settings icon
share icon
ሕቶ

ዘልኣለማዊ ምጥፋእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?

መልሲ


ዘልኣለማዊ ምጥፋእ ክብሃል ከሎ፡ ዘይኣመንቲ ኣብ ጋሃነም ዘልኣለማዊ ስቓይ ኣይረኽቡን እዮም እንታይ ዳኣ “ክጠፍኡ” እዮም ዝብል እምነት እዩ። ብምኽንያት እቲ ዘስካሕክሕ ሓሳብ ናይ ሰባት ኣብ ጋሃነም ምስቓይ ንብዙሓት ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ዝብል ሰሓቢ እዩ። ዋላ’ኳ ንጥፍኣት ዝካትዑ ዝመስሉ ገለ ጽሑፋት እንተሃለው፡ ኮይኑ ግን ብዛዕባ ዕጫ ናይ ረሲኣን ኣጠቓሊልካ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምርኣይ ግን እቲ ሓቂ ኣብ ጋሃነም ዘሎ መቕጻዕቲ ንዘልኣለም ሙዃኑ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ጥፍኣት ዝብል ምእማን ካብ’ዞም ዝስዕቡ ሓደ ወይ ዝያዳ ትምህርትታት ብጌጋ ምርዳእ እዩ ዝብገስ፡ 1) ሳዕቤን ሓጥያት 2) ፍትሒ ናይ ኣምላኽ 3) ባህሪ ናይ ጋሃነም።

ምስ ባህሪ ናይ ጋሃነም ብምዝማድ፡ ኣመንቲ ዝለኣለማዊ ጥፍኣት ንትርጉም ቀላይ ሓዊ ብጌጋ ይርድእዎ። ልክዕ እዩ እንተድኣ ሰብ ናብ ዝነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርብዩ፡ ንሱ/ንሳ ዳርጋ ብቕጽበት እዮም ዝነዱ። ኮይኑ ግን ቀላይ ሓዊ ክልቲኡ ኣካላውንን መንፈሳውን ቦታ እዩ። ናይ ሰብ ኣካል ጥራይ ኣይኮነን ናብ ቀላይ ሓዊ ዝድርበ፡ እንታይ ደኣ ናይ ሰብ ኣካል፡ ነብሲ፡ ከምኡ’ውን መንፈስ ውን ከምኡ። መንፈሳዊ ተፈጥሮ ብኣካል ዘሎዎ ሓዊ ክነድድ ኣይክእልን። ከም’ቲ ነቶም ዝድሓኑ ዝኸውን እቶም ዘይድሓኑ ን ዘልኣለም ብዝተዳለወ ኣካል ዝትንስኡ ይመስል (ራኢ 20፡13፡ ግብሪሃዋርያት 24፡15)። እዞም ኣካላት እዚኦም ንናይ ዘልኣለም ዕጫ እዮም ዝዳለው።

ኣመንቲ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት፡ ንዘልኣለምነት ካልእ ብጉቡእ ዘይተረድእዎ ጉዳይ እዩ። ኣመንቲ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ነቲ ናይ ግሪኽ ቃል ኣዮኒዮን ዝብል ብዙሕ ግዜ ድማ ዘልኣለማዊ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ እንተዳኣ ተተርጒሙ ዘልኣለማዊ ማለት ኣይኮነን። እዚ ብፍሉይ ን “ዘመን” ወይ “ኢዮን” ፍሉይ እዋን ናይ ግዜ እዩ ዘመልክት። ኮይኑ ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኣዮኒዮን ኣብ ገለ ግዜ ን ዘልኣለማዊ ንውሓት ናይ ግዜ እዩ ዘመልክት። ራኢ ዮሃንስ 20፡10 ብዛዕባ ሰይጣን፡ እቲ ኣራዊትን ከምኡ’ውን እቲ ሓሳዊ ነቢይን ናብ ቀላይ ሓዊ ከም ዝድርበዩን ንዘልኣለም-ኣለም ድማ “ቀትርን ለይትን” ከምዝሳቐዩ እዩ ዝዛረብ። እዞም ሰለስተ ናብ ቀላይ ሓዊ ተደርብዮም ከምዘይህሞኹ ፍሉጥ እዩ። ስለምንታይ እዩ እሞ ዕጫ ናይ ዘይኣምኑ ክፍለ (ራኢዮሃንስ 20፡14-15)? እቲ ቀንዲ ረታዒ መርቶዖ ብዛዕባ ዘልኣለማዊ ጋህነም ከኣ ኣብ ማቴዎስ 25፡46 ዘሎ “እዚኣቶም (ዘይኣመንቲ) ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” ኣብ’ዚ ጥቕሲ ን ዕጫ ናይ ረሲኣንን ጻድቃንን ንምምልካት ተመሳሳሊ ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ተጠቒሙ ዘሎ። እንተድኣ ረሲኣን ን “ግዜ” ጥራይ ኮይኖም ዝሳቐዩ፡ ጻድቃን ድማ ሂወት ኣብ ሰማይ ን “ግዜ” ጥራይ እዮም ክነብሩ። ኣምነቲ ኣብ ሰማይ ንዘልኣለም ዝነብሩ እንተኾይኖም፡ ዘይኣመንቲ ድማ ንዘልኣለም እዮም ኣብ ገሃነም ክንብሩ።

ካልእ ብኣመንቲ ንዘልኣለም ምጥፋእ ዝቐርብ ተቓውሞ ንዘልኣለምነት ናይ ጋህነም ከኣ ዘይኣመንቲ ብዝገበርዎ ውሱን ሓጥያት ኣብ ናይ ዘልኣለም ገሃነም ምቕጻዕ ንኣምላኽ ዘይፍትሓዊ እዩ ክኾኖ ዝብል እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ ን ሓደ 70 ዓመት ሂወቱ ብሓጥያት ንዝነበረ ሰብ ንዘልኣለም ኣብ ጋህነም ዝቕጻዕ? እቲ መልሲ ድማ ናህና ሓጥያት ናይ ዘልኣለም ሳዕቤን እዩ ዝስከም፡ ምኽንያቱ ኣንጻር እቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ ተፈጺሙ። ንጉስ ዳዊት ሓጥያት ናይ ዝሙትን ቅትለትን ምስ ገበረ ንሱ “...ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ይብል (መዝሙር 51፡4)። ዳዊት ኣብ ልዕሊ ባትሴባን ኡርያን እዩ ሓጥያት ፈጺሙ፡ ዳዊት ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ንዓኻ ጥራይ በደልኩ ክብል ዝኽእል? ንሱ ኩሉ ሓጥያት ኣብ መወዳእቱ ኣንጻር ኣምላኽ ሙዃኑ እዩ ተረዲኡ። ኣምላኽ ዘልኣለማን ዘይድረትን እዩ። ስለዚ ድማ ኣንጻሩ ዝግበር ኩሉ ሓጥያት ድማ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ እዩ ዝግበኦ። ንሕና ንሓጥኦ፡ እዚ ጉዳይ ናይ ንውሓት ግዜ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ባህሪ ናይ’ቲ ኣንጻሩ ንሕና ሓጥያት እንፍጽሞ ኣምላኽ እዩ።

ዝያዳ ውልቃዊ ሸነኽ ናይ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ድማ እንተዳኣ እቶም ነፍቅሮም ኣብ ጋህነም ንዘልኣለም ይሳቐዩ ከም ዘለው ፈሊጥና፡ ንሕና ኣብ ሰማይ ሕጉሳት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ኮይኑ ግን ንሕና ኣብ ሰማይ ምስ ኣተና ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ኣይክነማርርን ወይ ኣይክንጉህን ኢና። ራኢ ዮሃንስ 21፡4 “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብለና። እንተድኣ ገለ ካብ ነፍቅሮም ኣብ ሰማይ ዘየለዉ ኮይኖም፡ ንሕና ንሳቶም ኣብ’ኡ ከምዘይግብኦምን ብሰንኪ ባዕሎም ንየሱስ ክርስቶስ ምንጻጎም ከምዝተኾነኑን ምስ’ዚ ሚእቲ ብሚእቲ ክንሰማማዕ ኢና (ዮሃንስ 3፡16፡ 14፡6)። ነዚ ክትርደኦ ኣጸጋሚ እዩ፡ እንተኾነ ግን ብዘይ ምህላዎም ኣይክንጉህን ኢና። ናህና ኣተኩሮ ከመይ ጌርና ብዘይ’ቶም ኩሎም ነፍቅሮም ኣብ ሰማይ ክንሕጎስ ኢና ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ፡ እንታይ ደኣ ኣብ’ኡ ምእንቲ ክኾኑ ከመይ ጌርና ነቶም ነፍቅሮም ናብ እምነት ናብ ክርስቶስ ነርእዮም ደኣ ክኸውን ኣለዎ።

ምናልባት ጋሃነም እዩ ክኸውን ዝኽእል እቲ ዋና ምኽንያት ኣምላኽ ን የሱስ ክርስቶስ ናይ ሓጥያትና መቕጻዕቲ ክኸፍል ዝለኣኾ። ድሕሪ ሞት ዘሎ “ምጥፋእ’ ኣይኮነን ከሰምብደና ዘሎዎ ዕጫ፡ እንታይ ደኣ ብቐንዱ ንዘልኣለም ኣብ ሲኦል ሙዃን እምበር። ናይ የሱስ ሞት ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጥያትና ዝኸፍል ናይ ዘልኣለም ሞት እዩ፡ በዚ ድማ ንሕና ንዘልኣለም ኣብ ገሃነም ምእንቲ ከይንኸፍል እዩ (2 ቆሮንጦስ 5፡21)። እምነትና ኣብ’ኡ ክንገብር ከሎና፡ ንሕና ንድሕን፡ ሕድገት ንረክብን ንነጽህን ከምኡድማ ኣብ ሰማይ ድማ ናይ ዘልኣለማዊ ሂወት ተስፋ ኣሎናን። ኮይኑ ግን ናይ ኣምላኽ ህያብ ናይ ዘልኣለማዊ ሂወት እንተድኣ ነጺግናዮ፡ ንሕና ናይ ዘልኣለም ሳዕቤን ናይ’ቲ ውሳኔ ክገጥመና እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዘልኣለማዊ ምጥፋእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries