settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ይኽእል ድዩ? ክርስትያን ጋኔን ክኣትዎ ይኽእል ድዩ?

መልሲ


ዋላ’ኳ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ብ ጋኔን ክትሓዝ ይኽእል እንተኮይኑ ብግልጺ ዘይገልጽ እንተኾነ፡ ተተሓሓዝቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብምልኣት ክርስትያናት ብጋኔን ክትሓዙ ከምዘይክእሉ እዮም ዘነጽሩ። ኣብ ሞንጎ ብጋኔን ምትሓዝን ከምኡድማ ብጋኔን ተቓውሞ ምግጣምን ርኡይ ፍልልይ ኣሎ። ብጋኔን ምትሓዝ ቀጥታዊ/ምሉእ ምቁጽጻር ብጋኔን ኣብ ልዕሊ ሓሳባትን ወይ ተግባራትን ናይ ሓደ ሰብ የጠቓልል (ማቴዎስ 17፡14-18፡ ሉቃስ 4፡33-35፡ 8፡27-33)። ናይ ጋኔን ተቓውሞ ወይ ጽልዋ ድማ ሓደ ጋኔን ወይ ኣጋንንቲ ንሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ነገር ከጥቅዕዎን ወይ ድማ ንዑኡ ወይ ንዓኣ ናብ ናይ ሓጥያት ባህሪ ከተባብዕዎን ከለዉ እዩ። ኣብ ኩሎም ምስ መንፈሳዊ ውግእ ዝተሓሓዙ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽሑፋት፡ ካብ ኣማኒ ጋኔን ንምውጻእ መምርሒታት የለዉን (ኤፈሶን 6፡10-18)። ኣመንቲ ን ድያብሎስ ክቃወምዎ እዮም ዝንገሩ እምበር ንከውጽእዎ ኣይኮኑን (ያእቆብ 4፡7፡ 1 ጴጥሮስ 5፡8-9)።

ክርስትያናት ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዮም (ሮሜ 8፡9-11፡ 1 ቆሮንጦስ 3፡16፡ 6፡19)። ብርግጽ መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ንሱ ዝሓደሮ ሰብ ጋኔን ክሓድሮ ኣየፍቅድን እዩ። ኣምላኽ ብደም ክርስቶስ ዝዓደጎን (1 ጴጥሮስ 1፡18-19) ሓድሽ ፍጥረት ድማ ዝገበሮ (2 ቆሮንጦስ 5፡17) ንሓደ ካብ ውሉዱ ብጋኔን ክትሓዝን ክግዛእን ከፍቅድ ዘይሕሰብ እዩ። እወ፡ ከም ኣመንቲ ንሕና ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ውግእ ንእውጅ ኢና፡ እዚ ግን ኣብ ውሽጥና ስለዘለው ኣይኮነን። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ይብል “ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም (1 ዮሃንስ 4፡4)።” ኣባና ዘሎ መን እዩ? መንፈስ ቅዱስ። መን እዩ ኣብ ዓለም ዘሎ? ሰይጣንን ኣጋንንቱን። ስለዚ ድማ ኣማኒ ናይ ኣጋንንቲ ዓለም ሲዒርዎ እዩ፡ ስለዚ ድማ ብጋኔን ናይ ምትሓዝ ጉዳይ ብጽሑፍ መሰረት ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብጽኑዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖ ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ኣይክእልን ዝብል ኣብ ግምት የእቲና፡ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ን “ብጋኔን ምትሓዝ” ዝብል ኣምር፡ ጋኔን ን ክርስትያን ክሕዝ ከሎ ንምምልካት ይጥቀሙሉ። ገለ ድማ ዋላ’ኳ ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ኣይክእልን እዩ እንተበሉ፡ ግን ጋኔን ክኣትዎ ይኽእል እዩ ይብሉ። ብልክዕነት ንምዝራብ መግለጺ ናይ ጋኔን ምእታው ኣብ መወዳእታ ምስ መግለጺ ናይ ብጋኔን ምትሓዝ ሓደ እዩ። ስለ’ዚ ተመሳሳሊ ጉዳይ ይኸውን ማለት እዩ። ኣምራት ምልውዋጥ ድማ ነቲ ጋኔን ንክርስትያን ክሓድሮ ወይ ብሙሉእ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ዝብል ሓቂ ኣይልውጦን እዩ። ኣጋንንታዊ ጽልዋን ተቓውሞን ንክርስትያና ብዘየጠራጥር መገዲ ብሓቂ ኣለዉ። እንየኾነ ግን ሓደ ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ወይ ጋኔን ክኣትዎ ይኽእል እዩ ምባል ግን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ።

ዝበዝሐ ብድሕሪ ክትዕ ናይ ጋኔን ምእታው ዝብል ሓሳብ ዘሎ ድማ ውልቃዊ ተመክሮ ናይ ሓደ ክርስትያን ርጉጽ ብጋኔን ከምዝተታሕዘ መርትዖ ኣርእዩ ዝብል እዩ። ዋላ’ኳ ንሕና ንምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ውልቃዊ ተመክሮ ዘይነፍቅድ ሙዃንና ብቐንዱ ኣገዳሲ እዩ። እንታይ ዳኣ ንሕና ናህና ውልቃዊ ተመክሮ ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከነጻርዮ ኣሎና(2 ጢሜጤዎስ3፡16-17)። ንሓደ ክርስትያን ኢልና ዝሓስብናዮ ሰብ ብጋኔን ናይ ምትሓዝ ባህሪ ከርኢ እንተድኣ ተመልኪትና ናቱ/ናታ ሓቅነት ናይ እምነቱ ኣብ ሕቶ ከነእትዎ ኣሎና። እዚ ንዓና ሓደ ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ወይ ጋኔን ክኣትዎ ይኽእል ድዩ ዝብል ኣረኣእያና ክልውጦ ኣይግባእን። ምናልባት እቲ ሰብ ብሓቂ ክርስትያን እዩ እንተኾነ ግን ጋኔን ኣዝዩ ይጻረሮ ኣሎ ከምኡድማ/ወይ ብከቢድ ናይ ኣእምሩኣዊ ጸገማት ይሽገር ኣሎ ማለት እዩ። ኮይኑ ግን ደጊምና፡ ናህና ተመክሮታት ካልእ ዘይኮነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፈተና ከማልእ ኣለዎ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያን ብጋኔን ክትሓዝ ይኽእል ድዩ? ክርስትያን ጋኔን ክኣትዎ ይኽእል ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries