settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ?

መልሲ


ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ዝብል ሓሳብ ኣብ ማርቆስ 3፡22-30 ፡ ኣብ ማቴዎስ 12፡22 -32 ይርከብ። የሱስ ተኣምር ጌሩ። ጋኔን ዝሓዞ ሰብኣይ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ ፡ ጎይታ ከኣ ነቲ ጋኔን ኣውጽኦ ፡ ዕውርን ዓባስን ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ ሓወየ ፡፡ የሱስ እቲ ዝተጸበይዎ መሲሕ እንተዀይኑ ክርእይዎስ ፡ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓርቢትዎም ተገረሙ ፡፡ ዘረባ እቲ መሲሕ ዝሰምዑ ጉጅለ ፈሪሳውያን ኣብቲ ህዝቢ ቅልቅል ዘዝበለት እምነት ብቅልጡፍ የህጥሙዋ ኔሮም፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን ፡ በሉ (ማቴዎስ 12፡24) ።

ነጋንንቲ ብሓይሊ ሰይጣን ከምዘየውጽኦም ፡ የሱስ ብስነመጎተ ጌሩ ንፈሪሳውያ ተኸራኸሮም (ማቴዎስ 12፡25-29) ፡፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ ይዛረብ ፡ ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን ። ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡እብለኩም ኣሎኹ (ጥቕስታት 31-32) ።

እቲ ጸርፊ ዝብል ቃል ብሓፈሻ ድፍረት ዘለዎ ዘይኣኽብሮት እዩ ፡፡ ንኣምላኽ ምርጋምን ወይ ናይ ኣምላኽ ነገራት ብፍታው ምቅላል እዩ ትርጒሙ ፡፡ ጸርፊ ክብሃል ከሎ ፡ ንኣምላኽ ዘይናቱ ክፉእ ባህሪ ምሃብን ፡ እቲ ክንህቦ ዝግብኣና ሰናይ ባህርያቱ ክከሓድ ከሎ ማለት እዩ ፡፡ እዚ ዘልዓልናዮ ፍሉይ ጸርፊ ግና ፡ ኣብ ማቴዎስ 12፡31 ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ እዩ ፡፡ የሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣሉ ክብልዋ ዘይክእሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያን ጌሩ ክነሱ ፡ ኣብ ክንድኡ ጎይታ ብኣጋንንቲ ትሑዝ ምዃኑ ተዛረቡ (ማቴ 12፡24) ፡፡ ብዛዕባቲ ፈሪሳውያን ዝወዓልዎ ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ ፡ የሱስ ብጣዕሚ ንጹር ጌሩ ኣብ ማርቆስ 3፡30 ዝበሎ ኣስተብህል ፡ እዚ ዝበለ ርዂስ መንፈስ ኣለዎ ስለዝበሉ እዩ ከምዚ ዝበለ ፡፡

ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ መንፈስ-ዝመልኦ ምባል ፡ ጋኔን ዝሓዞ ኣለዎ ኢልካ ምኽሳስ እዩ ፡፡ እዚ ፍሉይ ዓይነት ጸርፊ ሎሚ ኣይድገምን እዩ ፡፡ ፈሪሳውያን ኣብ ፍሉይ ዝዀነ ህሞት ናይ ታሪኽ እዮም ኔሮም ፡ ሕግን ነብያትን ኣለዎም ፡ ንልቦም ዝትንክፍ መንፈስ ቅዱስ ኣለዎም ፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ዝበለ ወዲ ኣምላኽ ኣለዎም ፡ ንሱ ዝገበሮ ተኣምራት እውን በዒንቶም ርእዮም ፡፡ ከምዚ ዝበለ መለኮታዊ ብርሃን ቅድሚኡ ኰነ ድሕሪኡ ኣብ ታሪኽ ኣይተራእየን ፡ ኣውራ ፈሪሳውያን እዮም ንየሱስ ከለልይዎ ዝግባእ ኔሩ ፡፡ ግናኸ ብውሳነኦም ዕጭ ሓንፈፉ ፡፡ ደይመደይ ኢሎም፡ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ናብ ሰይጣን ኣሳበብዎ ፡ ዋላ እኳ ነቲ ሓቂ እንተፈለጥዎን ፡ ብርእዮ ነቲ መርትዖ እንተሓዝዎን ፡፡ ብፍታዎም ስለዝዓወሩ ድማ ይቕረ ዘይበሃለሎም ሓጢኣት ምዃኑ የሱስ ኣወጀ ፡፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፎም ንኣምላኽ ዘርኣይዎ ናይ መውዳእታ ተቓውሞ እዩ ኔሩ ፡፡ መገዲ ገዛእ ርእሶም ደኣ ኣናደዩ ፡ ኣምላኽ ከኣ ናብ ጥፍኣት ይኺዱ ሓደጎም ፡፡

እቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፉ ፈሪሳውያን ፡ ኣብዚኣ ኰነ ኣብታ ትመጽእ ዓለም ሓጢኣቶም ከም ዘይሕደገሎም ፡ የሱስ ነቲ ህዝቢ ነጊሩ እዩ (ማቴዎስ 12፡32) ፡፡ ብካልእ ኣበሃህላ ፡ ሓጢኣቶም ንዘልኣለም ኣይሕደገሎምን እዩ ፡ ዘበት ፡፡ ሕጂ ኣይኮነ ፡ ኣብ ዘልኣለምነት ኣይኮነ ፡፡ ከምቲ ማርቆስ 3፡29 ኣስፊርዎ ዘሎ ፡" ሓጢኣቶም ንዘልኣለም ይዂንኖም ፡፡"

ቅጽበታዊ ሳዕቤን ናይቲ ፈሪሳውያን ንክርስቶስ ዝነጸግዎ (ኣምላኽ እውን ዝነጸጎም) ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ምዕራፍ ተራእዩ እዩ ፡፡ የሱስ ንፈለማ ግዜ ፡ ብዙሕ ነገራት ብምስላ መሃሮም (ማቴዎስ 13፡3 ፥ ማርቆስ 4፡2) ፡፡ እቶም ደቀመዛሙርቲ ብናይ የሱስ ሓድሽ ለውጢ ኣመሃህራ ተገረሙ፡ የሱስ ድማ ንምንታይ ምስላታት ተጠቂሙ ሽዑ ገለጸሎም ፡፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻኣትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን… እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑ'ውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም (ማቴዎስ 13፡11, 13) ። በቶም መራሕቲ ኣይሁድ ብወግዓዊ ምስተወገዘ ፡ ከም ቅጽበታዊ ሳዕቤን ፡ የሱስ ብምስላታት ጌሩ ንሓቂ ክገልሆ ጀመረ ፡፡

እንደገና ፡ ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ ሎሚ ክድገም ኣይክእልን እዩ ፡ ገሌታቶም እኳ እንተፈተኑ ፡፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣይኰነን ዘሎ ፡፡ ኣብ የማን ኣምላኽ እዩ ተቐሚጡ ዘሎ ፡፡ የሱስ ተኣምር ምግባሩ ርእዩ፡ ነቲ ሓይሊ ናብ ሰይጣን ከሳብቦ ኢሉ ክምስክር ዝኽእል ሓደ'ኳ የልቦን ፡፡

እቲ ሎሚ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ፡ ኣብ ኲነተ ዘይምእማን ምጽናዕ እዩ ፡፡ እቲ መንፈስ ነታ ዘይደሓነት ዓለም፡ ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ፍርድን ይረትዓ እዩ (ዮሃንስ 16፡8) ፡፡ ነቲ ርትዒ ምጽራርን ፡ ብዘይተናሳሕነት ኣብ ፍቓድ ርእስኻ ምጽናዕን ፡ ንመንፈስ ምጽራፍ እዩ ፡፡ ምሕረት ዝብሃል የለን ፡ ኣብዚ ኰነ ኣብታ ትመጽእ ዓለም ፡ ሓደ ሰብ ናብ እምነት የሱስ ክርስቶስ መንፈስ ክስሕቦ ከሎ ምስዝነጽጎን ፡ ኣብ ዘይምእማን ከሎ እንተሞተን ፡፡ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ብሩህ እዩ ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ (ዮሃንስ 3፡16) ። እቲ ምርጫ ድማ ንጹር እዩ ፡ ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ (ዮሃንስ 3፡36) ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ጸርፊ ንመንፈስ ቅዱስ?
© Copyright Got Questions Ministries