settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ሃዋርያት መዝጊብዎ ዶ? ነፍሲ-ወከፍ ሃዋርያ ብኸመይ ሞይቱ?

መልሲ


እቲ እንኮ ሞቱ ዝተጻሕፈ ሃዋርያ ያእቆብ እዩ (ግብረሃዋርያት 12፡2)። ንጉስ ሄሮዶስ ን ያእቆብ ሓው ዮሃንስ “ኣሰየፎ” ዝብል እዚ ዳርጋ ንርእሲ ምቑራጽ ዘምልከት እዩ። ኩነታት ሞት ናይ’ቶም ካልኦት ሃዋርያት ምስ ሙሉእ ናይ ቤተ ክርስትያን ልምዲ ዝተኣሳሰር እዩ፡ ስለዚ ድማ ንሕና ኣብ ዝኾነ ካልኦት ጸብጻባት ብዙሕ ክንጸቅጥ የብልናን። እቲ ቀንዲ ብዛዕባ ሞት ናይ ሃዋርያ ርዱእ ዝኾነ ልምዲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ሮማ ቁልቁል ኣፉ ኣብ ኤክስ ዝቕርጹ መስቀል ምስቃሉ እዩ፡ እዚ ከኣ ንምፍጻም ናይ የሱስ ትንቢት (ዮሃንስ 21፡18) እዩ። እዞም ዝስዕቡ ከኣ ቀንዲ ፍሉጣት “ልምድታት” ብዛዕባ ሞት ናይ ካልኦት ሃዋርያት እዮም፡

ማቴዎስ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ብናይ ሴፍ መቕተልቲ ሰማእትነት ተቐቢሉ። ዮሃንስ ኣብ ግዜ ማዕበል ናይ ስደት ኣብ ሮም እዩ ኣብ ዓቢ ናይ ዘይቲ መፍልሒ ድስቲ ኣትዩ። ኮይኑ ግን ብትኣምራት ካብ ሞት ዲሒኑ። ካብኡ ዮሃንስ ኣብ’ቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ጳጥሞስ ዘሎ መዐደኒ እዩ ተፈሪዱ። ነታ ትንቢታዊት መጽሓፍ ራኢ ዮሃንስ ድማ ኣብ ጳጥሞስ ኮይኑ እዩ ጽሒፍዋ። ሃዋርያ ዮሃንስ ድሒሩ ተፈቲሑን ናብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመናዊ ቱርኪ ድማ ተመሊሱ። ኣሪጉ ድማ ሞይቱን እቲ እንኮ ብሰላም ዝሞተ ሃዋርያ ድማ እዩ።

ያእቆብ፡ ሓው የሱስ (ብወግዒ ሃዋርያ ዘይኮነ)፡ ናይ’ታ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበርት ቤተ ክርስትያን መራሒ ኔሩ። ንሱ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮ እምነት ምኽሓድ ምስ ኣበየ ካብ’ቲ ደቡባዊ ምብራቕ ጫፍ ናይታ ቤት መቕደስ ድማ ተሰንድዩ (ልዕሊ ሚእቲ ጫማ ንታሕቲ)። ካብ’ቲ ዝጸደፎ ከም ዝድሓነ ምስ ርኣዩ፡ ጸላእቱ ብኩርማጅ ጌሮም ክሳብ ዝመውት ቀጥቂጦሞ። እዚ ልክዕ እታ ሰይጣን ንየሱስ ኣብ እዋን ምፍታን ዝወሰዶ ጫፍ እያ ትብሃል።

እቲ ናትናኤል ዝብሃል ቤርጠለሜዎስ ከኣ ኣብ ኤስያ ሚስዮናዊ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ቱርኪ መስኪሩን ብሰንኪ ብምስባኹ ድማ ኣብ ኣርሜንያ ብኩርማጅ እንዳተሃርመ ብሰማእትነት ሞይቱ። እንድርያስ ኣብ ኤክስ ዝቕርጹ መስቀል ኣብ ግሪኽ እዩ ተሰቒሉ። ብሸውዓተ ወትሃደራት ድማ ብኸቢድ ብኹርማጅ ምስ ተሃርመ፡ ኣካላቱ ምስ’ቲ መስቀል ብገመድ ጌሮም ስቓዩ ንምንዋሕ ኣሲሮሞ። ሰዓብቱ ከምዝበልዎ ናብ’ቲ መስቀል ገጹ ክመርሕዎ ከለው፡ እንድርያስ በዞም ቃላት ተሰናቢቱ “ ካብ ነዊሕ ግዜ ነዛ ደስ ትብል ሰዓት ደሌያን ተጼበያን ኔረ። መስቀል በቲ ኣብ’ኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ኣካል ክርስቶስ ተባሪኹ እዩ።” ነቶም ዘሳቕይዎ ዝነበሩ ድማ ክሳብ ዝመውት ምስባኽ ኣየቋረጸን። ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ናይ ምምስራት ቤተክርስትያን ተልእኹኡ ኣብ ህንዲ ብ ጭማራ/ኩናት ተሃሪሙ። ማትያስ፡ ነቲ ዝጠለመ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ክትክእ ዝተሓርየ ድማ ብእምኒ ተጨፍጪፉን ድሓር ድማ ተሰይፉ/ርእሱ ተቖሪጹን። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ በቲ ክፉእ ዝነበረ ንጉስ ኔሮ ኣብ 67 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ተሳቕዩን ድሓር ድማ ተሰይፉ/ርእሱ ተቖሪጹ። ብተመሳሳሊ ብዛዕባ እቶም ካልኦት ሃዋርያት ድማ ልምድታት ኣለዉ፡ ኮይኑ ግን ዝኾነ ዘተኣማምን ታሪኻውን ልምዳውን መደገፊ የብሎምን።

ሃዋርያት ብኸመይ ሞይቶም ክሳብ ክንድ’ቲ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ንሳቶም ንእምቶም ክሞቱ ፍቓደኛታት ምንባሮም እዩ እቲ ሓቂ። የሱስ ተንሲኡ እንተዘይከውን፡ ደቀ-መዛሙርቲ ምፈለጡ ኔሮም። ሰባት ድማ ንሓደ ሓሶት ሙዃኑ ዝፈለጥዎ ነገር ኣይሞቱን እዮም። እቲ ኩሎም ሃዋርያት ብዘስካሕክሕ ሞት ክሞቱ ፍቓደኛታት ምንባሮም ከኣ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ክኽሕዱ ምእባዮም ከኣ እዚ ዓቢ መርትዖ ናይ’ቲ ንሳቶም ብሓቂ ትንሳኤ ክርስቶስ ርእዮም ምንባሮም እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ሃዋርያት መዝጊብዎ ዶ? ነፍሲ-ወከፍ ሃዋርያ ብኸመይ ሞይቱ?
© Copyright Got Questions Ministries