settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ ስለ ሓጢኣትና ቅድሚ ምማቱ ፡ሰባት ብከመይ ይድሕኑ ኔሮም?

መልሲ


ድሕሪ ውድቀት ሰብ ዝጀመረ ፡ ወትሩ ሰረት ምድሓን ዝኸውን ዘሎ ናይ ክርስቶስ ሞት እዩ። ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ቅድሚ መስቀል ይኹን ካብ መስቀል ኣትሒዙ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብዘይ እታ እንኮ ቀላሲት ፍጻመ ከቶ ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ሞት ክርስቶስ ነቲ ዝሓለፈ ሓጢኣት ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳንን፡ ንዝመጽእ ሓጢኣት ናይ ሓድሽ ኪዳን ቅዱሳንን ዋጋ ከፊልሉ እዩ።

ንምድሓን ዝጥለብ ወርትግ እምነት እዩ። ሸቶ ናይ ሓደ ሰብ ምድሓን ብእምነት ወርትግ ኣምላኽ እዩ። እቲ ዘማሪ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ ኣሎ፡ “ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም “ (መዝሙር 2፡12)። ዘፍጥረት 15፡6 ከም’ዚ ይብለና፡ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ ፡ ንኣምላኽ ከኣ ንጽድቂ ክሓስበሉ እኹል ኔሩ (ሮሜ 4፡3-8 እውን ተመልከት) ፡፡ ስርዓት መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ፡ ከምቲ እብራውያን 10፡1-10 ብንጹር ዘስተምህሮ ፡ ንሓጢኣት ኣየርሓቖን። ኰይኑ ግና ናብቲ ወዲ ኣምላኽ ስለ ሓጥእ ዓሌት ሰብ ዘፍስሶ ደም የመልክት ነበረ።

ኣብቲ ዝሓለፈ መዋእላት ዝተለወጠ ነገር እንተልዩ ፡ ትሕዝቶ እምነት ናይ ሓደ ኣማኒ እዩ። እቲ ክንኣምነሉ ዝግባእ ኣምላኽ ዝጠልቦ ነገር ከኣ ኣብቲ ንሱ ክሳብ’ቲ ግዜ’ቲ ንደቅሰብ ዝሃቦ ብዝሒ ምግላጽ ዝተመርኰሰ እዩ። እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ምግላጽ ይብሃል። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 3፡15 ዝሃቦ መብጽዓ ኣዳም ኣሚኑ ነበረ፡ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንሰይጣን ክስዕር። ኣዳም ብኡኡ ኣሚኑ፡ በቲ ንሄዋን ዝሃቦ ስም ድማ ይረአ (ጥቕሲ 20)፡ እግዚኣብሄር ድማ ከምዝተቐበሎም ከርኢ ብቕጽበት ዶቦሎ ከደኖም (ጥቕሲ 21)። ኣብታ እዋን እቲኣ ኣዳም ንሳ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ ኔሩ ፡ ግናኸ ኣሚንሉ ነበረ ፡፡

ኣብርሃም ኣብቲ ዝተዋህቦ መብጽዓ ንኣምላኽ ኣሚኑ ነበረ ፡ እንከላይ ኣብቲ ዘፍጥረት 12 ምስ 15 ዘሎ ሓድሽ ምግላጽ ፡፡ ቅድሚ ሙሴ ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ኣይነበረን ፡ ደቅሰብ ግና በቲ ኣምላኽ ዝገለጸሎም ነገር ተሓተትቲ እዮም። ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳን ፡ ኣመንቲ ናብ ምድሓን ዝመጹ ዝነበሩ ፡ ኣምላኽ ናይ ሓጢኣቶም ጸገም ዝፈትሓላ ሓንቲ መዓልቲ ከምዘላ ይኣምኑ ስለዝነበሩ እዮም ፡፡ ሎሚ ግና ንድሕሪት ኢና ንጥምት ፡ ንሓጢኣትና ድሮ ኣብቲ መስቀል ኣልይዎ እዩ (ዮሃንስ 3፡16፥እብራውያን 9፡28)፡፡

እቶም ኣብ ዘመን ክርስቶስ ዝነበሩ'ኸ ፡ እቶም ቅድሚ መስቀልን ትንሳኤን ዝነበሩ ? እንታይ ይኣምኑ ኔሮም ? ስለ ሓጢኣቶም ኣብ መስቀል ዝሞተ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ተስኢሉ ኔሩ'ዶ ? ኣብቲ ዳሕረዋይ ኣገልግሎቱ ፡ የሱስ ብዛዕባ'ቲ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ቅድሚ ዓበይትን ሊቀካህናትን መምህራን ሕግን ክስቀዮ ዝግባእ ሓሳረ መከራ ፡ ንደቀመዛሙርቱ ክገልጸሎም ጀመረ፡ ክመውት ከምዘለዎን ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ፡ ናብ ህይወት ከምዝትንስእን (ማቴዎስ 16፡21- 22)። እቶም ደቀመዛሙርቲ ኣብዚ መልእኽቲ ዘርኣይዎ ግብረ-መልሲ ከመይ ኔሩ ? ጴጥሮስ ንበይኑ ወሲዱ ክገንሖ ጀመረ ፡፡

ብፍጹም ኣታ ጎይታ ! በለ። እዝስ ኣባኻ ከቶ ኣይበጽሕን እዩ! ጴጥሮስን ካልኦት ደቀመዛሙርትን ነቲ ምሉእ ሓቂ ኣይፈለጥዎን ኔሮም ፡ ኣምላኽ ነቲ ናይ ሓጢኣቶም ሽግር ከምዝኣልዮ ስለዝኣመኑ ግና ድሒኖም ነበሩ። ልዕሊ ኣዳም፡ ኣብርሃም፡ ሙሴ፡ ወይ ዳዊት ዝፈለጥዎ ከመይ ጌሩ ነዚ ከምዝፍጽሞ ብልክዕ ኣይፈለጡን ኔሮም፡ ኮይኑ ግን ኣሚኖም።

ሎሚ ፡ ካብቶም ቅድሚ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝነበሩ ሰባት ዝበዝሐ ምግላጽ እዩ ዘሎና ፡ ምሉእ ስእሊ ሒዝና ኣሎና ፡፡ ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና (እብራውያን 1፡1-2)። ሕጂውን ምድሓንና ኣብ ሞት ክርስቶስ እዩ ተሰሪቱ ዘሎ ፡ ሕጂውን እቲ እምነትና ንምድሓን ይድለ እዩ ፡ናይ እምነትና ሸቶ ሕጂውን ኣምላኽ እዩ። ሎሚ ፡ እቲ ትሕዝቶ እምነትና ዝኸውን ዘሎ ፡ የሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ሞተ ፡ ተቐብረ ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ተንስአ (1 ቆሮንቶስ 15፡3-4) ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ ስለ ሓጢኣትና ቅድሚ ምማቱ ፡ሰባት ብከመይ ይድሕኑ ኔሮም?
© Copyright Got Questions Ministries