settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ የሎን ዝብል እምነት እንታይ እዩ?

መልሲ


ኣተይዝም ማለት ኣምላኽ የሎን ዝብል ኣረኣእያ እዩ። ኣተይዝም ሓድሽ ምዕባለ ኣይኮነን። ኣብ ከባቢ 1000 ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብዳዊት ዝተጻሕፈ መዝሙር 14፡1 ንኣተይዝም/ህላውነት ኣምላኽ ዘይቅበል እምነት ይጠቕሶ እዩ፡ “ዓሻ ብልቡ ኣምላኽ የሎን ይብል።” ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ኣተይዝም/ህላውነት ኣምላኽ ዘይቅበል እምነት ዝስዕቡ ቁጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብዓለም ደረጃ ክሳብ 10 ሚኢታዊት እዩ። ስለዚ ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣተይዝም/ህላውነት ኣምላኽ ዘይቅበል እምነት ዝኣትዉ ዘለው? ኣተይዝም ብሓቂ ከም’ቲ ንሶም ዝብልዎ ስነ-መጎታዊ መርገጺ ኣለዎ ድዩ?

ስለምንታይ’ዩ ኸ እዩ ኣተይዝም ዘሎ? ስለምንታይ ኣምላኽ ንሰባት ከምዘሎ ብቐሊሉ ገዝእ ርእሱ ዘይገልጽ? ብሓቂ ኣምላኽ እንተዝረአ ኔሩ፡ ኩሉ ሰብ ብኡኡ ምኣመነ ይብል እቲ ኣተሓሳስባ። ኣብ’ዚ እቲ ጸገም ንሱ ከምዘሎ ንሰባት ክረትዕ ናይ ኣምላኽ ድሌት ዘይሙዃኑ እዩ። ናይ ኣምላኽ ድሌት ድማ ሰባት ብእምነት ብኡኡ ክኣምኑ እዩ (2 ጴጥሮስ 3፡9) ከምኡ’ድማ ብእምነት ንህያብ ምድሓኑ ክቕበሉ እዩ (ዮሃንስ 3፡16)። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብንጹር ንህላውነቱ ገሊጹ እዩ (ዘፍጥረት 6-9፡ ዘጽኣት 14፡21-22፡ 1 ነገስት 18፡ 19-31)። እቶም ሰባት ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚኖም ዶ? እወ ኣሚኖም። ካብ ክፉእ መገዶም ተመሊሶም ንኣምላኽ ተኣዚዞም ዶ? ኣይፋሎምን። ሓደ ሰብ ናይ ኣምላኽ ህላውነት ብእምነት ክቕበል እንተዘይፈቒዱ፡ ካብኡ ንሱ/ንሳ ፍሉጥ’ዩ ብእምነት ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ክቕበሉ ድሉዋት ኣይኮኑን (ኤፌሶን 2፡8-9)። ናይ ኣምላኽ ድሌት ንሰባት ክርስትያናት ክኾኑ እዩ እምበር ተይስትስ (እምነት ኣምላኽ ዘለዎም) ጥራይ ክኾኑ ኣይኮነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ህላውነት ብእምነት ክንቅበል እዩ ዝነግረና። እብራውያን 11፡6 ከም ዝብሎ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብእምነት ኣብ ኣምላኽ ክንኣምንን ክንውከልን ከሎና ከም ንባረኽ እዩ ዝዛረበና፡ “የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ” (ዮሃንስ 20፡29)።

ህላውነት ኣምላኽ ብእምነት ክንቅበል ይግብኣና፡ እዚ ማለት ግን ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘይስነሞጎታዊ እዩ ማለት እይኮነን። ብዙሓት ደስ ዝብሉ ክትዓት ኣለው ንህላውነት ኣምላኽ ዝገልጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረና ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ኣድማስ ብንጹር እዩ ዝረአ (መዝሙር 19፡1-4)፡ ኣብ ተፈጥሮ (ሮሜ 1፡18-22) ከምኡ ድማ ኣብ ልብታትና (መክብብ 3፡11)። እዚ ኩሉ ኢልና ድማ፡ ህላውነት ኣምላኽ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ፡ ብእምነት ጥራይ እዩ ክንቅበሎ ዘሎና።

ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ኣተይዝም ንምእማን ብዙሕ እምነት ይሓትት። ነዚ ፍጹምነት ዘለዎ መግለጺ ናይ “ኣምላኽ የሎን” ምባል ማለት ድማ ንኹሉ ብፍጹም ከምትፈልጥ ምዝራብ እዩ እዚ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ከም ትፈልጥን ከምኡ ድማ ኣብ ኩሉ ኣብ ሰማያት ኣድማስ ከምዝነበርካ ምዝራብን ኣብ’ኡ ዘሎ ኩሉ ከምዝርኣኻን ምዝራብን እዩ። ልክዕ’ዩ ዝኾነ ኣተይስት/እምነት ኣልቦ ከም’ዚ ክብል ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግን ንሳቶም፡ ኣምላኽ ፍጹም ህላውነት የብሉን ክብሉ ከለው እዚ እዩ እቲ ንሶም ብቐንዱ ዝብልዎ ዘለው ዘረባ። ኣተይስትስ/ኣምነት ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣምላኽ ንኣብነት ኣብ ማኣከል ናይ ጸሓይ ወይ ብትሕቲ ደበናታት ናይ ጁፒተር ወይ ኣብ ገለ ርሑቕ ነቡላ ከምዘየለ ከረጋግጽዎ ኣይክእሉን እዮም። እዞም ቦታታት እዚኦም ክንሪኦም ልዕሊ ዓቕምና ስለዝኾኑ፡ ኣምላኽ የሎን ኢልካ ከተረጋግጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣትየስት/እምነት ኣልቦ ንሙዃን ልክዕ ከምቲ ተይስት/ኣማኒ ኣምላኽ ንሙዃን ብዙሕ እምነት የድሊ።

ኣተይዝም/እምነት ኣልቦነት ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ ከምኡ ድማ ናይ ኣምላኽ ህላወ ብእምነት እዩ ክንቅበሎ ዝግብኣና። ፍሉጥ’ዩ ክርስትያናት ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣጸቢቖም ይኣምኑ፡ ከምኡ ድማ ናይ ኣምላኽ ህላውነት ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘይ-ስነመጎታዊ እዩ ንዝብሉ ንነጽግ። ንሕና ናይ ኣምላኽ ህላውነት ብንጹር ክረአ፡ ብንጹር ክፍለጠናን ይኽእልን ብፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን ድማ ኣድላይነቱ ከምዝተረጋገጸ ንኣምንን። “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ። ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ። ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ” (መዝሙር 19፡1-4)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ የሎን ዝብል እምነት እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries