settings icon
share icon
ሕቶ

ንምንታይ እዩ ናብ ቤተክርስትያን ምምልላስ ኣገዳሲ ዝኸውን?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ኴንና ንኣምላኽ ከነምልኾን ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤትና ዝዀነና ቃሉ ክንመሃርን ንቤተክርስትያን ክንከታተል ከም ዘድልየና ይነግረና እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ንትምህርቲ ሃዋርያትን ንሕብረትን ንምቚራስ እንጌራን ንጸሎትን ርእሶም ይውፍዩ ነበሩ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡42)። ንከምዚ ዓይነት ተወፋይነትን ከምኡ ዘመሰለን ኣብነት ጌርና ክንስዕብ ይግብኣና። ሽዑ ውሱን ህንጻ ቤተክርስትያን ኣይነበረን ፡ ነንመዓልቱ ግና ኣብ ቤተመቕደስ ሓቢሮም ምርኻብ ቀጸሉ። ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ (ግብሪ ሃዋርያት 2 ፡ 46)። ኣመንቲ ኣብ ዝተኣከቡሉ ዘበለ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ሕብረት ክገብሩን ቃል ኣምላኽ ክመሃሩን ይደልዩ።

ኣብ ቤተክርስትያን ምክትታል ጽቡቕ ሓሳብ ጥራይ ኣይኰነን ፡ ንኣመንቲ ዝኸውን ፍቓድ ኣምላኽ እዩ፡፡ እብራውያን 10፡25 ከምዝብሎ ፡ እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ ። ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ከይተረፈ ፡ ገሌታቶም ምስ ካልኦት ኣመንቲ ዘይምሕባር ልማድ ጌሮሞ ነበሩ። ጸሓፊ እብራውያን ከምኡ ኣይትኹኑ እዩ ዝበለ። ክትትል ቤተክርስትያን ግቡእ ምዃኑ ምትብባዕ የድልየና እዩ። እቲ መወዳእታ ዘመን ብምቕራቡ እውን ናብ ቤተክርስትያን ዝያዳ ክንከይድ እዩ ክድርኸና ዘለዎ።

ቤተክርስትያን ኣመንቲ ንሓድሕዶም ክፋቐሩሉ ዝኽእሉ ስፍራ እዩ (1ዮሃንስ 4፡12) ፡ ንሓድሕዶም ዝመዓዓዱሉ (እብራውያን 3፡13)፡ ንፍቕሪ ሓድሕድን ንሰናይግብርን ዘስተብህሉሉ (እብራውያን 10፡24)፡ ንሓድሕዶም ዝገዛዝኡሉ(ገላትያ 5፡13) ፡ ንሕድሕዶም ዝመሃሃሩሉ (ሮሜ 15፡14) ፡ ንሓድሕዶም ዝከባበሩሉ (ሮሜ 12፡10) ፡ ንሓድሕዶም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ዝዀኑሉን (ኤፌሶን 4፡32) እዩ ፡፡

ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ምስደሓነ ፡ ኣብታ ስጋ ክርስቶስ ኣባል ይኸውን (1 ቆሮንቶስ 12፡ 27)። ቤተክርስትያን ኣካል ኰይና ከምቲ ዝግባእ ክትዓዪ ምእንቲ ፡ ኲሎም እቶም ኣካላት ሓቢሮም ክዓዩ ኣለዎም (1ቆሮንቶስ 12፡14-20)። ኣብ ቤተክርስትያን ክትከታተል ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን ፡ ኣብ ገለ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ይግብኣና እዩ ፡ እዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ውህበታት እናተጠቀምና እዩ (ኤፌሶን 4፡ 11-13)። እቲ ኣማኒ ብዘይ ናይ ውህበታቱ መውጽኢ ኣፍደገ ናብ ምሉእ መንፈሳዊ ብስለት ከቶ ኣይበጽሕን እዩ ፡ ኲላትና ናይ ካልኦት ኣመንቲ ደገፍን ምትብባዕን የድልየና እዩ (1 ቆሮንቶስ 12፡21-26) ፡፡

በዝን ካልእን ምኽንያታት ፡ ናይ ቤተክርስትያን ክትትል ፡ ተሳትፎን ሕብረትን ፡ መደበኛ መዳያት ሓደ ኣማኒ ክኸውን ኣለዎ። ሰሙናዊ ናይ ቤተክርስትያን ክትትል ንኣመንቲ ትርጉም የብሉን፡ እንታይ ድኣ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ ግና ንኣምላኽ ከምልኽን ፡ ቃሉ ክቕበልን ፡ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ክሓብርን ክደሊ ኣለዎ።

የሱስ ናይ ቤተክርስትያን እምኒ መኣዝን እዩ (1 ጴጥሮስ 2፡6) ፡ ንሕና እውን ከም ህያዋን ኣእማን ኢና ……ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ከነቕርብ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ንተሃነጽ (1 ጴጥሮስ 2፡5)። ከም መሳርሒ ህንጻ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ቤት ፡ ኣብ ንሓድሕድና ባህርያዊ ዝኾነ ምትእስሳር ኣሎና ፡ እዚ ድማ ቤተ -ክርስትያን ናብ ቤተክርስትያን ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ ድማ፡ እቲ ምትእስሳር ጎሊሑ ይረአ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንምንታይ እዩ ናብ ቤተክርስትያን ምምልላስ ኣገዳሲ ዝኸውን?
© Copyright Got Questions Ministries