settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረት ኣንጻር ፍልቀት እንታይ ይብል?

መልሲ


ዕላማ ናይ’ዚ መልሲ ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ሞጎተ ናይ ክትዕ ፍጥረት ኣንጻር ፍልቀት ንምቕራብ ኣይኮነን? ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ከኣ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክትዕ ናይ ፍጥረት ኣንጻር ፍልቀት ስለምንታይ በዚ ዘለዎ ዓይነት ይረኣ ንምብራህ እዩ። ሮሜ 1፡25 ድማ “ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን” ኢሉ ይገልጽ።

ዋና ሮቛሒ ኣብ ኩነተ ክትዕ ናይ ፍጥረት ኣንጻር ፍልቀት ከኣ ዝበዝሑ ኣብ ፍልቀት ዝኣምኑ ተመራመርቲ ድማ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወይ እግዚኣብሄር ምህላዉን ዘይምህላዉን ርግጸኛታት ዘይኮኑ(ኣግኖስቶሳውያን) እዮም። ገለ ከኣ ኣለው እምነት ናይ ኣምላኽ ዘለዎ ዓይነት ፍልቀት ዝሕዙ። ካልኦት ድማ ደይዝም ዝብል ኣራእያ ናይ ኣምላኽ ዝሓዙ እዮም፡ እዚኣቶም ኣብ ህላወ ኣምላኽ ይኣምኑ ግን ከኣ ኣምላኽ ኣብ ጉዳይ ዓለም ኣይኣቱን እዩ ይብሉን ኩሉ ነገር ድማ ካብ ዘየቋርጽ ባህርያዊ መገዲ ይቕጽልን ይብሉ። ብዙሓት ብሓቅን ብቕንዕናን ነቲ ዳታ ይርእዩን ስለዚ ድማ ፍልቀት ነቲ ዳታ ተተሰማመዖ ይሓይሽ ዝብል መደምደምታ ይበጽሑን። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዓብላሊ ትረኻ ኣብ’ዚ ዘተ ድማ ፍልቀት ዳርጋ ምስ ክልቲኦም ማለት መጽሓፍ ቅዱስን እምነት ኣብ ኣምላኽን ኣይቃዶን እዩ።

ገለ ኣብ ፍልቀት እምነት ዝገበሩ ተመራመርቲ ድማ ብተወሳኺ ነዚ ወይ ነቲ ሓደ ከም ተጋጫዊ ሙዃኑ ከይረኣዩ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ይኣምኑ ሙዃኖም ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኮይኑ ግን ዝበዝሑ ተመራመርቲ ናይ ፍልቀት፡ ሂወት ጠቕላላ ብዘይ ዝኾነ ኢድ ናይ ላዕለዋይ ኣካል መጺኣ ወይ ፈሊቓ ኢሎም ይኣምኑ። ዘመናዊ ክልሰ-ሓሳባት ናይ ፍልቀት ድማ ፡ኣብ ግብሪ ዳርጋ ጠቕላላ ተኸተልቲ ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት እዮም ክብሃሉ ይክኣል።

ገለ ካብ’ዞም መርገጺታት ብድሕሪኦም መንፈሳውያን ዝኾኑ ደፋእቲ ኣለዉ። ሓቂ ንሙዃን ንኣመንቲ ኣምላኽ የሎን ዝብሉ ሓደ መተካእታ ዝኾነ መግለጺ ክህሉ ኣለዎ--ካብ ፈጣሪ ወጻኢ--ኣድማስን ሂወትን ከመይ ኢሎም ናብ ህላወ መጺኦም። ዋላ’ኳ እምነት ኣብ ዝኾነ ዓይነት ፍልቀት ካብ ቻርለስ ዳርዊን ዝጸነሐ እንተኾነ፡ ንሱ እዩ እቲ ናይ ፈለማ ቅቡል ዝመስል፡ ተፈጥሮኣዊ ምንጪ ናይ መስርሕ ፍልቀት እዚ ድማ ባህርያዊ ሕርያ ወይ ናቹራል ሰለክሽን ከማዕብል ዝኽኣለ። ዳርዊን ኣብ ገለ ግዜ ገዛእ ርእሱ ከም ክርስትያን የፍለጥ ኔሩ፡ ኮይኑ ግን ከም ውጺኢት ናይ ገለ ኣብ ሂወቱ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ድሓር ንሱ ንእምነት ክርስትናን ህላውነት ኣምላኽ ሓዲግዎ።

ናይ ዳርዊን ዕላማ ንህላወ ኣምላኽ ንምፍሻል ኣይነበረን፡ ንክልሰሓሳቡ’ውን ንሱ ከምኡ ይገብር ከምዝነበረ ኣይርኣዮን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ከም’ዚ ኢሉ እዩ ናቱ ሓሳባት በቶም ንኣተይዝም (እምነት ኣምላኽ ዘይብሎም) ክውን ክገብሩ ዝደልዩ ዝማዕበለ። ሓደ ምኽንያት ናይ ብዙሓት ኣመንቲ ሎሚ ን ዘመናዊ ፍልቀታዊ ክልሰሓሳብ ዝነጽግዎ ከኣ እዚ ብዙሕ ግዜ ብ ግዱድ ዝኾነ ናይ ኣተይዝም ርእየተ ዓለም (እምነት ኣምላኽ ዘይብሎም) ተጠሚሩ ስለዝመጽእ እዩ። ተመራመርቲ ፍልቀት ዕላሞኦም መተካእታ መብርሂ ናይ መበገሲ ሂወትን ንምሃብን ብኡ ኣቢሎም ድማ መሰረት ናይ ኣተይዝም ንምሃብ እዩ ኢሎም ዳርጋ ኣይኣምኑን እዮም። ገና ድማ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ እዩ ሓደ ምኽንያት ናይ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት በዚ ሎሚ ንርእዮ መገዲ ዝጥመት።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና፡ “ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል።” (መዝሙር 14፡1፡ 53፡1)። መጽሓፍ ቅዱስ ብተወሳኺ ሰባት ኣብ ፈጣሪ ኣምላኽ ንዘይምእማኖም ምኽንያት የብሎምን ይብለና። “ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” (ሮሜ 1፡20)። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝኾነ ህላውነት ኣምላኽ ዝኽሕድ ዓሻ እዩ። ዕሽነት ን ብልሒ ዘይምህላው ኣይኮነን ዘመልክት። ግድነት’ዩ ተመራመርቲ ፍልቀት በእምሮኦም በላሕቲ እዮም። ዕሽነት ንፍልጠት ብጉቡእ ንዘይምጥቃም የመልክት። ምሳሌ 1፡7 “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ይብለና።

ን ፍልቀት ዝድግፉ እምነት ኣልቦ/ኣቴይስትስ ብዙሕ ግዜ ንስነ-ፍጥረትን ወይ ንበሊሕ ህንድስና ከም ዘይስነፍልጠታዊን ንስነፍልጠታዊ ምርምር ከምዘይበቅዕን ጌሮም ይንዕቁ እዮም። ሓደ ነገር “ስነፍልጠት” ተባሂሉ ንክቁጸር “ተፈጥሮኣዊ” ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ይካትዑ። ስነ-ፍጥረት ብትርጉም ኪንዮ ሕግታት ናይ ተፈጥሮኣዊ ዓለም እዩ። ኣምላኽ ክምርመር ስለዘይክእል፡ እቲ ክትዕ ድማ ይቕጽል፡ ስነ-ፍጥረትን ወይ በሊሕ ሃንዳሲን ስነፍልጠት ተባሂሎም ክቑጸሩ ኣይክእሉን።

ኣኽርር ኣቢልካ ንምዝራብ፡ ፍልቀት ዝያዳ ወይ ትሕቲ በሊሕ ምህንድስና ክረአ ወይ ክምርመር ኣይክእልን፡ ኮይኑ ግን ምስ ዘይኣምኑ ፍልቀታውያን እዚ ከም ጉዳይ ኣይመስልን። ከም ውጺኢቱ፡ ኩሉ ዳታ ብመገዲ ኣቐዲሙ ዝተሓስበ፡ ኣቐዲሙ ዝተገመተን ኣቐዲሙ ቅቡል ዝኾነን ርእዮተ ዓለም ናይ ተፈጥሮኣውነት ብዘይ መተካእታ መብርሂ ኣብ ግምት ከይኣተወ እዩ ዝጻረ።

መበገሲ ናይ ኣድማስ ይኹን መበገሲ ናይ ሂወት ቀጥታ ክምርመር ወይ ክረአ ኣይክእልን። ክልቲኦም ስነፍጥረት ይኹን ፍልቀት ቅቡላት ሓደ ደረጃ ናይ እምነት የድልዮም። ንመበገሲ ናይ ኣድማስን ሂወት ኣብ ኣድማስን ንምርኣይ ብ ግዜ ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና። እቶም ን ስነ-ፍጥረት ብትሪ ዝነጽጉ ድማ ብተመሳሳሊ ንፍልቀት ብስነ መጎት ክነጽጉ ዘገድዶም ባይታታት እዮም ዝገብርዎ።

ስነ-ፍጥረት ሓቂ እንተኾይኑ፡ ስለዚ ድማ ንሕና ንዑኡ ንሕተተሉ ፈጣሪ ኣሎ። ፍልቀት፡ ከምዚ ሎሚ ቀጻሊ ቀሪብዎ ዘሎ ድማ ንእምነት ኣልቦነት/ኣተይዝም ኣኻእሎ ዝህብ እዩ። ፍልቀት ንእምነት ኣልቦ ዝኾነ ሰባት/ኣተይስትስ፡ ካብ ፈጣሪ ወጺኢ ሂወት ከመይ ኢሉ ማዕቢሉ መብርሂ ባይታ ይህቦም። ስለዚ፡ ዘመናዊ ክልሰሓሳብ ናይ ፍልቀት መተካእታ ናይ “ዛንታ ስነ-ፍጥረት” ን ሃይማኖት ናይ ኣተይስትስ የገልግል።

መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ፈጣሪ እዩ። ዝኾነ ትርጉም ናይ ስነፍልጠት ንኣምላኽ ካብ ምፍጣር ንነገራት ንምውጽኡ ዝፍትን ከኣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረት ኣንጻር ፍልቀት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries