settings icon
share icon
ሕቶ

ትርጉም ናይ ሓጢያት እንታይ እዩ?

መልሲ


ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምፍራስ ሕጊ ናይ ኣምላኽ እዩ ተገሊጹ ዘሎ (1ዮሃንስ 3፡4) ከምኡድማ ዕልወት ኣንጻር ኣምላኽ (ዘዳግም 9፡7፡ እያሱ 1፡18)። ሓጢኣት ምስ ሰይጣን እዩ ጀሚሩ፡ ምናልባት ካብ መላእኽቲ እቲ ዝጸበቐን ዝሓየለን። ብማዕርጉ ስለዘይዓገበ፡ ካብ ኣምላኽ ልዕል ክብል ደልዩን እዚ ድማ እዩ መውደቒኡን መጀመርታ ናይ ሓጢያትን (ኢሰያስ 14፡12-15)። ሰይጣን ተባሂሉ ተሰምዩ፡ ንሱ ኣብ ገነት ኤደን ናብ ደቂ ሰባት ሓጥያት ኣምጺኡ፡ ኣብኡ ከኣ ንኣዳምን ሄዋንን ብተመሳሳሊ ምስሓት ፈቲንዎም “ከም ኣምላኽ ክትኮኑ ኢኹም።” ዘፍጥረት 3 ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዕልወት ኣንጻር ኣምላኽን ትእዛዛቱን ይገልጽ። ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ጀሚሩ፡ ሓጢኣት ናብ ኩሉ ወለዶታት ናይ ወድሰብ ሓሊፉን ንሕና ድማ ናይ ኣዳም ዘርኢ፡ ካብ’ኡ ሓጢያት ወሪስና። ሮሜ 5፡12 ከምዝነግረና ብኣዳም ኣቢሉ ሓጢያት ናብ ዓለም ኣትዩ፡ ስለዚ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓሊፉ ምኽንያቱ “ ዓስቢ ሓጢያት ሞት እዩ” (ሮሜ 6፡23)።

ብኣዳም ኣቢሉ፡ ባህርያዊ ዝምባለ ንሓጥያት ናብ ደቂ ሰብ ኣትዩ፡ ስለዚ ድማ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮኦም ሓጥያተኛታት ኮይኖም። ኣዳም ምስ ሓጠአ፡ ናይ ውሽጢ ተፈጥሩኡ ብናይ ሓጥያቱ ዕልወት ተለዊጡ፡ እዚ ድማ ንዑኡ መንፈሳዊ ሞትን ውድቀትን ኣምጺእሉን ናብቶም ብድሕሪኡ ዝመጹ ኩሎም ድማ ዝሓልፍ ኮይኑን። ሓጥያት ንገብር ስለዝኾንና ኣይኮናን ሓጥያተኛታት፡ እንታይ ደኣ ንሕና ንሓጥያት ንገብር ሓጥያተኛታት ስለዝኾና እዩ። እዚ ዝመሓላለፍ ውድቀት ድማ ዝተወርሰ ሓጥያት ይብሃል። ልክዕ ከምቲ ካብ ወለድና ኣካላዊ ባህሪያት እንወርስ፡ ንሕና ድማ እቲ ሓጥእ ባህሪና ካብ ኣዳም ንወርስ። ንጉስ ዳዊት ነዚ ኩነተ ዝወደቐ ባህሪ ናይ ሰባት ኣብ መዝሙር 51፡5 ከምዚ ኢሉ ኣልቂስሉ፡ “እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።”

ካልእ ዓይነት ሓጥያት ከኣ ዝቑጸር ሓጥያት ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ክልቲኡ ገንዘባውን ሕጋውን ትካላት ዝዝውተር፡ ናይ ግሪኽ ቃል ን ዝተቐጽረ ዝብል ከም “ንሓደ ሰብ ዝግብኦ ዝኾነ ነገር ወሲድካ ናብ ናይ ካልእ ሕሳብ ምቕማጥ” ጌሩ ቶርጊምዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጊ ብሙሴ ምውሃቡ፡ ንሰብ ሓጥያት ኣይቁጸረሉን እዩ ኔሩ፡ እዚ ከኣ ዋላ’ኳ ሰባት ብሰንኪ እቲ ዝተወርሰ ሓጥያት ገና ሓጥኣን እንተነበሩ እዩ። እቲ ሕጊ ድሕሪ ምውሃቡ፡ ሕጊ ብምፍራስ ዝተፈጸመ ሓጥያት ነቶም ሰባት ይቑጸረሎም ኔሩ (ሮሜ 5፡13)። ዋላ’ውን ቅድሚ ምፍራስ ሕጊ ንሰባት ሙቕጻሩ፡ እቲ ናይ መጨረሽታ መቕጻዕቲ ናይ ሓጥያት (ሞት) ምግዛእ ቀጺሉ (ሮሜ 5፡14)። ኩሎም ሰባት ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ንሞት ይግዝኡ ኔሮም፡ እዚ ድማ ብሰሪ ኣንጻር ሕጊ ሙሴ ዝገበርዎ ሓጥያተኛ ተግባራቶም ኣይኮነን (ንዓኣቶም እዚ ሕጊ ኣይነበሮምን)፡ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ዝተወርሰ ናቶም ሓጥያተኛ ባህሪ እዩ። ድሕሪ ሙሴ ደቂ ሰባት ንሞት ይግዝኡ ኔሮም እዮም፡ እዚ ከኣ ብሰንኪ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጥያትን ብሰንኪ ካብ ምፍራስ ሕግታት ሙሴ ዝተቖጽረሎም ሓጥያትን እዩ።

እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ናይ ኣመንቲ ናብ ሕሳብ የሱስ ናብ’ቲ ናይ ሕጢያት መቕጻዕቲ-ንሱ ከኣ ሞት---ኣብ መስቀል-ዝኸፈለ የሱስ ምስ ቆጸሮ ን መትከል ሙቕጻር ንረብሓ ወዲሰብ ተጠቒሙሉ። ሓጥያትና ንየሱስ ቆጺሩሉ። ኣምላኽ ድማ የሱስ ሓጥያተኛ እኳ እንተዘይኮነ ንየሱስ ከም ሓጥያተኛ ቆጺሩ ንሓጥያት ሙሉእ ዓለም ከም ዝመውት ጌርዎ (1 ዮሃንስ 2፡2)። ሓጥያት ናብ’ኡ ከምዝተቖጽረ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡ ኮይኑ ግን ንሱ ንሓጥያት ካብ ኣዳም ኣይወረሶን። ንሱ ናይ ሓጥያት መቕጻዕቲ ተሰኪምዎ እምበር ሓጥያተኛ ኣይኮነን። ናቱ ንጹህን ፍጹምን ባህሪ ብሓጥያት ኣይተተንከፈን። ዋላ’ኳ ሓንቲ ሓጥያት ዘይፈጸመ ክነሱ ንሱ ብደቂ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ኩሉ ሓጥያት ገበነኛ ኮይኑ ተቖጺሩ። እቲ ማልስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንጽድቂ ክርስቶስ ንኣመንቲ ቆጺርሎምን ንሕሳብና ድማ ብጽድቁ መሊእዎ፡ እዚ ከኣ ልክዕ ከም’ቲ ንሓጥያትና ናብ ናይ ክርስቶስ ሕሳብ ዘእተዎ እዩ (2 ቆሮንጦስ 5፡21)።

ሳልሳይ ዓይነት ሓጥያት ድማ ውልቃዊ ሓጥያት እዩ፡ እዚ ከኣ መዓልታዊ ብደቂ-ሰባት ዝፍጸም ሓጥያት እዩ። ንሕና ካብ ኣዳም ባህሪ ሓጥያት ስለዝወረስና፡ ውልቃዊ፡ ግላዊ ሓጥያት፡ እዚ ከኣ ኩሉ ነገር ካብ ሓቂ ዘይኮኑ ግናኸ ንጹሃት ዝመስሉ ክሳብ ቅትለት ንፍጽም። እቶም እምነቶም ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘይገበሩ ድማ መቕጻዕቲ ናይ’ዞም ሓጥያት እንከላይ ዝተወርሰን ዝተቖጽረን ሓጥያት ክኸፍልዎ ኣለዎም። ኮይኑግን፡ ኣመንቲ ካብ ናይ ዘልኣለም መቕጻዕቲ ሓጥያት--ገሃነምን መንፈሳዊ ሞትን-- ናጻ ወጺኦም እዮም፡ ኮይኑ ግን ሕጂ’ውን ንሕና ሓጥያት ምግባር ክንቃወም ስልጣን ኣሎና። ንሕና ሕጂ ውልቃዊ ሓጥያት ክንፍጽምን ከይንፍጽምን ክንመርጽ ንኽእል ኢና ምኽንያቱ ንሓጥያት ክንቃወም በቲ ኣባና ዝነብር መንፈስ ቅዱስ ስልጣን ስለዘሎና እዩ፡ ንሱ ድማ ሓጥያት ክንገብር ከሎና ንሓጥያትና የንጽሃናን ይረትዓናን (ሮሜ 8፡9-11)። ሓንሳብ ውልቃዊ ሓጥያትና ናብ ኣምላኽ ምስተናዘዝናን ብዛዕበኦም ይቕሬታ ምስ ሓተትናን፡ ንሕና ምስኡ ናብ ምሉእ ሕብረትን ርክብን ንሕደስ። “ ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።” (1 ዮሃንስ 1፡9)።

ንሕና ኩልና ብምኽንያት ዝተወርሰ ሓጥያት፡ ዝቑጸር ሓጥያትን ውልቃዊ ሓጥያትን ሰለስተ ግዜ ተኾኒንና። እቲ እንኮ ርትዓዊ ዝኾነ መቕጻዕቲ ናይ ሓጥያት ድማ ሞት እዩ (ሮሜ 6፡23)፡ ብኣካል ሙሟት ጥራይ ዘይኮነ ግን ከኣ ዘልኣለማዊ ሞት (ራኢ 20፡11-15)። ኣምላኽ ይመስገን፡ ዝተወርሰ ሓጥያት፡ ዝቑጸር ሓጥያትን ውልቃዊ ሓጥያትን ኣብ መስቀል ናይ የሱስ ተሰቒሎም እዮም ሕጂ ድማ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ “ ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና” (ኤፌሶን 1፡7)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ትርጉም ናይ ሓጢያት እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries