settings icon
share icon
ሕቶ

ብከመይን መዓስን እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀኖና ተጠርኒፉ?

መልሲ


እቲ ቀኖና ዝብል ቃል ነቶም መለኮታዊ ኣስተንፍሶ ዘለዎም መጻሕፍቲ እዩ ዘመልክት ፡ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝኣቱ። ምምራጽ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ኣሸጋሪ ዝዀነሉ ምኽንያት ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣትዉ ዘለዎም መጻሕፍቲ ስለዘይተነግረ እዩ ፡፡ ምምራጽ ቀኖና ፈለማ ዝተወሰነ ብናይ ኣይሁድ ረበናትን ሊቃውንትን ድሒሩ ከኣ በቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እዩ ፡፡ ኣማስያኡ ፡ ኣየኖት መጻሕፍቲ እዮም ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣትዉ ኣምላኽ እዩ ወሲንዎ ፡፡ቅዱስ ጽሑፍ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኣስተንፍሶ ጀሚሩ እዩ ኣብ ቀኖና ዝኣቱ ፡፡ ብቐሊሉ እዚ ፡ ኣየኖት መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣትዉ ከምዘለዎም፡ ኣምላኽ ነቶም ዝስዕብዎ ሰባት ዘእመነሉ ጉዳይ እዩ ፡፡

ምስ ሓድሽ ኪዳን ተነጻጺሩ ፡ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ቀኖና ውሑድ ክርክር እዩ ዝነበረ ፡፡ እብራውያን ኣመንቲ ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ይኣምንዎም ነበሩ ፡ ነቲ ጽሑፋቶም ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም ጌሮም ይቕበልዎ ነበሩ ፡፡ ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ቀኖና ገለ ክትዓት ምንባሩ ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ ፡ ብ 250 ዓም ኣብ ቀኖና ብሉይ ኪዳን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ስምምዕ ተጌሩ ነበረ ፡፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ ፡ ጉዳይ መጽሓፍ ኣዋልድ እዩ ፡ ክትዕን ዝርርብን ድማ ክሳዕ ሎሚ ይካየድ ኣሎ፡፡ መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ኣይሁድ ፡ ነቲ መጽሓፍ ኣዋልድ ከም ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሰነዳት እዮም ዝቖጽርዎም ኔሮም ፡ ማዕረ እቲ እብራዊ ቅዱሳት ጽሑፋት ጌሮም ግና ይርእይዎም ኣይነበሩን ፡፡

ኣብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ፡ መስርሕ ኣፍልጦን ምእካብን ፡ ኣብተን ቀዳሞት ናይ ቤተክርስትያን ዘመናት እዩ ጀሚሩ ፡፡ እቲ ቅድም ገለ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣፍልጦ ክወሃቦም ጀሚሩ ኔሩ ፡፡ጳውሎስ ንጽሑፋት ሉቃስ ከም ናይ ብሉይ ኪዳን ስልጣን ዘለዎ ጌሩ ይሪኦ ነበረ (1 ጢሞ ቴዎስ 5፡18 ፥ ዘዳግም 25፡4 እውን ተመልከት፡ሉቃስ 10፡7 ከኣ)፡፡ ጴጥሮስ ንጽሑፋት ጳውሎስ ከም ቅዱስ ጽሑፍ ጌሩ ኣፍልጦ ሂብዎ ነበረ (2 ጴጥሮስ 3፡15-16)፡፡ ገለ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣብተን ማሕበራት ይዘውር ነበረ (ቆሎሴ 4፡16 ፥ 1 ተሰሎንቄ 5፡27) ፡፡ ቅለሜንጦስ ናይ ሮማ ብውሑዱ ሸሞንተ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ረቚሑ እዩ ( 95 ዓም) ፡፡ ኢግናጥዮስ ናይ ኣንጥያኮስ ሾብዓተ መጻሕፍቲ ረቚሑ እዩ(115 ዓም) ፡፡ ፖሊካርፕ ወደመዝሙር ዮሃንስ፡ 15 መጻሕፍቲ ኣፍልጦ ሂብለን ነበረ(108 ዓም) ዳሕራይ ፡ ኢራንዮስ 21 መጻሕፍቲ ረቚሑ ነበረ (185 ዓም)፡፡ ሂፖሊተስ 22 መጻሕፍቲ ረቚሑ

(170-235 ዓም) ፡፡ ብዙሕ ክርክራት ዘምጽኣ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ፡ እብራውያን ፡ ያእቆብ፡2 ጴጥሮስ ፡ 2 ዮሃንስ፡ 3 ዮሃንስ እየን።

እቲ ናይ ፈለማ ቀኖና ፡ ኣብ 170 ዓም ዝተሰናደወ ናይ ሙራቶርያን ቀኖና ነበረ ፡፡ ናይ ሙራቶርያን ቀኖና ንኲሉ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን የካትት ነበረ ፡ ብዘይካ እብራውያን ፡ ያእቆብ ፡ 1, 2 ጴጥሮስ ከምኡውን 3 ዮሃንስ ፡፡ኣብ 363 ዓም ጉባኤ ሎዶቅያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ ብሉይ ኪዳን ጥራይን (ምስመጽሓፍ ኣዋልድ ዘለዎ) ፡ ከምኡውን እተን 27 መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ እየን ኣብተን ማሕበራት ክንበባ ዘለወን ፡፡ ጉባኤ ሂፖ (393 ዓም) ፡ ከምኡውን ጉባኤ ካርቴጅ (397 ዓም) ፡ ነተን 27 መጻሕፍቲ ከም ስልጣን ዘለወን መጻሕፍቲ ኣመሳኺርዎ እዩ ፡፡

ጉባኤታት ኣብ ምውሳን ኣስተንፍሶ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ከምዚ ዝስዕብ መትከላት እየን ተጠቂመን ፡ (1) እቲ ደራሲ ሃዋርያ ድዩ ወይ ምስ ሃዋርያ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ድዩ ? (2) እታ መጽሓፍ ብሰፊሑ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ተቐባልነት ኔርዋዶ ? (3) እታ መጽሓፍ ተቓዳዊ ዶክትሪን ወይ ምህሮ ሓቂ ኣለዋ'ዶ ? (4) እታ መጽሓፍ ንስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዘንጸባርቕ ልዕል ዝበለ ሞራልዋን መንፈሳውን ክብርታት ኣለዋ ዶ ? እንደገና ንምዝካሩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፡ ቤተክርስትያን ንቀኖና ከምዘይወሰነቶ እዩ ፡፡ ኣብ ቀኖና ዝወሰነት ጉባኤ ቀዳሞት ኣብያተ-ክርስትያን ኣይነበረትን ፡፡ ኣየኖት መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝኣትዋ ኣምላኽ ጥራይ ዝውስኖ፡፡ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ ፡ ነቶም ዝስዕብዎ ሰባት ኣካፊልዎም እዩ፡፡ ሰብኣዊ መስርሕ ምእካብ ናይ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበር ኔርዎ እዩ ፡ ኣምላኽ ግና ብልኡላውነቱ ፡ ዘይከም እቲ ድንቊርናናን ህልኽናን ፡

እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ነቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረሉ መጻሕፍቲ ንከተለልዮ ኣኽኢልዋ እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ብከመይን መዓስን እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀኖና ተጠርኒፉ?
© Copyright Got Questions Ministries