settings icon
share icon
ሕቶ

ናይ ሕብረት ጸሎት ኣገዳሲ ድዩ? ናይ ሕብረት ጸሎት ካብ በይንኻ ዝግበር ናይ ግሊ ጸሎት ይሕይል ድዩ?

መልሲ


ናይ ሕብረት ጾሎት ምስ ኣምልኾ፡ ናይ ድምጺ ዶክትሪን (ዶግማ)፡ ቁርባንን ከምኡ’ውን ሕብረትን ኣገዳሲ ክፋል ሂወት ናይ ቤተ ክርስትያን እዩ። እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ን ዶክትሪን ናይ ሃዋርያት ንምምሃር፡ እንጌራ ንሙቕራስን ከምኡ’ውን ብሓባር ንምጽላይን ቀጻሊ ትራኸብ ኔራ(ግብ 2፡42)። ምስ ካልኦት ኣመንቲ ብሓደ ክንጽሊ ኮሎና፡ እቲ ውጺኢት ድማ ኣዝዩ ኣወንታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሕብረት ጾሎት ናይ ሓባር እምነትና እናካፈልና ይሃንጸናን የሕብረናን እዩ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ዝነብር ሓደ መንፈስ ቅዱስ፡ ምስጋና ን ጎይታናን መድሓኒናን እናሰማዕና፡ ንዓና ብሓባር ኣብ ካልእ ሂወት ዘይርከብ ብፍሉይ ማእሰር ናይ ሕብረት እናጠመረ ንልብና ንክሕጎስ ይገብሮ።

ነቶም በይኖም ክህልዎ ዝኽእሉን ምስ ናይ ሂወት ጾር ድማ ዝቃለሱ ዘለዉን፡ ካልኦት ናብ ዝፋን ጸጋ ከተንስእዎም ክሰምዑ ከለው ድማ ዓቢ ምትብባዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንደኦም ከነማልድ እንከሎና እዚ ብተወሳኺ ኣባና ፍቕርን ንኻልኦት ምሕሳብን ይሃንጽ። ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሕብረት ጾሎት ድማ ነጸብራቕ ልቢ ናይ’ቶም ዝሳተፉ ዘለው ኣመንቲ ጥራይ ክኸውን እዩ። ናብ ኣምላኽ ብትሕትና ክንመጽእ እዩ ዘሎና (ያቆ 4፡10)፡ ሓቂ (መዝሙር 145፡18)፡ ምእዛዝ (1ዮሃንስ 3፡21-22)፡ ምስናይ ምስጋና (ፊሊጲ 4፡6) ከምኡ’ውን ብትብዓት (እብራውያን 4፡16)።

ዘጉሂ ነገር ድማ፡ ናይ ሕብረት ጾሎት መድረኽ ናይ’ቶም ቃላቶም ናብ ሰማዕቶም እምበር ናብ ኣምላኽ ዘየቕነዐ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ማቴዎስ 6፡ 5-8 የሱስ ካብ ከምዚ ዝበለ ባህሪ የጠንቅቐና፡ እዚ ድማ ንሱ ኣብ ጾሎትና ርኣዩኒ በሃልቲ፡ ንውሕ ዝበለ ኣሰልቸውቲ፡ ወይ ግቡዛት ከይንኸውን ይምዕደና፡ እንታይ ደኣ ንጾሎት ብግብዝና ከይንጥቀመሉ ምእንቲ ከነወግድ ኣብ ክፍልና ብሕቡእ ክንጽሊ ይምዕደና።

ኣብ ጽሑፍ ብመንጽር ኢድ ኣምላኽ ምስራሕ፡ ናይ ሕብረት ጸሎት ካብ ናይ ግሊ ጾሎት “ከምዝሕይል “ ዝነግረና ነገር የሎን። ኣዝዮም ብዙሓት ክርስትያናት ን ጾሎት ምስ “ነገራት ካብ ኣምላኽ ምርካብ” ጌሮም የማዕርይዎ ከምኡ ድማ ናይ ጉጅለ ጾሎት ብቐንዱ ዝርዝር ናይ ድሌታትና መንገሪ ኣጋጣሚ ይኸውን። ኮይኑግን መጽሓፍ-ቁዱሳዊ ጾሎታት ብዙሕ ገጻት ዘለዎም ኮይኖም፡ ንምሉእ ድሌት ንምእታው ናብ ተረዲኡካን ከምኡ’ውን ጥቡቕ ሕብረት ምስ ቅዱስ፡ ፍጹምን ጻድቕን ኣምላኽና የጠቓሉሉ። እዚ ከኣ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ እዝኑ ናብ ፍጥራቱ ብምድናን ምስጋናን ፍቕርን ብምልኣት ንክፈስስ ይገብር (መዝ 27፡4 63፡1-8)፡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ንስሓን ምንዛዝን የምጽእ (መዝ 51፡ ሉቋ 18፡ 9-14)፡ ዝፈስስ ውሬታን ምስጋናን የፈልፍል (ፊሊጲ 4፡6 ቆሎሴ 1፡12)፡ ከምኡከኣ ኣብ ክንዲ ካልኦት ሓቐኛ ዝኾነ ናይ ምምላድ ለመና ይፈጥር ( 2 ተሰሎንቄ 1፡11 2፡16)።

ስለዚ፡ ጾሎት፡ ንዕላማ ኣምላኽ ንምምጻእ ምስ ኣምላኽ ምዕያይ ማለት እዩ እምበር ንዑኡ ናብ ፍቓድና ንምድናን ምፍታን ኣይኮነን።

ንሕና ናብ’ቲ ንኩነታትና ካብና ንላዕሊ እምብዛ ዝፈልጥ ናይ ገዛእ ርእስና ድሌታት እናሓደግና ንዑኡ ድማ እናግዛእና ምስ ንኸይድ ከምኡድማ እቲ “ ቅድሚ ምሕታትካ እንታይ ከምዘድልየካ ዝፈልጥ” (ማቴዎስ 6፡8)፡ ጾሎትና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይበጽሕ። ስለዚ፡ ነቲ ሞሎኮታዊ ፍቓድ ብምግዛእ ዝቐርብ ጾሎት፡ እዚ ከኣ ብሓደ ሰብ ይቕረብ ወይ ብ ሽሕ ወትሩ ብኣወንታ እዩ ዝምለስ።

እቲ ናይ ሕብረት ጾሎት እዮም ዝያዳ ንኢድ ኣምላኽ ዘንቀሳቕሱ ዝብል ሓሳብ ካብ ጌጋ ኣተረጓጉማ ናይ ማቴዎስ 18፡19-20 እዩ ብዓቢኡ ዝመጽእ “ ” እዞም ጥቕስታት ኣብ ጉዳይ ናይ ሓጢኣት ዝገበረ ኣባል ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስነምግባር ወይ ዲድፕሊን ክስዓቡ ዘለዎም ኣገባባት ንምርኣይ እዮም ካብ ዓቢ ጽሑፍ መጺኦም። ን ኣመንቲ ዝኾነ ንኣምላኽ ክሓትዎ ዝሰማምዑ ነገር ብዘየገድስ ክሳብ ክንደይ ሓጢኣተኛ ወይ ስዲ ይኹን ናጻ ቸክ ከምዝህብ ቃል ከምዝኣቱ ምቱርጟሙ፡ እዚ ኣብ ዓውዲ ስነምግባር ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣይኣቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ ዳኣ ነቲ መጽሓፍ ይኽሕድ፡ ብፍላይ ድማ ንልዑልነት ኣምላኽ።

ብተወሳኺ፡ ክጽልዩ “ክልተ ወይ ሰለስተ ምስዝእከቡ”፡ ገለ ሓያል ማጂካዊ ወይ ሽሑራዊ ሓይሊ ቀጥታ ናብ ጾሎትና ይመጽእ ኢልካ ምእማን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዱጉፍ ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ክልተ ወይ ሰለስተ ክጽልዩ ከለው የሱስ ኣብ’ኡ ኣሎ፡ ኮይኑ ግን ብማዕሪኡ ድማ ሓደ ሰብ ንበይኑ ክጽሊ ከሎ ድማ ኣብ’ኡ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ዋላ እቲ ሰብ ብኣሽሓት ማይላት ካብ ካልኦት ይፈለ። ናይ ሕብረት ጾሎት ኣገዳሲ እዩ ምክንያቱ ሕብረት ስለ ዝፈጥር (ዮሃንስ 17፡22-23)፡ ከምኡ ድማ ቀንዲ መዳይ ናይ ሓድሕድ ምብርትታትዕ ናይ ኣመንቲን (1 ተሰሎንቄ 5፡11) ናይ ሓድሕድ ንፍቕርን ሰናይ ግብርን መበገሲ ውን እዩ (እብራውያን 10፡ 24)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ናይ ሕብረት ጸሎት ኣገዳሲ ድዩ? ናይ ሕብረት ጸሎት ካብ በይንኻ ዝግበር ናይ ግሊ ጸሎት ይሕይል ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries