settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕራዊ ምቁጻር/ምድልላይ እንታይ ይብል?

መልሲ


ዋላ’ኳ እዞም “ምድልላይ” ከምኡውን “ፍቕራዊ ምቁጻር” ዝብሉ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተዘይሃለው፡ ገለ ገለ መምርሒታት ግን ክርስትያናት ቅድሚ መርዓ ኣብ ዘሎ ግዜ ክኸድዎም ዘለዎም ተዋሂቦሙና እዮም። እቲ ቀዳማይ ከኣ ኣብ ፍቕራዊ ምቁጻር ንሕና ካብ ናይ ዓለም ኣረኣእያ ክንፍለ ኣሎና ምኽንያቱ ናይ ኣምላኽ መገዲ ምስ ናይ ዓለም መገዲ ስለዝጋጮ (2ጴጥሮስ 2፡20)። ብናይ ዓለም መገዲ ክንዲ ዝደለናዮ መጠን ክንቋጸር ንኽእል እኳ እንተኾንና፡ ንዑኡ/ንዓኣ ቅድሚ ዝኾነ ቃል ምእታውና እቲ ኣገዳሲ ነገር ጠባይ ናይ’ቲ ሰብ ምፍታሽ እዩ። እቲ ሰብ እንደገና ብመንፈስ ክርስቶስ ዳግም ተወሊዱ እንተኾይኑን (ዮሃንስ 3፡3-8) ከምኡከኣ ንሱ ወይ ንሳ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎ/ዋ እንተድኣ ኮይኑ/ና ክንሓትት ኣሎና (ፊሊጲ2፡5)። ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ፍቕራዊ ምቁጻር ወይ ምድልላይ ናይ ሂወት መጻምዲ ንምርካብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ክርስትያናት ዘይኣመንቲ ክንምርዖ ከምዘይብልና ይነግረና (2ቆሮንጦስ 6፡14-15) ምኽንያቱ እዚ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ከድክሞ ስለዝኾነን ከምኡ ድማ ን ስነምግባርናን መለክዒታትናን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ስለዝዘእትዎን እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ጥቡቕ ርክብ እንተዳኣ ኣሎ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ፍቕራዊ ምቁጻር ወይ ምድልላይ፡ ንእግዚኣብሄር ምፍቃር ልዕሊ ኩሉ ካልእ ሙዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ (ማቴዎስ 10፡37)። እቲ ካልእ ሰብ “ኩሉ-ነገር” እዩ ወይ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ሂወት እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ እዩ ምባል ወይ ምእማን ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ እዚ ከኣ ሓጥያት እዩ (ገላትያ 5፡20፡ ቆሎሴ 3፡5)። ብተወሳኺ ንኣካላትና ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ብምግባር ከነርክሶ የብልናን (1 ቆሮንጦስ 6፡9፡ 13፡ 2 ጢሜጤዎስ 2፡22)። ጾታዊ ዘይሞራላውነት ኣንጻር ኣምላኽ ጥራይ ኣይኮነን ሓጥያት ዝኸውን እንታይ ዳኣ ኣንጻር ኣካልና’ውን ድማ(1 ቆሮንጦስ 6፡18)። ከምቲ ንገዛእ ርእስና ነፍቅራ ከምኡ ድማ ንካልኦት ከነፍቅሮምን ከነኽብሮምን ኣገዳሲ እዩ (ሮሜ 12፡9-10)፡ እዚ ድማ ኣብ ምድልላይ ወይ ናይ ፍቕራዊ ምቁጻር ርክብ ብርግጽ ሓቂ እዩ። ኣብ ፍቕራዊ ምቁጻር ይኹን ምድልላይ፡ ነዞም መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒታት ምስዓብ ድማ እቲ ዝበለጸ ውሑስ መሰረት ናይ መርዓ ምሓዝ እዩ። እዚ እቲ ንሕና ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ውሳኔታት ንገብሮ እዩ፡ ምኽንያቱ ክልተ ሰብ ክምርዓዉ ከለው፡ ንሓድሕዶም ይላገቡን ሓደ ስጋ ድማ ይኾኑ፡ እዚ ርክቦም ድማ ኣምላኽ ንዘልኣለምን ከምኡድማ ዘይፈላለን ጌሩ እዩ መዲብዎ (ዘፍጥረት 2፡24፡ ማቴዎስ 19፡5)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕራዊ ምቁጻር/ምድልላይ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries