settings icon
share icon
ሕቶ

ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን እንታይ ማለት እዩ፤ ብኸመይ ዳግም ይውለድ?

መልሲ


ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን እንታይ ማለት እዩ፤ ነዚ ዝምልስ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዮሃንስ 3፡1-21 ኣሎ፡፡ ኣብዚ ጽሑፍ፡ ጎይታ የሱስ ምስቲ ሓደ ካብ ኣቕሉቕ ኣይሁድን ፈሪሳውን ዝኾነ ኒቀዲሞስ ይዛረብ ኣሎ፡፡ ኒቀዲሞስ ገለ ሕቶታቱ ሒዙ ብለይቲ ናብ የሱስ መጸ፡፡

የሱስ ንኒቀዲሞስ ከምዚ በሎ፡ …ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክርእያ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡፡ ኒቀዲሞስ ከኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ ክውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፤ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ክውለድ ይከኣሎ እዩ፤ በሎ፡፡ የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን፡፡ ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ፡፡ ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይተገረም (ዮሃንስ 3፡3-7)፡፡

እምበኣር እቲ ዳግም ምውላድ እንብሎ ኻብ ላዕሊ ምውላድ ማለት እዩ፡፡ ኒቀዲሞስ ዓብዪ ነገር ስኢኑ ነይሩ፡፡ ምቕያር ልቢ፡ ምሕዳስ መንፈስ ምርካብ የድልዮ ነይሩ፡፡ ሓድሽ ፍጥረት(ምውላድ) ወይ ዳግም ምውላድ ድማ ኣምላኽ ነቲ ዝኣመነ ህይወት ዘልኣለም ክህብ እንከሎ ዝገብሮ እዩ (2ቆሮ 5፡17፤ ቲቶስ 3፡5፤ 1ጴጥሮስ 1፡3፤ 1ዮሃንስ 2፡29፤ 3፡9፤ 4፡7፤ 5፡1-4,18)፡፡ ዮሃንስ 1፡12-13፡ ዳግም ምውላድ ማለት ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣሚንካ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን እዩ ይብለና፡፡

ንምዃኑ ሰብ ስለምንታይ ዳግም ምውላድ የድልዮ፤ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 2፡1 ከምዚ ይብል፡ …ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም፡፡ ናብ ሰብ ሮሜ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም (ሮሜ 3፡23)፡፡ ሓጥኣን ብመንፈስ ምውታን እዮም፡ ኣብ ክርስቶስ ኣሚኖም መንፈሳዊ ህይወት ክረኽቡ እንከለዉ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዳግም ተወሊዶም ይብሎም፡፡ እቶም ዳግም ዝተወልዱ ጥራይ ከኣ ሓጢኣቶም ተሓዲግሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቖሙን ክመላለሱን ይኽእሉ፡፡

እዚ ብኸመይ ይኸውን ወይ ይግበር፤ ኤፌሶን 2፡8-9 ከምዚ ይብል፡ ሓደ እኳ ከይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን፡፡ ሓደ ሰብ ድሕነት ምስ ረኸበ ድሮ ዳግም ተወሊዱ፡ ብመንፈስ ተሓዲሱ፡ ዳግም ስለ ዝተወልደ ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ይቑጸር፡፡ ኣብቲ ንዕዳን መቕጻዕትን ሓጢኣትን ክኸፍል ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ምእማን ማለት ዳግም ምውላድ እዩ፡፡ ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እነሆ፡ ኩሉ ሓድሽ ኮነ (2ቆሮ 5፡17)፡፡

ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ዘይተቐበልካዮ እንተኾንካ ነቲ ኣብ ልብኻ ሕሹኹ ዝብል ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ኣይትሰምዖንዶ፤ ዳግም ካብ ላዕሊ ክትውለድ ግድነት የድለየካ ኣሎ፡፡ ጸሎት ንስሓ ጸሊኻ ብክርስቶስ ሎሚ ሓድሽ ፍጥረት ትኸውንዶ፤ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኹሎም ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም፡፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ ወይ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም (ዮሃንስ 1፡12-13)፡፡

ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ኣሚንካ ዳግም ንኽትውለድ ምስ እትሓርን እትውስንን ከኣ እነሆልካ ጸሎት፡፡ እዚ ጸሎት ኮነ ካልእ ጸሎት ምጽላይ ጥራይ ንበይኑ ዘድሕነካ ኣይኮነን፡፡ ካብ ሓጢኣት ዘድሕነካስ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ጥራይ እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ምሕረት ስለ ዝተገብረልካ ድማ ንምምስጋንን እትገብሮ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ሓጥእ ምዃነይን መቕጽዓቲ ጥራይ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ ኣብኡ ብምእማን ክመሓር ይኽእል እየ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን እንታይ ማለት እዩ፤ ብኸመይ ዳግም ይውለድ?
© Copyright Got Questions Ministries