settings icon
share icon
ሕቶ

ስለምንታይ ኰን እዩ ኣምላኽ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ክወርድ ዘፍቅድ?

መልሲ


ኣብዛ ስቓይን ጸበባን ዘለዋ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ፡፡ በዚ ሕሱም ናብራ ህይወት ዘይተተንከፈ ከኣ የልቦን ፡ እቲ " ንምንታይ እዩ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ዝወርድ ?" ዝብል ሕቶ ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ሕቶታት ናይ ስነ-መለኮት እዩ ፡፡ ኣምላኽ ልኡላዊ ስለዝኾነ ፡ ንኲሉ እቲ ዝኸውን ዘሎ ፡ ብቐጥታ ባዕሉ እኳ እንተዘየበገሶ ፡ ብውሑዱ ግና ንሱ እዩ ብተዘዋዋሪ ኣፍቂድሉ ክኸውን ዘለዎ ፡፡ ብቕድሙ እውን ፡ እዞም ዘልኣለማውያን ዘይኮኑ፡ እሞ ከኣ ውሱናትን ኲሉ ዘይፈልጡን ደቅሰብ ፡ ንዕላማታት ኣምላኽን መገድታቱን ብምልኣት ክግንዘብዎ ይኽእሉ እዮም ኢልና ትጽቢት ክንገብር የብልናን ፡፡

መጽሓፍ እዮብ ነቲ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ክወርድሲ ኣምላኽ ስለምንታይ የፍቅድ ዝብል ዛዕባ እዩ ዘልዕሎ ፡፡ እዮብ ጻድቕ እዩ ዝነበረ (እዮብ 1፡1) ፡ ግን ከኣ ንምእማኑ ዘሸግር ስቓይ ኣሕለፈ ፡፡ ሰይጣን ድሌቱ ዘበለ ኣብ እዮብ ክገብርሲ ኣምላኽ ኣፍቂድሉ ነበረ ፡ ብዘይካ እታ ንህይወቱ ምቕታል ፡ ሰይጣን ከኣ ኲሉ እቲ ሕሰሙ ኣውረደሉ ፡፡ ሽዑ ናይ እዮብ ግብረመልሲ ከመይ ነበረ ? እዮብ 13 ፡15 "ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን " እዮብ 1፡21 " እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ ፡፡" እዚ ኲሉ ክወርዶስ ስለምንታይ ኣምላኽ ኣፍቂዱ እዮብ እንተ ዘይተረድኦ እኳ ፡ ኣምላኽ ሰናይ ምዃኑ ፈሊጡ ነበረ፡ ስለዚ ምውካሉ ደኣ ቀጸለ፡፡ እቲ ግብረ መልስና ድማ ኣማስያኡ ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ ፡፡

ስለምንታይ እዩ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ዝወርድ ? ክትቅበሎ ክንድቲ ጽንኩር ዝኾኖ ፡ ብናይ ፍጹም ርድኢት ናይ’ቲ ቃል "ጻድቕ" ዝብሃል ከምዘየልቦ ክንዝክር ይግብኣና እዩ ። ኲላትና ብሓጢኣት ዝተበላሸናን ዝተበከልናን ኢና (መክብብ 7፡20 ፥ ሮሜ 3፡23 ፥ 1 ዮሃንስ 1፡8 ) ፡፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ፡ "ብጀካ ሓደ ፡ ንሱ ከኣ ኣምላኽ ፡ ሄር የልቦን"(ሉቃስ 18፡19)፡፡ ኲላትና ብሓደ ሸነኽ ድዩ ብገለ መዳይ ጽልዋ ሓጢኣት ይስምዓና እዩ ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጢኣት ፡ ሓሓሊፉ ከኣ ናይ ካልኦት ሓጢኣት ዝኾነሉ ግዜ ኣሎ ፡፡ ኣብ ሓንቲ ዝወደቐት ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ፡ ናይቲ ውድቀት ሳዕቤን ድማ ይስምዓና ኣሎ ፡፡ ዓመጻን ትርጒም-ኣልቦ ስቅያትን ከኣ ገለ ካብቶም ሳዕቤናት እዮም፡፡

ኣምላኽሲ እቲ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ክወርድ ምፍቃዱ ንሓሳብና እናስደመሞ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ዝወርዱ ክፉእ ነገራት ነዞም ኣርባዕተ ነገራት ኣብ ግምት ከነእትዎም ጽቡቕ እዩ ፡

(1) ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ክወርድ ይኽእል እዩ ፡ ግናኸ እዛ ዓለም ናይ መወዳእታ ኣይኮነትን ፡፡ ክርስትያናት ድማ ናይ ዘልኣለም ጠመተ እዩ ዘለዎም ፡ "እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዘይብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና"( 2ይ ቆረንቶስ 4 ፡16-17) ። ሓደ መዓልቲ ዝኸበረ ዓስቢ ክንቅበል ኢና ፡፡

(2) ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ይወርድ እዩ ፡ ግናኸ ኣምላኽ ነቲ ክፉእ ነገራት ናብ ፍጻሜ ዘለዎ ሰናይ እዩ ዝልውጦ ፡፡ " ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና" (ሮሜ 8፡28)። ዮሴፍ ኣበሳ ዘይተረኽቦ ክነሱ ፡ በቲ ኲሉ ዝሓለፎ ሓሳረ መከራ መደብ ኣምላኽ ክርኢ ክኢሉ ነበረ (ዘፍጥረት 50፡ 19-21)፡፡

(3) ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ይወርድ እዩ ፡ ግናኸ እዞም ክፉእ ነገራት ንዓሚቚ ኣገልግሎት የዳልውዎ እዮም ፡ " ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዓዝዝ እዩ።" (2ይ ቆረንቶስ 1፡3-5)። እቶም ናይ ቃልሲ በሰላታት ዘለዎም ፡ ነቶም ብቃልሲ ዝሓልፉ ዘለዉ ክርድኡሎምን ክሕግዝዎምን ይኽእሉ እዮም ፡፡

(4) እወ ፡ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ይወርድ እዩ ፡ እቲ ዝሓሰመ ነገር ድማ ኣብቲ ዝበለጸ ወድሰብ የሱስ ከይተረፈ በጺሑ እዩ ፡፡ የሱስ ጥራይ እዩ ናይ ብሓቂ ጻድቕ ዝነበረ ፡ ካብቲ ንሓስቦ ንላዕሊ እዩ ተሰቅዩ ፡፡ ኣስኣሰር ስጉምታቱ ኢና ንስዕብ ፡ " ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ ? ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩ ም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ " (1ይ ጴጥሮስ 2፡20-30 )። የሱስ እንተኾነ ብስቅያትና ኣይጋየሽን እዩ ፡፡

ሮሜ 5፡8 ከም’ዚ ይእውጅ ፡ "ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ ።"

ኣብዛ ዓለም ብባህሪና ደቂ ቊጥዓ ዝነበርና ፡ ኣምላኽ የፍቅረና ኣሎ ፡ ዋጋ ሓጢኣትና ክሳዕ ዝኸፍለልና የሱስ ኣፍቂሩና እዩ (ሮሜ 6፡23)፡፡ ንየሱስ ከም መድሓኒ እንተ ተቐቢልናዮ (ዮሃንስ 3፡16 ፥ ሮሜ 10፡9) ፡ ይቕረ ተባሂሉልናስ ሰማይ ዝሃገርና ንኸውን (ሮሜ 8፡1)።

ኣምላኽ ብዕላማ እዩ ነገራት ክኾኑ ዘፍቅድ ፡፡ ሓሳባቱ ይረዳኣና ኣይረዳኣና ብዘየገድስ ፡ ኣምላኽ ሰናይን ፍትሓውን ፈቃርን ከምዝዀነ ክንዝክር ይግብኣና እዩ (መዝሙር 135፡3) ፡፡ ቀጻሊ ብቐሊሉ ክንርድኦ ዘይንኽእሎ ክፉእ ነገራት ዘጋጥመና ግዜታት እውን ኣሎ ፡፡ ኣብ ክንዲ ብሕያውነት ኣምላኽ ንወላወል ፡ እቲ ግብረ - መልስና ኣብኡ ምውካል እዩ ክኸውን ዘለዎ ፡፡ "ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ከቕንዕ እዩ” (ምሳሌ 3፡5)። ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይኰንናን ንመላለስ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ስለምንታይ ኰን እዩ ኣምላኽ ክፉእ ነገራት ኣብ ሕያዎት ሰባት ክወርድ ዘፍቅድ?
© Copyright Got Questions Ministries