settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናት ምቁጽጻር ወሊድ ምጥቃሞም እንታይ ይብል?

መልሲ


ሰብ ብኣምላኽ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን” ዝብል ዕማም እዩ ተዋሂብዎ (ዘፍጥረት 1፡28)። መርዓ ቆልዑ ንምውላድን ንምዕባይን ብኣምላኽ ዝተደኮነ ርጉእ ኣከባቢ እዩ። ዘጉሂ ነገር ግን፡ ሎሚ ኣብ ገለ ግዜ ቆልዑ ከም ራብሻን ጾርን ይቑጸሩ እዮም። ኣብ መገድታት ስራሕ ናይ ሰባትን ናይ ገንዘብ ሸቶታትን ድማ ደው ይብሉን ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ድማ “ናህና ቅዲ የዘናብልዎ”። ብዙሕ ግዜ፡ እዚ ዓይነት ነብሰ ምፍታው እዩ ሱር ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ዝኸውን።

ኣንጻር ብድሕሪ ገለ ገለ ምቁጽጻር ወሊድ ዘሎ ነብሰ ምፍታው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቆልዑ ከም ህያብ ካብ ኣምላኽ ጌሩ እዩ ዘቕርቦም (ኦሪት ዘፍጥረት 4፡1፡ ኦሪት ዘፍጥረት 33፡5)። ውሉድ ውህበት ናይ እግዚኣብሄር እዮም (መዝሙር 127፡ 3-5)። ውሉድ በረኸት ናይ ኣምላኽ እዮም (ሉቃስ 1፡42)። ዉሉድ ዘውዲ ኣረገውቲ እዮም (ምሳሌ 17፡6)። ኣምላኽ ን መኻናት ኣደ ቐልዑ ጌሩ ይባርኸን (መዝሙር 113፡9 ኦሪት ዘፍጥረት 21፡1-3፡ 25፡21-22፡ 30፡1-2፡ 1 ሳሙኤል 1፡6-8፡ ሉቃስ 1፡7፡ 24-25)። ኣምላኽ ንቆልዑ ኣብ ማህጸን ይኣልሞም (መዝሙር 139፡13-16)። ኣምላኽ ንቆልዑ ቅድሚ ምውላዶም ይፈልጦም (ኤርምያስ 1፡5፡ ገላትያ 1፡15)።

እታ ብቐረባ ብንጹር ምቁጽጻር ወሊድ እትኹንን ጽሕፍቲ ከኣ ኦሪት ዘፍጥረት 38፡ ዘሎ ዛንታ ናይ ደቂ ይሁዳ ዔርን ኦናንን እዩ። ዔር ን ታማር ተመርዕዩ፡ ግን ክፉእ ስለ ዝነበረ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ታማር ድማ ብዘይ ሰብኣይን ውሉድን ተረፈት። ታማር ድማ ብመሰረት ኣብ ዘዳግም 25፡ 5-6 ዘሎ ሌዋዊ ሕጊ ናይ መርዓ፡ ብመርዓ ንሓው ዔር ን ኦናን ተዋህበት። ኦናን ውርሽኡ ምስ ዝኮነ ኣብ ክንዲ ሓዉ ኮይኑ ዝወልዶ ቆልዓ ክመቅል ኣይደለየን፡ ስለዚ ድማ ንሱ እቲ ጥንታዊ ዓይነት ምቁጽጻር ወሊድ፡ ማለት ንደገ ምውጻእ ምኽዓውን ፈጺሙ። ኦሪት ዘፍጥረት 38፡10 “እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ” ይብል። ናይ ኦናን ሃቐና ስሰዐ እዩ ኔሩ፡ ንታማር ንዕግበቱ ጥራይ ተጠቒሙላ፡ ኮይኑ ግን ናቱ ሕጋዊ ግቡእ ምፍጻም ኣብዩ፡ እዚ ከኣ ናይ ሙዉት ሓዉ ወራሲ ንምውላድ ኣብዩ። እዚ ጽሑፍ ቀጻሊ ከም መርትዖ ናይ ኣምላኽ ምቁጽጻር ወሊድ ከም ዘይድግፍ ይጠቅም። ኮይኑ ግን፡ እግዚኣብሄር ን ኦናን ክቐዝፎ ዝገበሮ ተግባር ብግልጺ እቲ ብድሕሪ እቲ ተግባር ዝነበረ ናይ ኦናን ስሰዐ ዝመልኦ ሃቐና እምበር ምክልኻል ጥንሲ ኣይነበረን።

ከም’ቲ ዓለም ክንገብሮ ትነግረና ዘይኮነ፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ዝርእዮም ጌርካ ንውሉድ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ድሕሪ ምባል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ን መከላኸሊ ጥንሲ ኣይክልክልን እዩ። መከላኸሊ ጥንሲ፡ ክትርጎም ከሎ፡ ኣንጻር ጥንሲ ጥራይ እዩ። እቲ ተግባር ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ጥራይ ኣይኮነን ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንተኾይኑ ዝውስን። ካብ ኦናን ከም ዝተምሃርናዮ፡ እቲ ብድሕሪ መከላኸሊ ጥንሲ ዘሎ ሃቐና እዩ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ሙዃኑ ዝውስን። ዝተመርዓዉ መጻምዲ ዝያዳ ንዖኦም ኢሎም መከላኸሊ ጥንሲ እንተድኣ ይጥቀሙ ኣለዉ እዚ ጌጋ እዩ። እንተድኣ ክሳብ ዝበስሉ፡ ከምኡ ድማ ብፋይናንስን ብመንፈሳውነትን ክሳብ ዝዳለው ንግዚኡ መከላኸሊ ጥንሲ ይጥቀሙ እንተለው፡ እዚ ምናልባት ንግዚኡ መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀሙ ቅቡል እዩ። ደጊምና፡ ኩሉ ናብ ሃቐና እዩ ዝመጽእ።

ኩሉ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ቆሉዑ ምህላው ከም ጽቡቕ ነገር ጌሩ እዩ ዘቕርቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይን ሰበይትን ውሉድ ክህልዎም “ይጽበ”። ውሉድ ክተምጽእ ዘይምድላይ ድማ ወትሩ ከም ሕማቕ ነገር እዩ ዝቐርብ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ውሉድ ክገብር ከምዘይደሊ ዝገለጸ ወልሓደ የሎን። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንግዚኡ ምቁጽጻር ወሊድ ምግባር ብግልጺ ጌጋ ሙዃኑ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትካታዕ ኣይክኣልን እዩ። ኩሎም ምርዑዋት መጻምዲ ብዛዕባ መዓስ ውሉድ ክህልዎም ኣለዎምን ክንደይ ቆልዑ ክህልዎም ይደልዩን ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ክሓቱ ኣለዎም።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናት ምቁጽጻር ወሊድ ምጥቃሞም እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries