settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያን ምስ ዘይክርስትያን ፍቕራዊ ቆጸራ ክገብር ወይ ክምርዖ ቅኑዕ ድዩ?

መልሲ


ንክርስትያን ምስ ዘይክርስትያን ፍቕራዊ ቆጸራ ምግባርን ምምርዓውን ጥበብ ዝጎደሎ እዩ። 2 ቆሮንጦስ 6፡14 (KJV) ምስቶም ዘይኣምኑ “ብሓደ ኣርዑት ኣይትቆረኑ” ይብለና። ኣብ’ዚ እቲ ስእሊ ክልተ ዘይሰማምዑ ኣብዑር ኣብ ሓደ ኣርዑት ምቑራን እዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ሸከም ክስሕቡ ብሓደ ዝሰርሑ፡ ኣንጻር ሓድሕዶም እዮም ክሰርሑ። ዋላ’ኳ እዚ ጽሑፍ ብፍሉይ ንመርዓ ኣይጥቀስ፡ ብርግጽ ግን ን መርዓ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ ጽሑፍ ቀጺሉ ኣብ ሞንጎ ክርስቶስን ብልያልን(ሰይጣንን) ሕብረት የሎን ይብል። ኣብ መርዓ ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ዘይክርስትያንን መንፈሳዊ ሕብረት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ጳውሎስ ንኣመንቲ ንሳቶም መሓደር ናይ’ቲ ኣብ ልቦም ኣብ ግዜ ምድሓን ዝነብር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾኑ ይዛረብ (2ቆሮንጦስ 6፡15-17)። በዚ ምኽንያት ካብ ዓለም ክፍለዩ ኣለዎም--ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ እምበር ካብ ዓለም እይኮነን--እዚ ድማ ኣብ ሂወት እቲ ቀንዲ ዝጠበቐ ርክብ--መርዓ እምበር ኣብ ካልእ ኣበይ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል።

ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ከም’ዚ ይብል፡ ‘ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ’ (1 ቆሮንጦስ 15፡33።ጥቡቕ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ምስ ዘይኣማኒ ምህላው ቀልጢፉ ናብ ሓደ ምስ ክርስቶስ ዘለካ ጉዕዞ ናብ ዝዕንቅፍ ነገር ክልወጥ ይኽእል እዩ። ንሕና ነቶም ዝጠፍኡ ወንጌል ክነግር እምበር ምስኣቶም ክንጠብቕ ኣይኮናን ተጸዊዕና። ምስ ዘይኣመንቲ ጽቡቕ ዝኾነ ዝምድና ምህናጽ ዝኾነ ጸገም የብሉን፡ ኮይኑ ግን ካብኡ ክሓልፍ የብሉን። ንዘይኣማኒ ትቖጽር እንተድኣ ኔርካ፡ ብቕንዕና ቀዳምነትካ እንታይ ምኾነ ኔሩ፡ ፍቕሪ ወይስ ነብሲ ናብ ክርስቶስ ምምጻእ? ንዘይኣማኒ ተመርዒኻ እንተኔርካ፡ ከመይ ኣቢልኩም ክልቴኹም ኣብ መርዓኹም መንፈሳዊ ጥምረት ክትኩስኩሱ ትኽእሉ? እንተድኣ ኣብ’ቲ ኣብ ኣድማስ ወሳኒ ዝኾነ ጉዳይ--ኣብ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዘይተሰማሚዕኩም ከመይ ኣቢሉ እዩ ብቑዕ ዝኾነ መርዓ ክህነጽን ክዕቀብን ዝኽእል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያን ምስ ዘይክርስትያን ፍቕራዊ ቆጸራ ክገብር ወይ ክምርዖ ቅኑዕ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries