settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሞት መቕጻዕቲ/ ዝለዓለ መቕጻዕቲ እንታይ ይብል?

መልሲ


ሕጊ ናይ ብሉይ ኪዳን ንብዙሓት ተግባራት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣዚዙ፡ ቅትለት (ዘጻኣት 21፡12)፡ ምጭዋይ (ዘጽኣት 21፡16)፡ ምስ እንስሳ ግብረ ስጋ ዝገብር (ዘጽኣት 22፡19)፡ ዝሙት (ዘለዋውያን 20፡10)፡ ግብረሰዶም (ዘለዋውያን 20፡13)፡ ናይ ሓሶት ነብይ ሙዃን (ዘዳግም 13፡5)፡ ምንዝርናን ጾታዊ ዓመጽን (ዘዳግም 22፡4) ብዙሓት ካልኦት ገበናትን። እንተኾነ ግን፡ ኣምላኽ፡ ብዙሕ ግዜ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ግቡእ እኳ እንተነበረ ምሕረት ኣርእ እዩ። ዳዊት ዝሙትን ቅትለትን ፈጺሙ፡ ኣምላኽ ግን ሂወቱ ክትውሰድ ኣይጠለበን (2 ሳሙኤል 11፡1-5፡ 14-17፡ 2 ሳሙኤል 12፡13)። ኣብ መጨረሻ፡ ኩሉ ንፍጽሞ ሓጥያት ሞት ክውሃቦ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ዓስቢ ሓጥያት ሞት እዩ (ሮሜ 6፡23)። ኣምላኽ ይመስገን እግዚኣብሄር ንዓና ብዘይ ምኹናኑ ፍቕሩ በዚ የርኢ (ሮሜ 5፡8)።

ፈሪሳውያን ኣብ ተግባር ናይ ዝሙት ዝተታሕዘት ሰበይቲ ናብ የሱስ ምስ ኣምጽእሉ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ምስ ሓተትዎ፡ የሱስ ድማ “ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ” በሎም (ዮሃንስ 8፡7)። እዚ ድማ የሱስ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝነጸገ ከምዘመልክት ከገልግል የብሉን። የሱስ ናይ ፈሪሳውያን ግብዝና ጥራይ እዩ ዘቃልዕ ኔሩ። ፈሪሳውያን ንየሱስ ንሕጊ ብሉይ ኪዳን ከፍርስ ከፍንጥርዎ እዮም ዝደልዩ ኔሮም፡ ንሳቶም ብዛዕባ እታ ብዳርባ እምኒ ትጭፍጨፍ ሰበይቲ ብሓቂ ኣይተገደሱን (እቲ ምስኣ ኣብ ዝሙት ዝተታሕዘ ሰብኣይ ኣበይ ኔሩ?)ኣምላኽ እዩ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተኺልዎ፡ “ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።” (ዘፍጥረት 9፡6)። የሱስ ኣብ ገለ ኩነታት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምደገፈ ኔሩ። የሱስ ናይ ሞት መቕጻዕቲ መዓልቱ ግቡእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ጸጋ ኣርእዩ እዩ (ዮሃንስ8፡1-11)። ሃዋርያ ጳውሎስ ብርግጽ መንግስቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከተኣታቱ ንስልጣኑ ተቐቢልዎ። (ሮሜ 13፡1-7)

ክርስትያን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከመይ ክርእዮ ኣለዎ? መጀመርታ፡ ኣምላኽ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ቃሉ ከምዝተኸሎ ክንዝክሮ ኣሎና፡ ስለዚ ድማ ዝለዓለ መለኪዒ ክንተክል ንኽእል ኢና ምባል ንዓና ግምታዊ ክኸውን እዩ። ኣምላኽ ናይ ዝኾነ ፍጡር ዝለዓለ መለክዒ ኣለዎ፡ ንሱ ፍጹም እዩ። እዚ መለክዒ ንዓና ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከት፡ ንዑኡ ድማ ይምለክት እዩ። ስለዚድማ፡ ደረት ዘይብሉ ዓቐን የፍቅር፡ ምሕረቱ ድማ ደረት የብሉን። ብተወሳኺ ድማ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ቁጣዓ ከም ዘለዎ ንርኢን ስለዚድማ እዚ ኩሉ ብ ፍጹም ዝኾነ ሚዛን እዩ ዝዕቀብ።

ካልኣይ፡ ንሕና ኣምላኽ ንመንግስቲ መዓስ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይውሃብ ክውስን ስልጣን ከም ዝሃቦ ክንቅበሎ ኣሎና (ዘፍጥረት 9፡6፡ ሮሜ 13፡1-7)። ኣብ ኩሉ ፍጻሜታት ኣምላኽ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይጻረር እዩ ምባል ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ክርስትያናት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ስራሕ ምስ ወዓለ ፈጺሞም ክሕጎሱ የብሎምን፡ ኮይኑ ግን ብተመሳሳሊ ድማ ክርስትያናት ናይ መንግስቲ መሰል ምጥፋእ ነቶም ቀንዲ ፈጸምቲ ክፉእ ገበናት ኣንጻሩ ክቃለሱ የብሎምን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሞት መቕጻዕቲ/ ዝለዓለ መቕጻዕቲ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries