settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ ጌጋ ኣምልኾት ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዘሎ ዝኾነ ሰብ እንታይ እዩ እቲ ዝበለጸ መገዲ ወንጌል ንምንጋር?

መልሲ


ነቶም ኣብ ኣምልኾት ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዘለው እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ንኽእል ኣገዳሲ ነገር ንዖኦም ምጽላይ እዩ። ኣምላኽ ንልቦም ክልውጦን ኣዒንቶም ንሓቂ ክኸፍቶን ክንጽሊ የድልየና (2 ቆሮንጦስ 4፡4)። ኣምላኽ ነቲ ዘድልዮም ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ክረትዖም ክንጽሊ የድልየና (ዮሃንስ 3፡16)። ብዘይ ሓይሊ ኣምላኽን ምርታዕ ናይ መንፈስ ቅዱስን፡ ንሕና ንዝኾነ ሰብ ኣብ ምርታዕ ብዛዕባ ሓቂ ኣይክንዕወትን ኢና (ዮሃንስ 16፡7-11)።

ብተወሳኺ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ክርስትያናዊ ሂወት ክክነብር ከድልየና እዩ፡ በዚ ድማ እቶም ኣብ መጻወድያ ናይ ጌጋ ኣምልኾትን ሃይማኖታትን ዘለው እቲ ኣምላኽ ኣብ ሂወትና ዝገበሮ ለውጢ ክርእዩ ምእንቲ (1 ጴጥሮስ 3፡1-2)። ብከመይ ኣቢልና ብስልጣን ዘለዎ መገዲ ከምንሕዞም ጥበብ ክውሃበና ክንጽልይ ይግብኣና (ያእቆብ 1፡5)። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ንሕና ኣብ ግብራዊ ምክፋል ናይ ወንጌል ክንተብዕ ኣሎና፡ መልእኽቲ ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ክንእውጅ ኣሎና (ሮሜ 10፡9-10)። ንሕና ወትሩ ንእምነትና ንምክልኻል ክንዳሎ የድልየና (1 ጴጥሮስ 3፡15)፡ እዚ ግን ብጭውነትን ኣኽብሮትን ክንገብሮ ኣሎና። ነቲ ዶክትሪን/ትምህርቲ ብትኽክል ክንእውጆ ንኽእል፡ ንኩናት ናይ ቃላት ድማ ንዕወተሉን ነቲ ብቁጥዐ ዘለዎ ልዕልና ዝብገስ ኣረኣእያ ድማ ንዓግቶን።

ኣብ መወዳእቱኡ፡ ንሕና ድሕነት ናይቶም ንምስክረሎም ናብ ኣምላኽ ክንገድፎ ኣሎና። ናይ ኣምላኽ ሓይልን ጸጋን እዩ እምበር ናትና ጻዕሪ ኣይኮነን ንሰባት ዘድሕን። ዋላ’ኳ ሓያል መልሲ ንምሃብ ምድላውን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ሓሶት እምነታት ፍልጠት ምህላው ጽቡቕን ልቦናን እንተኾነ፡ ወልሓደ ካብ’ዚኦም ኣብ ምልዋጥ ናይ’ቶም ኣብ መጻወድያ ናይ ሓሶት ኣምልኾታትን ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ዘለው ውጺኢት ኣየምጽእን እዩ። እቲ ዝበለጸ ክንገብሮሎም እንኽእል ድማ ንዖኦም ምጽላይ፡ ምምስካርን ኣብ ቅድሚኦም ድማ ክርስትያናዊ ሂወት ምንባር እዩ፡ እዚ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ እቲ ናይ ምስሓቦም፡ ምርታዖምን ምልዋጦምን ስራሕ ከምዝሰርሕ ብምእማን እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ ጌጋ ኣምልኾት ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዘሎ ዝኾነ ሰብ እንታይ እዩ እቲ ዝበለጸ መገዲ ወንጌል ንምንጋር?
© Copyright Got Questions Ministries