settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ናይ ድራር ጎይታ/ቁርባን ክርስትያን ኣገዳስነት?

መልሲ


መጽናዕቲ ድራር ጎይታ ብምኽንያት እቲ ሒዝዎ ዘሎ ዓሚቚ ትርጒም ነፍሲ ዘነቓቕሕ ተሞክሮ እዩ ፡፡ ኣብ ድሮ ምማቱ ፡ የሱስ ነቲ ናይ ጥንቲ በዓል ፋሲካ ናብቲ ክሳዕ ሕጂ ነብዕሎ ዘሎና ኣገዳሲ ዝዀነ ሓድሽ ናይ ሕብረት መኣዲ ለዊጥዎ እዩ ፡፡ ካብ ኣምልኾ ዘይንጸል ክፋል እዩ ፡፡ ንሞትን ትንሳኤን ጎይታና ክንዝክሮን ንግርማዊ ምጽኣቱ ክንጸባበዮን ይገብረና ፡፡

ፋሲካ እታ ኣዝያ ቅድስቲ በዓል ኣይሁድ እያ ፡፡ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ናይ መወዳእታ መዓት እያ ተዘኻኽር ፡ ቦኽሪ ግብጻውያን እንክመውት ፡ እስራኤላውያን ድማ ሳላ እቲ ኣብ ልዳቶም ዝነጸግዎ ደም ተናሒፎም ፡፡ እቲ ገንሸል ሽዑ ተጠቢሱ ምስ ዘይበዂዔ ቅጫ ይብላዕ ፡፡ እቲ ብዓል ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሕሎ ከምዘለዎ ትእዛዝ ኣምላኽ ነበረ ፡፡ እቲ ዛንታ ኣብ ዘጸኣት 12 ተሰኒዱ ኣሎ ፡፡

ኣብ እዋን ድራር ጎይታ ናይ ብዓል ፋሲካ ፡ የሱስ ቊራስ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ ፡፡ ቈሪሱ ንደቀመዛሙርቱ ምስሃቦም ፡ ከምዚ በለ፡ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም ። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ (ሉቃስ 22፡ 19-21) ። ነቲ በዓል ብመዝሙር ምስጋና ዛዚምዎ (ማቴዎስ 26፡30) ፡ ብምሸት ድማ ናብ ደብረ ዘይቲ ከዱ ፡፡ ከምቲ እተነበየሉ ድማ ኣብኡ እዩ የሱስ ብይሁዳ ተኻሒዱ ፡፡ ኣብታ ትስዕብ መዓልቲ እዩ የሱስ ተሰቒሉ ፡፡

ጸብጻባት ድራር ጎይታ ኣብ ወንጌላት ይርከቡ እዮም (ማቴዎስ 26፡26-29 ፥ ማርቆስ 14፡ 17-25 ፥ ሉቃስ 22፡7-22፥ ዮሃንስ 13፡21-30) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ድራር ጎይታ ኣመልኪቱ ኣብ 1 ቆሮንቶስ 11፡23-29 ጽሒፉ ኣሎ ፡፡ ጳውሎስ ኣብተን ወንጌላት ዘየልቦ መግለጺ ይዛረብ ፡ ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። ከይተገብኦ እንጌራ ዝበልዕ ወይ ጽዋእ ዝሰቲ እንታይ ማለት እዩ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ናይቲ እንጌራን ጽዋእን ሓቀኛ ትርጉም ዕሽሽ ምባልን ፡ ነቲ ክርስቶስ ንምድሓንና ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ምርሳዕን እዩ ። ወይ ከኣ ፡ ነቲ ብዓል ምውትን ስርዓታውን ጌርካ ፡ ወይ ሓጢኣትካ ከይተናዘዝካ ናብ ስጋ ጎይታ ምቕራብ እዩ። ከምቲ ትምህርቲ ጳውሎስ፡ እንጌራ ቅድሚ ምብላዕናን ካብቲ ጽዋእ ቅድሚ ምስታይናን ነብስና ክንምርምር ይግባኣና እዩ ፡፡

ጳውሎስ ኣብተን ወንጌላት ዘይርከብ ዝሃቦ ካልእ መግለጺ ፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ ሞቱ ትነግሩኢኹም(1ቆሮንቶስ 11፡26)። ክሳዕ ጎይታና ዝመጽእ ኣብቲ ብዓል ናይ ግዜ ገደብ ይገብር። ካብዘን ሒደት ጸብጻባት ፡ የሱስ በዘን ክልተ ድኹማት ነገራት ተጠቂሙ ብምልክት ስጋኡን ደሙን ናይ ሞቱ ሓወልቲ ጌሩ ኣቘመን፡፡ ብሓወልቲ ናይ ዝተጸርበ ማርሞ ወይ ናይ ዝተቐርጸ ኣስራዚ ዘይኰነስ ፡ ብእንጌራን ወይንን እዩ።

እቲ ዝቑረስ እንጌራ ብዛዕባ እቲ ዝቑረስ ስጋኡ ከምዝዛረብ ኣወጀ ። ዓጽሙ ኣይተሰብረን ፡ ሰብነቱ ግና ንምልላዩ ክሳዕ ዘጸግም ብሕሰም ተኸትከተ (መዝሙር 22፡12-17 ፥ ኢሳይያስ 53፡4-7) ፡፡ እቲ ወይኑ ብዛዕባ ደሙ ይዛረብ ፡ ናይቲ ዝመጽእ ዘሰክሕ ሞት እንከመልክት ፡፡ ንሱ እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ መፈጸምታ ኲሉ እቲ ፍቕዲ ዘይብሉ ትንቢታት ናይ መድሓኒ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኰነ (ዘፍጥረት 3፡15፥መዝሙር 22 ፥ ኢሳይያስ 53)። ንሱ ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ ክብል ከሎ ፡ ንመጻኢ ክቕጽል ዝግብኦ ብዓል ከምዝዀነ እዩ ኣመልኪቱ። ኣብ ፋሲካ ዝሕረድ ዝነበረ ገንሸል፡ ናይቲ ዝመጽእ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ የመልክት ኔሩ ፡ኣብ ድራር ጎይታ ከኣ ተፈጺሙ ። ሓድሽ ኪዳን ንብሉይ ኪዳን ዝተክኦ ፡ ክርስቶስ ከም ገንሸል ፋሲካ (1 ቆሮንቶስ 5፡7) ምስተሰውአ እዩ (እብራውያን 8፡8-13)። ስርዓት መስዋእቲ ደጊም ኣየድልን እዩ (እብራውያን 9፡25-28) ። ድራር ጎይታ /ቁርባን ክርስትያን ናይቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ነገር መዘከርታ እዩ ፡ ናይቲ ሳላ መስዋእቱ ዝተቐበልናዮ ንጽምብሎ ብዓል እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ናይ ድራር ጎይታ/ቁርባን ክርስትያን ኣገዳስነት?
© Copyright Got Questions Ministries