settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ወይኒ ምስታይ እንታይ ይብል፤ ሓደ ክርስትያን ኣልኮል ምስ ዝሰቲ ከም ሓጢኣት ይቑጸረሉዶ?

መልሲ


እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ነዚ ሕቶ ንኽንምልስ ኣብ እንህቅነሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፍለጥን ክርድኣናን ዝኽእል ብዙሕ ኣሎ፡፡ እቶም ነዚ ዘንብቡ ኸኣ መጀመርያ ነቲ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ብመላኡ ኣንቢቦም ንዝያዳ ምርዳእ ነቲ ተዋሂቡ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሊሶም ይመርምሩ፡፡ እቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ከመይሲ ብዘይ ስልጣን መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ቓላት ካብ ሓሳባን ርእይቶን ሰብ ዝሓልፍ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ መብዛሕትኡ ሓሳብን ርእይቶን ሰብ ከኣ ንኣምላኽ ኣብ ምርዳእ ዘይቅኑዕ እዩ (እዮብ 42፡7)፡፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስል ምርዳእ ንዓና ኣገዳሲ እዩ ክንብል እንከሎና ነቲ ጉዳይ ዘነኣእስ እዩ፡፡ ከመይሲ ከምኡ ምስ ዘይንገብር ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ናይ ሓሶት ኣማልኽትን ጣኦታትን ከነቐውም፡ ከነምልኽን ደድሕሪኦም ከም ንኸይድን ንኸውን (ዘጸኣት 20፡3-5)፡፡

እቲ ኣምላኽ ስለ ርእሱ ክገልጾ ዝፈተወ ጥራይ እዩ ክፍለጥ ዝኽእል፡፡ ሓደ ካብ ባህርያት ኣምላኽ ብርሃን እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ንሱ ስለ ርእሱ ባዕሉ ዝገልጽ ማለት እዩ (ኢሳይያስ 60፡19፤ ያእቆብ 1፡17)፡፡ ኣምላኽ ስለ ርእሱ ፍልጠት ምግላጹ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን (እብራውያን 4፤1)፡፡ ኩሉ ፍጥረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ድማ እቲ ስጋ ዝኾነ ቃል (ማለት የሱስ ክርስቶስ)፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስል ዘፍልጡና እዮም፡፡፡

ኣምላኽ ፈጣሪና ምዃኑን ንሕና ድማ ሓደ ካብ ፍጥረቱ ምዃንናን ብምስሉ ከም እተፈጠርናን ብምርዳእ ንጀምር (ዘፍጥረት 1፡1፤ መዝሙር 24፤1)፡፡ ሰብ ካብ ኩሉ ካልእ ፍጥረት ዝለዓለን ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ዝገዝእን እዩ (ዘፍጥረት 1፤26-28)፡፡ ፍጥረት ግና ብሰሪ ውድቀት ሰብ ተበላሽዩ ክነሱ ገና ኣፋፍኖት ዕዮ ኣምላኽ የርኢ ኣሎ (ዘፍጥረት 3፡17-18፤ ሮሜ 1፡19-20)፡፡ ስፍሓት፡ ዕምቆት፡ ጽባቐን ስርዓትን ፍጥረት ብምርኣይ ንዕብየትን ግርማን ኣምላኽ ንግንዘቦ፡፡

ንገለ ካብ ኣስማት ኣምላኽ ምንባብ ድማ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስል ኣብ ምርዳእ ይሕግዘና እዩ፡፡

እቶም ኣስማቱ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ኤሎሂም -- ሓያል፡ መለኮታዊ (ዘፍጥረት 1፡1)
ኣዶናይ -- ጎይታ፡ እዚ ነቲ ገዛእን ተገዛእን ዘስምዕ እዩ (ዘጸኣት 4፡10-13)
ኤልኤልዮን -- ልዑል፡ እቲ ዝሓየለ (ዘፍጥረት 14፡20)
ኤልሮኢ -- እቲ ዝርኢ ሓያል (ዘፍጥረት 16፡13)
ኤልሻዳይ -- ብርቱዕ ኣምላኽ (ዘፍጥረት 17፡1)
ኤልዖላም -- ዘልኣለማዊ ኣምላኽ (ኢሳይያስ 40፡28)
ያህወህ -- ኣምላኽ ʻኣነʼ፡ ማለት ዘልኣለማዊ ህያው ባዕሉ (ዘጸኣት 3፡13-14)፡፡

ኣምላኽ ዘልኣለማዊ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣምላኽ መጀመርያ የብሉን ህላወኡ ኸኣ መወዳእታ የብሉን፡፡ ንሱ ኣይሓልፍን ኣይውዳእን (ዘዳግም 33፡27፤ መዝሙር 90፡2፤ 1ጢሞቴዎስ 1፡17)፡፡ ኣምላኽ ፍጹም ዘይቅየር እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ንሱ ፍጹም፡ ንሱ ባዕሉን፡ ፍጹም ዝእመንን እዩ (ሚልክያስ 3፤6፤ ዘሁልቁ 23፡19፤ መዝሙር 102፡26-27)፡፡ ኣምላኽ መወዳድርቲ የብሉን፡ እዚ ማለት ብህላወ ኮነ ብዕዮ ንዕኡ ዝመስል ኮነ ምስኡ ዝዳረግ ከቶ የልቦን፡፡ ዝዳረጎ ዘይብሉ ፍጹም እዩ (2ሳሙኤል 7፡22፤ መዝሙር 86፡8፤ ኢሳይያስ 40፡25፤ ማቴዎስ 5፡48)፡፡ ኣምላኽ ኣይምርመርን እዩ፡ እዚ ማለት ንሱ ኣይቅመርን፡ ኣይብርበርን ብምልኣት ንምፍላጡን ንምርዳኡን ድማ መንገዲ ኣይርከቦን እዩ (ኢሳይያስ 40፡28፤ መዝሙር 145፡3፤ ሮሜ 11፡33-34)፡፡

ኣምላኽ ፍጹም ፍትሒ፡ ፍጹም ፈራዲ እዩ፡፡ ንሰብ ዘይስከፍ ማለት ንሰብ ኢሉ ኣድልዎ ዘይገብር እዩ (ዘዳግም 32፡4፤ መዝሙር 18፡30)፡፡ ኣምላኽ፡ ከኣሊ ኩሉ እዩ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ሓያልን ባህ ዝበሎ ዝገብርን ኮይኑ እቲ ግብሩ ግና ምስቲ ካልእ ባህርያቱ ዝሳነ እምበር ዘይገራጮ እዩ (ራእዩ 19፡6፤ ኤርምያስ 32፡17,27)፡፡ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ኣሎ፡ እዚ ማለት ንሱ ኣብ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣሎ ይኹን እምበር ኣምላኽ ማለት ኩሉ ነገር እዩ ማለት ኣይኮነን (መዝሙር 139፡7-13)፡፡ ኣምላኽ፡ ፈላጢ ኹሉ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ንኹሉ ሕሉፍ፡ ህሉውን መጻእን ነቲ ሰብ ዝሓስቦን ከይተረፈ ይፈልጥ፡፡ ኩሉ ስለ ዝፈልጥ ድማ እቲ ፍትሑን ፍርዱን ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ (መዝሙር 139፡1-5፤ ምሳሌ 5፡21)፡፡

ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ካልእ ኣምላኽ የልቦን ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ነቲ ዝዓሞቐ ድልየት ልብና ክመልእ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ፡፡ ኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ኣምላኾናን ትውክልትናን ተወፋይነትናን ይግብኦ (ዘዳግም 6፡4)፡፡ ኣምላኽ ፍጹም ቅኑዕ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ንኹሉ ሕማቕ ተግባር ኣይሓልፎን፡፡ ፍጹም ቅንዕናን ፍትሕን ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ ቑጥዓን መቕጻዕትን ኣምላኽ ዝወደቐ (ዘጸኣት 9፡27፤ ማቴዎስ 27፤45-46፤ ሮሜ 3፡21-26)፡፡

ኣምላኽ ፍጹም ልዕሊ ኹሉ እዩ ማለት ፍጹም ገዛኢ እዩ፡፡ ኩሉ ፍጥረት ተኣኪቡ ወይ ሓቢሩ ንዕላማ ኣምላኽ ክቕይር ወይ ከፍሽል ኣይከእልን (መዝሙር 93፡1፤ 95፡3፤ ኤርምያስ 23፡20)፡፡ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ንሱ ክርአ ኣይክእልን (ዮሃንስ 1፡18፤ 4፡24)፡፡ ኣምላኽ ስላሴ እዩ፡፡ ንሱ ሰለስተ ኣብ ሓደ፡ ሰለስተ ኣካላት ማዕረ ባህሪ፡ ማዕረ ሓይልን ማዕረ ክብርን ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኣሎ፡፡ ኣብታ መጀመርያ ዝቐረበት ጥቕሲ፡ እቲ ብስም ዝብል ንሰለስተ ዝተፈላለየ ኣካላት፡ ኣቦ ወድን መንፈስ ቅዱስን፡ ክነሱ ንሓደ ዘመልክት እምበር ንብዙሓት ከም ዘይኮነ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል (ማቴዎስ 28፡19፤ ማርቆስ 1፡9-11)፡፡ ኣምላኽ ሓቂ እዩ፡ ንሱ ኣይሕሱን፡ ፍጹም ኣይጋገን (መዝሙር 117፡2፤ 1ሳሙኤል 15፡29)፡፡

ኣምላኽ ፍጹም ቅዱስ ኮይኑ ካብ ኩሉ ርኽሰት ርሒቑ ንኹሉ ርኽሰት ዘበለ ይጸልእ፡፡ ኣምላኽ ንኹሉ ክፋእ ይርእዮን ብኹሉ ክፋእ ዘበለ ይቑጣዕን፡፡ ኣምላኽ ከም ዝባላዕ ሓዊ ተጸዊዑ ኣሎ (ኢሳይያስ 6፡3፤ ኣንባቆም 1፡13፤ ዘጸኣት 3፡2,5፤ እብራውያን 12፡29)፡፡ ኣምላኽ ፍጹም በዓል ጸጋን ጸጋውን እዩ፡፡ ኣብቲ ጸግኡ ድማ ሰናይ፡ ለውሃት፡ ምሕረትን ፍቕርን ኣሎ፡፡ ሳላ ጸግኡ እንተ ዘይከውንስ ብቕድስንኡ ካብ ቅድሚኡ ምርሓቕና፡፡ ምስጋና ይኹኖ ድማ ንሱ በብግልና ክፈልጠና ይፈቱ (ዘጸኣት 34፡6፤ መዝሙር 31፡19፤ 1ጴጥሮስ 1፡3፤ ዮሃንስ 3፡16፤ 17፡3)፡፡

እምበኣር እዚ ቐሪቡ ዘሎ ነቲ ክንዲ ኣምላኽ ዝምዕባዩ ሕቶ ዝኸውን ዘየጃህር ምቕሉል መልሲ ጥራይ እዩ፡፡ ደድሕሪ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ንምድላይ፡ ኣጆኻ በርትዕ (ኤርምያስ 29፡13)፡፡ English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ወይኒ ምስታይ እንታይ ይብል፤ ሓደ ክርስትያን ኣልኮል ምስ ዝሰቲ ከም ሓጢኣት ይቑጸረሉዶ?
© Copyright Got Questions Ministries