settings icon
share icon
ሕቶ

ክልተ ወይ ሰለስተ ክፋላት ዶ እዩ ዘሎና? ንሕና ስጋ፡ ፡ነፍሲን መንፈስን ወይ ስጋ፡ነፍሲ-መንፈስ ኢና?

መልሲ


ዘፍጥረት 1:26-27 ኣምላኽ ንሰብ ካብ ኩሉ ካልእ ፍጥረት፡ ፍሉይ ገይሩ ፈጠሮ ኢሉ የመልክት። ሰብ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ /ዝምድና ምስ ኣምላኽ ንክላመድ ዓሊሙን ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ናይ ክልቲኡ ሕብረት፡ ግኡዛዊ [ስጋዊ]ን መንፈሳውን መዳያት ገይሩ ፈጠርና፣ (መክብብ 12:7፣ ማቴዎስ 10:28፣ 1ይ ቆረንቶስ 5:5፡ 2ይ ቆረንቶስ 4:16; 7:1 ያዕቆብ 2:26)። እቲ ግኡዛዊ ኣቓውማ ኣካላት ሰብ፡ ብግልጺ ዝጭበጥን ግዝያውን ዝኾነ፡ ስጋዊ ኣካል እዩ። እቲ ዘይግኡዛዊ መዳይ ድማ፣ ዘይትሓዝ፡ ነፍሲ፡ መንፈስ፡ ምስትውዓል/ብልሒ፡ ፍቓድ፡ ሕልና፡ ኣእምሮ፡ ስምዒታት ወዘተረፈ እዮም። እዚኣቶም፡ ሕልፊ ፍጻሜ ዕድመ ስጋዊ ኣካል፡ ብዘይ ፍጻሜ፣ ንሓዋሩ ዝነብሩ እዮም።

ኩሎም ሰባት፣ ግኡዛውን (ስጋውን)፡ ዘይግኡዛውን (መንፈሳውን)፡ ክልተ ባህርያት ይውንኑ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ፡ ስጋዊ ኣካል ኣለዎ። እንተኾነ፡ እቶም ዘይጭበጡ፡ ዘይስጋዊ ባህርያት ወዲ ሰብ፡ ሳሕቲ ኣካታዕቲ እዮም። ቅዱስ ጽሑፍ ብዛዕባ እዚኣቶም እንታይ ይብል? ዘፍጥረት 2:7 ሰብ ከም “ህያው ነፍሲ” (ሕታም ከይ ጀይ) ከምዝተፈጥረ ይገልጽ። ኣብ ዘሁልቍ 16:22 ድማ ኣታ ኣምላኽ “ኣምላኽ ነፍሳት ኩሉ ስጋ” (ሕታም ኢሴስ) ኢሉ፡ ንኣምላኽ ጸወዖ/ሰየሞ። ኣብ ምሳሌ 4:23 “ልዕሊ ኩሉ ንልብኻ ሓልዎ፡ ከመይሲ ናይ ኩሉ ተግባራትካ ዋሕዚ ካብኡ እዩሞ“ ኢሉ፡ እቲ ልቢ ዝብሎ [ንበዓልቲ ህርመት ልቢ ዘይኮነ] ፍቓድን ስምዒታትን ናይ ወዲ ሰብ ማእከል ንዝኾነ ልቢ ምዃኑ ይነግረና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብረ-ሃዋርያት 23:1 ነቲ ቅኑዕን ጌጋን ኢሉ ዝረትዓና ክፋል ናይ ኣእምሮና፡ ሕልና ኢሉ የመልክት። ሮሜ 12:2 ድማ፡ ናይ ዝተሓደሰ ኣእምሮ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ይነግረና። እዞም ጥቕስታትን ካልኦት ተወሰኽትን ዝተፈላለዩ መዳያት፡ መንፈሳዊ ኣቃውማታት ናይ ሰብ የመላኽቱልና። ንሕና ናይ ግኡዝን ዘይግኡዝን፡ ጽንብር ክልተ ባህርያት፡ ዝሓበርና ኢና።

በዚ በለ በቲ፡ ነፍሲ፡ መንፈስ፡ ስምዒታት፡ ሕልና፡ ፍቓድን ኣእምሮን ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩን ዝተዛመዱን እዮም። ምናልባት፡ እቲ ጽንብር ነፍሲ-መንፈስ፡ ኩሎም ዘይጒኡዛዊ መዳያት ሰብ ዝሓቆፈ እዩ። ነዚ ብምርዳእ፡ ኣካላት ፍጥረት ሰብ (“ኣብ ክልተ”) ወይ (“ኣብ ሰለስተ”) ዝተኸፍለዶ እዩ? ብካልእ ኣዘራርባ፡ ክልተ ኣካላት ድዩ ዘሎና (ስጋን፡ ነፍስን-መንፈስን)፡ ወይ ሰለስተ ኣካላት እዩ ዘሎና (ስጋ፡ ነፍስን መንፈስን)? መቸም ሃሜናዊ ምዃን ዘይከኣል እዩ። ምሁራን ስነ-መለኮት ንሓያለ ዘመናት ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ጭብጢ እዚ ተፈላልዮም እዮም፡ ከምኡ’ውን ብጭቡጥ እዚ እዩ እቲ ሓቂ ተባሂሉ፡ ኣብ ሓደ ወሳኒ ብኩሎም ቅቡል ዝኾነ መግለጺ /ውሳኔ ዝተበጽሐ የልቦን።

እቶም ቅዱስ ጽሑፍ፡ ሰብ በዓል ክልተ ኣካላት/ክፋላት ከምዝኾነ ይምህር ዝብሉ፡ ሰባት ክልተ ኣካላት፡ ዝሓቆፈ እዩ ኢሎም ንሰብ:- ብስጋን ብመንፈስን ይርእይዎ። ናይ ክልተ ኣካላት፡ ሓፈሻዊ ክልተ ርእይቶታት ኣለዉ። ቀዳማይ ርእይቶ፡ ሰብ ብስጋን ብመንፈስን ዝተጸናበረ/ዝሓበረ፡ ብሓንሳብ ህያው ነፍሲ ዘቆመ እዩ። ነፍሲ ሰብ ንመንፈስን ንስጋን ኣጣሚሩ፡ ከም ሓደ ሰብ ይኸውን። እዚ ርእይቶ ኣብ ዘፍጥረት፡ 2:7፣ ዘሁልቍ 9:13፣ መዝሙር 16:10 97:10ን ዮናስ 4:8 ብዘሎ ትሕዝቶ ዝተደገፈ እዩ። እዚ ርእይቶ እዚ፡ ነቲ ኣብ እብራዊ፡ ነፍሽ ዝብል፡ ኣብዞም ጥቕስታት ዘሎ ቃል፡ ነቲ ውሁድ/ሕቡር ነፍሲ፡ ህያው ዝኾነ፡ ህይወት፡ ወይ ገዛእ-ርእሲ — ሓደ ዝሓበረ/ዝተወሃሃደ ሰብ (ነፍሲ)፡ ጽንብር ስጋን መንፈስን ምዃኑ ኣተኵሩ ዘመልክት ርእይቶ እዩ። ዝተስተብሃለ ነገር ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍላይ ሩሕ (“ትንፋስ፣ ንፋስ፣ ወይ መንፈስ ”) ካብ ስጋ፡ ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ሰብ እቲ፡ ከምዝበታተን (ፋሕ ፋሕ ከምዝብል)--ምውት ምዃኑ ንግንዘብ። (ኣብ መክብብ 12:7፣ መዝሙር 104:29፣ 146:4 ተመልከት)።

እቲ ካልኣይ ናይ ክልተ ኣካላት ርእይቶ፡ ከኣ፡ መንፈስን ነፍስን፡ በዓል ክልተ ዝተፈላለየ ስማት ዘለዎ፡ ተመሳሳሊ ነገር እዩ። እዚ ርእይቶ ነቶም መንፈስን ነፍስን ዝብሉ ቃላት ሳሕቲ እናቀያየርና ከም እንጥቀመሎም ንምትኳር እዩ። (ሉቃስ 1:46–47፣ ኢሳይያስ 26:9፣ ማቴዎስ 6:25፣ 10:28፣ 1ይ ቆረንቶስ 5:3, 5) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ህልውና፡ ከም ዘሎ፡ ከም ተመሳሰልቲ ቃላት፡ ንክንርድኦ ዘመልክት እዩ። ስለዚ በዓል ክልተ ክፋላት፣ ሰብ ብክልተ ኣካላት ዝቆመ እዩ ዝብል መርገጺ ዝሓዘ እዩ። ሰብ ሓደው ነፍሲ ወይ ስጋን ነፍሲ-መንፈስን ዘቆመ፡ ስጋን መንፈስን እዩ።

እቶም ቅዱስ ጽሑፍ ብሰለስተ ኣካላት ዝቖመ ኢሉ ይምህር ኢሎም ዝኣምኑ ድማ፣ ንሰብ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣካላት/ክፋላት፡ ንሳቶም ድማ፡ ብስጋ ብነፍሲን ብመንፈስን ተጸናቢሩ ዝቆመ እዩ ኢሎም ይርእይዎ። ኣብ 1ይ ተሰሎንቄ 5:23ን እብራውያን 4:12ን ኣብ መንጎ መንፈስን ነፍስን ፍልልይ ከም ዘሎ የተኵሩ። ነዚ ኣበሃህላ እዚ፡ በዓል ክልተ ክፋላት 1ይ ተሰሎንቄ 5:23 ሰለስተ ክፋላት ኢሉ ዝምህር እንተኾይኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣበሃህላኸ፡ ማርቆስ 12:30 ኣርባዕተ ክፋላት ኢሉ ይምህርዶ እዩ? ኢሎም ይቃወሙ።

ኣብ መንጎ በዓል ክልተ ክፋላትን ሰለስተ ክፋላትን፡ ብደምዳም ክትውስን ጠቓሚዶ እዩ? ምናልባት ዘይጠቅም እኳ እንተኾነ፡ ቃል ስምዕታስ ቅኑዕ እዩ። ምኽንያቱ፡ ናይዞም በዓል ሰለስተ ክፋላት ርእይቶ፡ ገለ ካብኦም፡ ኣምላኽ ንብልሕና ይሰግሮን፡ ብምስጢራዊ መገዲ፡ ምስ መንፈስና ይራኸብን ኢሎም ግጉይ ትምህርቲ ብምምሃር፡ ነቲ ብምትእስሳር ዝተራኸበ ምልኣት ሰብ፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ስለዘውረደ እዩ። ኣብዚ ተመሳሳሊ ግጉይ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር፡ ነዚ ናይ ሰለስተ ክፋላት መርገጺ፡ ክርስትያን ጋኔን ክሓድሮ ይኽእል እዩ ንክምህራ ገለ ገለ ቤተ-ክርስትያናት ይጥቀማሉ እየን። ኣብ ውሽጢ ክርስትያን፡ ንነፍስን ንመንፈስን ከም ክልተ ዝተፈላለዩ፡ ዘይግኡዛዊ መዳያት ገይሮም ስለዝርእይዎ፡ እቲ ሓደ ብመንፈስ ቅዱስ ክሕዛእ ይኽእል፡ እቲ ካልእ ከኣ፡ ብኣጋንንታዊ ሓይልታት ክሕዛእ ይኽእል ዝብል መሰረተ-ሓሳብ የቕርቡ። እዞም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓዝኡስ፡ ብኡን ንብእኡን፡ ብኣጋንንቲ ክሕዝኡ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ መወከሲ ስለዘየብሉ፡ እዚ ምህሮ እዚ ኣሸጋሪ ይገብሮ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ርድኢት ዝውክል እዚ እዩ ኢሉ፣ ሓደ ክርስትያን፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ወይ ሰለስተ ክፋልት ዝኣምን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንሕና ኩልና ምስቲ ዘማራይ፡ “መስተንክርን ድንቅን ገይርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፡ ከማስወካ እዩ። ግብርታትካ መስተንክር እዩ፡ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ኢልና ንኣምላኽ ክንውድሶ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 139:14)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክልተ ወይ ሰለስተ ክፋላት ዶ እዩ ዘሎና? ንሕና ስጋ፡ ፡ነፍሲን መንፈስን ወይ ስጋ፡ነፍሲ-መንፈስ ኢና?
© Copyright Got Questions Ministries