ (1ይ ሳሙኤል 16:14-15; 18:10-11; 19:9-10) ብግልጺ ኣብ ሕዙን ሃለዋትን፡ ንዳዊት ናይ ምቕታል ዕዙዝ ድልየትን ነበረ።

እምበርከስ፡ ዝተፈላለዩ ምልክታት፣ ንኣብነት ብጸገም ኣካላዊ ጥዕና ክበሃል ዘይከኣል፣ ዘጋጥም ስንክልና ኣካላት፣ ለውጢ ውልቃዊ ባህሪ ከም ሓዘንተኛ ወይ ዓመጸኛ፡ ሕልፊ ተፈጥሮ ሰብ ምሕያል፣ ትዕቢትኛ፡ ፈጫው ባህሪን፣ ምናልባት ብሕጊ ተፈጥሮ ክትፈልጦ ዘይከኣል፣ ሓበሬታ ናይ ምሽራኽ ክእለትን፣ ኣብ ጋኔን ዝሓደሮ ከጋጥም ዝኽእል ብሰፊሑ ዝተፈላለየ ምልክታት እዩ። ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘሎና ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ኩሉ እንተ ዘይተባህለ፣ ዳርጋ ኩሉ ዝተጠቕሰ ባህርያት፡ ካልእ መግለጺታት ክህልዎ ስለዝኽእል፣ ነፍሲ ወከፍ ሕዙን/ጭኑቕ፣ ወይ ዘውድቆ ሰብ፣ ጋኔን ዝሓደሮ/ዝተታሕዘ እዩ ኢልና ንከይንሰርዖ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ ባህሊ ምዕራባውያን፣ ኣብ ህይወት ሰብ ሰይጣናዊ ምትሕሓዝ/ምትእትታው፣ ልዕሊ ዓቐን፡ ግምት ዘይወስድሉ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዞም ኣካልውን ስምዒታውን ፍልልያት፣ ሓደ ሰብ ኣብ ጋኔናዊ ጽልዋ ዘሓደሮ ሰብ ዝርአ፣ መንፈሳዊ መለለይታት፣ ክርኢ እውን ይኽእል እዩ። ኣብያ ንይቕሬ፡ (2ይ ቆረንቶስ2:10-11) ከምኡ’ውን ንምእማንን ምዝርጋሕን ትምህርቲ ሓሶት፣ ብፍላይ ኣንጻር ክርስቶስን ውዕለት መስቀሉን የጠቓልል። (2ይ ቆረንቶስ 11:3-4, 13-15; 1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-5; 1ይ ዮሃንስ 4:1-3).

ተሳትፎ ኣጋንነቲ ኣብ ህይወት ክርስትያናት ብዝምልከት፣ ሓደ ኣማኒ ብሰይጣን ክጽለው ከምዝኽእል ዘረድእ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ፣ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። (ማቴዎስ 16:23)። ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ጋኔናዊ ጽልዋ ንዘሎ ክርስትያን ከም “ዝሰይጠነ” ገይሮም ዝጠቕሱ ሰባት እኳ እንተሃለዉ፣ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ግና፣ ሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ብጋኔን ከም ዝተታሕዘ ዘረድእ ኣብነት ብፍጹም የልቦን። ናይ ስነ-መለኮት ምሁራን፡ መብዛሕትኦም ሓደ ኣማኒ፣ ኣብ ውሽጡ መንስፈስ ቅዱስ ስለዝሓደረ፣ ብጋኔን ክተሓዝ ኣይክእልን (2ይ ቆረንቶስ 1:22; 5:5; 1ይ ቆረንቶስ 6:19) ከምኡ’ውን መንፈስ ኣምላኽ ምስ ጋኔን ማሕደር ኣይሻረኽን እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ሓደ ሰብ ከመይ ኢሉ ማሕደር ጋኔን ንምዃን ነፍሱ ከምዘቃልዕ ኣይተነግረናን። ጉዳይ ይሁዳ ወካሊ እዩ እንተተባህለ፣ ንሱ ብሰሪ ኣብ ውሽጡ ባዕሉ ዘሕደሮ ስስዐ፣ ልቡ ንእኩይ ከፊቱ እዩ። (ዮሃንስ 12:6). ስለዚ ሓደ ሰብ ልቡ ብዝተላመዶ ሓጥኣት ክምራሕ እንተፈቒዱ፣ ጋኔን ማሕደር ንክገብር፣ ዘኽእሎ ዕድመ ይዕድም ኣሎ። ካብ ተሞክሮታት ሚስዮናውያን፣ ማሕደር ጋኔን ምስ ኣምልኾ ጣኦታትን፣ ምሓዝ ናውትታቶምን ዝዛመድ ይመስል። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ንኣምልኾ ጣኦት ብግብሪ ምስ ኣምልኾ ኣጋንንቲ ብተደጋጋሚ የዛምዶ። (ዘሌዋውያን 17:7 ዘዳግም 32:17፣ መዝሙር 106:37፣ 1ይ ቆረንቶስ 10:20)፣ ስለዚ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ምጽንባር፣ ብኣጋንንቲ ንክትተሓዝ፣ ዝመርሕ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ሕጥበ-ጽሑፋትን ተሞክሮታት ናይ ሚስዮናውያንን ተበጊስካ፣ ብሰሪ ገለ ነውራም ሓጢኣት ወይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገብርዎ ኣምልኾ ጣኦት፣ መብዛሕትኦም ሰባት ልቦም ንምጽንባር ኣጋንንቲ ከም ዝኸፍትሎም ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። እዞም ዚስዕቡ ማለት፣ ብዕልግና፡ ንንቡር ሕልና ዝቕይሩ/ዘበላሽዉ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ/መስተ፣ ዓመጽ፣ ምረትን፣ ኣስተንትኖ ንመናፍስትን ከም ኣብነት ዝጠቓለሉ እዮም።

ተወሳኺ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ኣሎ። እግዚኣብሄር ዘይፈቕዶ ነገር፣ ሰይጣንን ርኹሳት ሰራዊቱን፡ ሓንቲ እኳ ክገብሩ ኣይኽእሉን እዮም። (እዮብ 1-2)። እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝተባህለ ክነሱ፣ ሰይጣን ከኣ ዕላማታቱ ዝፍጽም ዘሎ እናመሰሎ፣ ብግብሪ ግን፣ ከምቲ ኣብ ክሕደት ይሁዳ፣ ነቲ ሰናይ ዕላማታት ኣምላኽ እዩ ዝፍጽም። ገለ ሰባት ዘይጥዑይ ተምሳጥ ናይ ሕቡእ ኣምልኾን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ኣመላት የማዕብሉ። እዚ ተግባር’ዚ ከም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኮነን ዘይጭውነታዊ ተግባር እዩ። ንኣምላኽ እንተስዓብና፣ ንርእስና ኣጽዋራቱ እንተለበስና፣ ኣብ ሓይሉ እንተተወከልናን፣ (ኤፌሶን 6:10-18), ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስለዝገዝእ፣ ካብቶም ርኹሳት ዘፍርህ ነገር የብልናን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕደር ጋኔን ወይ ጋኔናዊ ማሕደር እንታይ ይብል? ሎሚኸ፡ ገና ክኸውን ይኽእልዶ? እንተ ኾይኑኸ፡ እቶም ምልክታቶም፡ እንታይ እዮም?
© Copyright Got Questions Ministries