settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ይብል?

መልሲ


መላእኽቲ ህልውናኦም፣ መንፈሳዊ ኣካል ኮይኑ፣ኣስተውዕሎ [ብልሒ]፣ ስምዒትን ፍቓድን ዘውንኑ እዮም። እዚ ክውንነት እዚ ኣብ ክልቲኦም ዓይነት ማለት ኣብ መላእኽቲ ኣምላኽን ሰይጣንን ዘሎ ሓቂ እዩ። መላእኽቲ ብልሓት (ኣስተውዕሎ) ይውንኑ እዮም። (ሜቴዎስ 8:29; 2ይ ቆረንስቶስ 11:3; 1ይ ጴጥሮስ 1:12), ስምዒቶም የርእዩ (ሉቃስ 2:13; ያዕቆብ 2:19; ራእይ 12:17), ከምኡ’ውን ፍቓዶም የተግብሩ (ሉቃስ 8:28-31; 2ይ ጢሞቴዎስ 2:26; ይሁዳ 6)። መላእኽቲ ፍጡራት መናፍስቲ እዮም። (እብራውያን 1:14) ወላኳ ግኡዛዊ ኣካላት ኣይሃልዎም፣ ባህርያት ዘለዎም እዮም ።

ፍጡራን [ፍጡራት] ስለዝኾኑ፣ ፍልጠቶም ድሩት እዩ። እዚ ማለት ከምቲ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ፣ ከምኡ ኩሉ ዝፈልጡ ኣይኮኑን። (ማቴዎስ 24:36)። ብሰለስተ ነገራት እኳ እንተኾነ፣ ካብ ሰብ ዝያዳ ፍልጠት ዘለዎም ይመስሉ። ቀዳማይ ነገር፣ ብኣፈጣጥራኦም ካብ ሰባት ልዕል ብዝበለ ኣገባብ እዮም ተፈጢሮም። ስለዚ ብተፈጥሮኦም ዝያዳ ፍልጠት ይሕዙ። ካልኣይ ነገር፣ መላእኽቲ ዝያዳ ሰብ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንዓለምን ብዕቱብ የጽንዑን፣ ዝያዳ ፍልጠት ይድልቡን። (ያዕቆብ 2:19; ራእይ 12:12). ብሳልሳይ ደረጃ፣- ካብ ነዊሕ ትዕዝብቲ ተግባራት ሰብ፣ ፍልጠት የኻዕብቱ። መላእኽቲ ድሮ ስለዝተሞክርዎ፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ከም ሰባት፣ መጽናዕቲ ክካይዱ ኣየድልዮምን። ስለዚ ኣብ ዘጋጠመ ኩነታት ካልኦት እንታይ ገይሮምን ኣብ ምንታይ በጺሖምን ስለዝፈልጡ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት፣ እንታይ ክግበር ምዃኑ ብዝለዓለ ደረጃ ልክዕነት ከተንብሁ ይኽእሉ።

መላእኽቲ ወላኳ ፍቓድ እንተሃለዎም፣ ከም ኩሉ ፍጥረት፣ ንፍቓድ ኣምላኽ ይንብርከኹ እዮም። ሰናያት መላእኽቲ፣ ንኣመንቲ ንክሕግዙ፣ ብኣምላኽ ይለኣኹ እዮም። (እብራውያን 1:14። እንሆ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ፣ ገለ ገለ ተግባራት መላእኽቲ ኣሎ።

ንኣምላኽ የመስግኑ (መዝሙር ዳዊት 148:1-2; ኢሳይያስ 6:3)። ንኣምላኽ የዕብይዎ/የምልኽዎ። (እብራውያን 1:6; ራእይ 5:8-13)። ብግብርታት ኣምላኽ ይሕጎሱ (እዮብ 38:6-7)። ንኣምላኽ የገልግልዎ (መዝሙር ዳዊት 103:20; ራእይ 22:9)። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቆሙ (እዮብ 1:6; 2:1)። ንፍርድታት ኣምላኽ ዝፍጽሙ/ዘገልግሉ ኣቕሓ እዮም። (ራእይ 7:1; 8:2). መልሲ ጸሎት የቕርቡ (ግብረ-ሃዋርያት 12:5-10)። ንክርስቶስ ኣብ ምቕባል ንህዝቢ ይሕግዙ (ግብረ-ሃዋርያት 8:26; 10:3)። ስርዓት፣ ዕዮን፣ ስቕያትን ክርስትያን ይዕዘቡ (1ይ ቆረንቶስ 4:9; 11:10; ኤፌሶን 3:10; 1ይ ጴጥሮስ 1:12)።ኣብ እዋን ጸገም የተባብዑ (ግብረ-ሃዋርያት 27:23-24). ኣብ ግዜ ሞት ንነፍሲ ጻድቓን ይሓልዩ (ሉቃስ 16:22)።

መላእኽቲ፡ ህልውናኦም፡ ካብ ሰብ፡ ብፍጹም ዝተፈልየ ስርዓት እዩ። ደቂ ሰባት ድሕሪ ሞቶም፡ መላእኽቲ ኣይቅየሩን። መላእኽቲ ከኣ ብፍጹም ደቂ ሰብ ኣይቅየሩን፡ ኮይኖም እውን ኣይፈልጡን። ኣምላኽ ከምቲ ንሰብ ከም ሰብ ዝፈጠሮ፡ ንመላእኽቲ ብናይ ርእሶም መልክዕ ፈጠሮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ምስልናን ብመልክዕናን ንፍጠር ኢሉ፡ ንሰብ ከምዝፈጠሮ ገይሩ፡ ብዛዕባ መላእኽቲ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ጽሑፋቱ ዝገልጽ የልቦን። (ዘፍጥረት 1:26)። መላእኽቲ መናፍስቲ ኮይኖም፡ ብመንፋሳዊ መልክዕ ክነሱ፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ቅርጺ ግዙፋዊ ትርኢት ክለብሱ ዝኽእሉ እዮም። ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝዓበየ ነገር ክንመሃሮ እንኽእል፣ ቅልጣፎኦምን ንትእዛዛት ኣምላኽ ዘየተሓትት ምእዙዙነቶም እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries