settings icon
share icon
ሕቶ

ካልቪናዊ ኣንጻር ኣርመኒንያዊ-ኣየናይ ኣረኣእያ እዩ ትኽክል?

መልሲ


ካልቪናዊነት ከምኡ’ውን ኣርመኒንያዊነት ክልተ ስርዓታት ናይ ስነ-መለኮት ኮይኖም እዚኦም ኣብ ሞንጎ ናይ ኣምላኽ ልዑልነትን ናይ ሰብ ሓላፍነትን ኣብ ጉዳይ ምድሓን ይዛረቡ። ካልቪናውነት ብስም ፈረንሳዊ ናይ ስነ-መለኮት ምሁር ዝኾነ ካብ 1509-1564 ዝነብር ዝነበረ ጆን ካልቪን እዩ ዝጽዋዕ። ኣርመኒንያዊነት ድማ ብስም ናይ ዳች ናይ ስነ-መለኮት ምሁር ዝኾነ ካብ 1560-1609 ዝነብር ዝነበረ ጃኮቡስ ኣርሚኒናስ እዩ ዝጽዋዕ።

ክልቲኦም ስርዓታት ብሓሙሽተ ነጥብታት ክጽሞቑ ይኽእሉ። ካልቪናዊነት ንፍጹም ውድቀት ናይ ሰብ ይሕዝ፡ ኣርመኒንያዊነት ግን ንከፊላዊ ውድቀት ሰብ ይሕዝ። ካልቪናዊ ትምህርቲ ናይ ፍጹም ውድቀት ሰብ ድማ ነፍሲ-ወከፍ መዳይ ናይ ሰብ ብሓጥያት ከም ዝተባላሸወ ይገልጽ፡ ስለ’ዚ ድማ ሰባት ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ኣምላኽ ክመጹ ኣይክእሉን እዮም። ከፊላዊ ውድቀት ግን ነፍሲ-ወከፍ መዳይ ናይ ሰብ ብሓጥያት ተበላሽዩ እዩ፡ ኮይኑ ግን ክሳብ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ናብ ኣምላኽ ክመጹ ዘይክእሉ ኣይኮነን ኢሉ ይገልጽ። ኣስተብህል፡ እቲ ናይ ቀደም ኣርመኒንያዊነት ን “ከፊላዊ ውድቀት” ይነጽግን ምስ ካልቪናዊ “ፍጹም ውድቀት” ዝቀራረብ ርእይቶ ድማ ይሕዝ (መጠንን ትርጉምን ናይ ውድቀት ኣብ ናይ ኣርመኒንያዊ ክቢ ኣካታዒ እዩ)። ብሓፈሻ ኣርመኒንያዊነት ኣብ ሞንጎ ውድቀትን ምድሓንን “ናይ ሞንጎ” ኩነት ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ’ዚ ኩነት፡ ብዘኽእል ጸጋ ዝክኣል ኮይኑ፡ እቲ ሓጥእ ናብ ክርስቶስ ይስሓብን ከምኡድማ ምድሓን ክመርጽ ብኣምላኽ ዝውሃብ ኣኻእሎ ድማ ኣለዎ።

ካልቪናዊነት ሕርየት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ዝብል እምነት ይሕዝ፡ ኣርመኒንያዊነት ግን ኣብ ቅድመ-ኩነታዊ ሕርየት ይኣምን። ዘይ ቅድመ-ኩነታዊ ሕርየት ዝብል ድማ ኣምላኽ ብዝኾነ ኣብ ሰብ ዘሎ ነባሪ ብቕዓት ዘይኮነ ጠቕላላ ብፍቓዱ እዩ ንሰባት ናብ ምድሓን ይሓርዮም ዝብል ኣረኣእያ እዩ። ቅድመ-ኩነታዊ ሕርየት ድማ ኣምላኽ ንሰባት ናብ ምድሓን ዝሓርዮም መን ንምድሓን ኣብ ክርስቶስ ይኣምን ኣቐዲሙ ስለዝፈልጦ፡ በዚድማ እቲ ሰብ ከም ቅድመ ኩነት ንኣምላኽ ይሓርዮ።

ካልቪናዊነት ንዕርቂ ኣብ መስቀል ከም ድሩት ይርእዮ፡ ኣርመንያናዊ ግን ደረት ኣልቦ ጌሩ ይርእዮ። እዚኣ እያ ካብቶም ሓሙሽተ ነጥብታት እታ ቀንዲ ኣካታዒት። ድሩት ዝኾነ ዕርቂ ማለት የሱስ ነቶም ሕሩያት ጥራይ እዩ ሞይቱ ዝብል እምነት እዩ። ደረት ኣልቦ ዕርቂ ድማ የሱስ ንኹሉ እዩ ሞይቱ፡ ኮይኑ ሓደ ሰብ ብእምነት ክሳብ ዝቕበሎ ሞቱ ውጺኢታዊ ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ።

ካልቪናውነት ንጸጋ ኣምላኽ ክንጸግ ዘይክእል እዩ ኢሉ ይኣምን፡ ኣርመኒንያውነት ግን ሰብ ነቲ ጸጋ ክነጽጎ ይኽእል እዩ ኢሉ ይኣምን። ክንጸግ ዘይክእል ጸጋ ዝብል ድማ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ናብ ምድሓን ምስ ጸወዖ፡ እቲ ሰብ ግድን እዩ ናብ ምድሓን ክመጽእ ኢሉ ይካታዕ። ክንጸግ ዝኽእል ጸጋ ድማ ኣምላኽ ናብ ምድሓን ይጽውዕ፡ ኮይኑ ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ጽውዓ ይኣብዩን ይነጽጉን ይብል።

ካልቪናውነት ንምጽናዕ ቅዱሳን ይሕዝ፡ ኣርመንያውነት ግንን ቅድመ-ኩነታዊ ምድሓን ይሕዝ። ምጽናዕ ቅዱሳን ዝብል ሓሳብ ድማ ብኣምላኽ ዝተሓርየ ሓደ ሰብ ኣብ እምነት ይጸንዕን ፈጺሙ ድማ ንክርስቶስ ኣይክሕድን ወይ ካብኡ ኣይከይድን። ቅድመ-ኩነታዊ ምድሓን ግን ኣማኒ ክርስቶስ ብናቱ/ናታ ነጻ ፍቓድ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ይኽእልን በዚ ድማ ምድሓን ይስእን ዝብል ርእይቶ እዩ። ኣስተውዕል-ብዙሓት ኣርመኒንያዊያን ነዚ “ቅድመ-ኩነታዊ ምድሓን” ይኽሕድዎን “ንዘልኣለማዊ ምትእምማን” ድማ ይሕዙ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ ናይ ካልቪንያዊ ኣንጻር ኣርመኒናዊ ክትዕ፡ መን እዩ ትኽክል ዘሎ? ኣብ ብዙሓት ኣካል ክርስቶስ ዝኾኑ፡ ሕውስዋስ ኩሎም ዓይነታት ናይ ካልቪንያዊን ከምኡ’ውን ኣርመኒናዊን ዘለዉዎም ሙዃኖ ደስ መሳጢ እዩ። ሓሙሽተ ነጥብታት ካልቪንያዊያን ከምኡ’ውን ሓሙሽተ ነጥብታት ኣርመኒናዊያን ኣለዉ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ሰለስተ ነጥቢ ካልቪንያዊያን ከምኡ ድማ ክልተ ነጥቢ ኣርመኒናዊ ኣለው። ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ገለ ዓይነት ሕውስዋስ ናይ’ዞም ክልተ ርእይቶታት ይዓልቡ። ኣብ መወዳእታ፡ ናህና ርእይቶ ድማ ክልቲኦም ነቲ ክግለጽ ዘይክኣል ክገልጹ ምፍታኖም ይፈሽሉ። ሰባት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ብምላኣት ክጭብጡ ኣይክእሉን እዮም። እወ፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ልዑላዊ እዩ ከምኡ ድማ ኩሉ ይፈልጥ እዩ። እወ፡ ሰባት ንምድሓን እምነቶም ኣብ ክርስቶስ ጌሮም ሓቀኛ ዝኾነ ውሳኔ ክገብሩ ተጸዊዖም እዮም። ንዓና እዞም ክልተ ሓቅታት ተጋጨውቲ ይመስሉ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ልክዕ ዝኾነ መረዳእታ ይገብሩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ካልቪናዊ ኣንጻር ኣርመኒንያዊ-ኣየናይ ኣረኣእያ እዩ ትኽክል?
© Copyright Got Questions Ministries