settings icon
share icon
ሕቶ

ከመይ ጌረ እየ ምድሓነይ ከረጋግጽ ዝኽእል?

መልሲ


ብዙሓት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ምድሓኖም ንከረጋግጹ ኣብ ዘይቦትኡ እዮም ዝደልይዎ ፡፡ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝዓዮ ነገራትን ፡ ኣብ ናትና መንፈሳዊ ዕቤትን ፡ ኣብ ሰናይ ግብርን ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ዝረአ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ምእዛዝን ፡ ኣብ’ዚኦም ምድሓንና ንከነረጋግጽ ናብኡ ንዘዙ ኢና ፡፡ እዞም ነገራት እዚኦም ናይ ምድሓንና መርትዖ ክኾኑ ይኽእሉ እንድዮም ፡ ምድሓንና ንምርግጋጽ ግና ኣብኦም ሰረት ክንገብር የብልናን ፡፡ እንታይ ደኣ ኣብቲ ትኹል ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ኢና ናይ ምድሓንና ምርግጋጽ ክንረክብ ዘሎና ፡፡ ኣብ ናህና ባዕላዊ ዝኾነ ተመኲሮታትና ዘይኮነስ ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝኣወጆ መብጽዓታት ተመርኲስና ኢና ንድሕን ፡፡

ከመይ ጌሩ እዩ ርግጽነት ምድሓን ዝህልወካ?

1 ዮሃንስ 5:11–13፡ ኣስተብህል፡ “ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ አላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።” መን እዩ ኸ እቲ ወዲ ዘለዎ? እቶም ብእኡ ዝኣምኑ (ዮሃንስ 1፡12)። ነቲ ሓላፊ ዘይኮነስ ፡ ንዘለኣለማዊ ዝኾነ ህይወት ከኣምበር።

ኣምላኽ ርግጽነት ምድሓን ክህልወና ይደልየና እዩ። ንመዋእል ህይወትና እምበር’ዶ ድሒነ እየ እናበልና ነፍስወከፍ መዓልቲ እናተጨነቕና ክንነብር ኣይኰንናን ዘሎና። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንመደብ ምድሓን ኣዝዩ ንጹር ዝገብሮ ፡፡ ብየሱስ ክርስቶስ እመን (ዮሃንስ 3፡16 ፥ ግብሪ ሃዋርያት 16፡31።

ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ” (ሮሜ 10፡9)። ካብ ሓጢኣትካ ተነሲሕካ ዲኻ? የሱስ ስለ ሓጢኣትካ ምማቱን ካብ ምውታን ምትንሳኡን ትኣምንዶ ኢኻ?(ሮሜ 5፡8፡ 2ቆሮንጦስ 5፡21)? ንእኡ ጥራይ ዲኻ ንምድሓን ትውከሎ? ነዘን ሕቶታት ትህቦ ምላሽ እወ እንተኾይኑ ፡ ንስኻ ድሒንካ ኢኻ! ርግጽነት ማለት ሓርነት ካብ ምጥርጣር እዩ፡ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ጌርካ ፡ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ምድሓንካ ምጥርጣር ክህልወካ ኣይክእልን እዩ ፡፡

የሱስ ባዕሉ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኣረጋጊጽሎም እዩ ፡ ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይ’ውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን (ዮሃንስ 10፡28 ፡29) ዘልኣለማዊ ህይወት በቃ ክንድኡ ንዘልኣለም እዩ ፡፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብካዮ ውህበት ምድሓን ካባኻ ክወስዶ ዝኽእል ሓደኳ የልቦን። ባዕልኻ ውን ከይተረፈ።

በቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለካ ዘሎ ተሓጎስ ኢኻ፡ ኣብ ክንዲ ምጥርጣር፡ ተኣማሚንና ክንነብር ንኽእል ኢና! ምድሓንና ኣብ ምልክት ሕቶ ከቶ ከምዘይኣቱ ካብ ቃል ክርስቶስ ባዕሉ ርግጽነት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ርግጽነት ናይ ምድሓንና ኣብቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጌሩ ዘዳለወልና ፍጹምን ምሉእን ምድሓን እዩ ዝምርኰስ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ከመይ ጌረ እየ ምድሓነይ ከረጋግጽ ዝኽእል?
© Copyright Got Questions Ministries