settings icon
share icon
ሕቶ

ትርጉም ናይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንታይ እዩ?

መልሲ


ሰባት ነዛ ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ ትብል ቃል ክሰምዑ ከለው ነቶም ንሰይጣን ዘምልኹ ጉጅለታት፡ ነቶም እንስሳ ዝስውኡ ወይ ኣብ ክፍእ ነገር፡ ስግጊንጢር ነገርን ኣብ ናይ ኣርሜን ወይ ፓጋን ስርዓታት ዝሳተፉ እዮም ብቀጻሊ ዝሓስቡ። ኮይኑ ግን ኣብ ግብሪ ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ ስሕት ኢሉ እዩ ነዚኦም ዘጠቓልል። ከም ሓቂ ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብዝሰፈሐ ትርጉም ናይ’ቲ ቃል ሓደ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኮይኑ ፍሉያት ወግዒን ልምድን ዘለዎ እዩ።

ብዙሕ ጝዜ፡ ዋላ’ኳ ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝያዳ ብጽብብ ዝበለ ዝትርጎም እንተኾነ ከም’ውን እቲ ቃል ነቶም ኣባላቱ ነቲ መበቆላዊ ትምህርታት ናይ’ቲ ሃይማኖት ዝጥምዝዙ ንዘይቅቡል ጨንፈር የመልክት ። ኣብ ናይ ክርስትያን ዓውደ-ጽሑፍ፡ ትርጉም ናይ ካልት ድማ ብፍሉይ “ሓደ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኮይኑ ንሓደ ወይ ዝያዳ ካብ’ቲ መሰረታዊ መጽሓፍቅዱሳዊ ሓቂ ዝኽሕድ እዩ።” ካልት ማለት ሓደ ጉጅለ ኮይኑ ትምህርቲ ዝምህር ኮይኑ፡ ንሓደ ሰብ ነቲ ንሶም ዝምህርዎ ትምህርቲ እንተኣሚንዎ ነቲ ሰብ ከምዘይድሕን ይገብርዎ። ካልት ኣካል ናይ ሃይማኖት ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡ ኮይኑ ግን ቀንዲ ሓቂ’ሓቅታት ናይ’ቲ ሃይማኖት ይኽሕድ። ስለዚ ድማ ክርስትያናዊ ካልት ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ መሰረታዊ ትምህርትታት ናይ ክርስትና ዝኽሕድ ኮይኑ ገና ድማ ክርስትያን እየ ይብል።

እቶም ቀንዲ ክልተ ልሙዳት ምህሮታት ናይ ክርስትያን ካልት ድማ የሱስ ኣምላኽ ኣይነበረን ከምኡ ድማ ድሕነት ብእምነት ጥራይ ኣይኮነን ዝብላ እየን። ክሕደት ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ድማ ናብ ሞት ናይ የሱስ ንሓጥያትና ንምኽፋል እኹል ኣይነበረን ዝብል እዩ ዘምርሕ። ክሕደት ድሕነት ብእምነት ጥራይ እዩ ዝብል ድማ ድሕናት ብናህና ግብርና እዩ ዝርከብ ናብ ዝብል እዩ ዘምርሕ። ሃዋርያት ን ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብ’ቲ ፍለማ ዓመታት ናይ ቤተ ክርስትያን እዮም ገጢሞሞ፡ ንኣብነት ዮሃንስ ንምህሮ ግኖስትሳዊ ኣብ 1 ዮሃንስ 4፡1-3 ይድህስሶ። ናይ ዮሃንስ ሊትመሳዊ መፈተኒ ናይ ኣምላኻዊ ትምህርቲ ድማ “የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ” (ፍቕዲ 2)--ቀጥታ ምስ ናይ ግኖስቶሳዊ ስሕተት ይጋጮ (2 ዮሃንስ 1፡7)።

ሎሚ እቶም ቀንዲ ፍሉጣት ኣብነታት ናይ ካልት ድማ መሰኻክር የህዋን ከምኡ’ውን ሞርሞናውያን እዮም። ክልቲኦም ጉጅለታት ክርስትያን ሙዃኖም እዮም ዝዛረቡ፡ ኮይኑ ግን ገና ንኣምላኽነት ክርስቶስ ን ንድሕነት ብእምነት ጥራይ ይኽሕዱ። መሰኻክር የህዋን ከምኡ’ውን ሞርሞናውያን ምስ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ዝሰማማዕ ወይ ዝመሳሰል ይኣምኑ። ኮይኑግን፡ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ምኽሓዶምን ን ድሕነት ብግብሪ ምስባኾምን ከም ካልት/ናይ ሓሶት ኣምልኾ የብሎም። ብዙሓት መሰኻክር የህዋን ከምኡ’ውን ሞርሞናውያንን ካልኦት ኣባላት ካልትን ንሓቂ ሒዝና ኣሎና ኢሎም ብሓቂ ዝኣምኑ ሞራላውያን ሰባት እዮም። ከም ክርስትያናት፡ ናህና ተስፋን ጸሎትን ድማ ብዙሓት ኣብ ካልት ኣትዮም ዘለው ሰባት ነቲ ሓሶት ብሙሉኡ ርእዮም ናብ’ቲ ሓቂ ምድሓን ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክመጽኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ትርጉም ናይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries