settings icon
share icon
ሕቶ

ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ፍጡራት ወይ ዩፎ ዝብሃሉ ነገራት ኣለው ድዮም?

መልሲ


መጀመርያ “ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ፍጡራት” ከም “ፍጡራት ኮይኖም ሞራላዊ ውሳኔ ክገብሩ ዝኽእሉ፡ ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን ዘለዎም” ጌርና ንተርጉሞም፡ ቀጺልና ውሑዳት ስነፍልጠታዊ ሓቅታት፡

1. ሰባት ናብ ነፍሲ-ወከፍ ፕላነት ናህና ስርዓተ ጸሓይ ወይ ሶላር ሲስተም ናይ ህዋ ነፈርቲ ሊኢኾም እዮም። ነዞም ፕላነታት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኩለን ዘይኮና ማርስን ሓንቲ ወርሒ ናይ ጁፒተርን ጥራይ ሂወታዊ ክነብረን ከምዝኽእል በጺሕናዮ።

2. ኣብ 1976 ኣሜሪካ ክልተ ዓለብቲ ናብ ማርስ ሊኢኻ። ነፍሲ-ወከፈን ከኣ ናብ ውሽጢ ሑጻ ማርስ ክኹዕት ዝኽእልን ከምኡ’ውን ንዝኾነ ምልክት ሂወት ክምርምር ዝኽእልን መሳርሒ ኔርወን። ፈጺሞም ዝኾነ ነገር ኣይረኸቡን። ምስ’ኡ ብምንጽጻር ካብ’ቲ ዝሞተ ምድረበዳ ናይ መሬት ወይ እቲ ቀንዲ ዝበረደ ሓመድ ኣብ ኣንታርቲካ እንተድኣ መርሚርካ በደቀቕቲ ታህዋስያን የዕለቕሊቑ ክጸንሕ እዩ። ኣብ 1997፡ ኣሜሪካ ናብ ባይታ ናይ ማርስ ዳህሳሲ ነገር ሊኢኻ። እዚ ዘዋሪ ብዙሕ ሳምፕላት ወሲዱን ከምኡድማ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዱን። እዚ ከኣ ብፍጹም ወልሓንቲ ምልክት ሂወት ኣይረኸበን። ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ናብ ማርስ ተላኢኾም ኔሮም ኣዮም። እቲ ውጺኢታት ድማ ወትሩ ተመሳሳሊ ኔሩ።

3. ተመራመርቲ ስነ-ከዋኽብቲ ኣብ ርሑቕ ዝኾነ ሶላር ሲስተማት ቀጻሊ ሓደስቲ ፕላነታት ይረኽቡ ኣለው። ገለ ከኣ እዚ ህላወ ናይ ብዙሓት ፕላነታት ኣብ ገለ ቦታ ናይ ኣድማስ ግድን ሂወት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም ይእምሙ። እቲ ሓቂ ድማ ወልሓደ ካብ’ዚኦም ሂወት ክሕዝ ናብ ዝኽእል ፕላነት ዝቃራረብ ኮይኑ ኣይተረጋገጸን። ኣብ መንጎ ምድርን እዞም ፕላነታትን ዘሎ ብዙሕ ርሕቀት ከኣ ብዛዕባ ሂወት ናይ ምሓዝ ክእለቶም ዝኾነ ፍርዲ ንምሃብ ዘይክኣል ይገብሮ። ኣብ ናህና ስርዓተ-ጽሓይ ወይ ሶላር ሲስተም ምድሪ ጥራይ ሂወት ከምዝነብራ ምፍላጥ ድማ፡ ፍልቀታውያን ነቲ ሂወት ፈሊቓ እያ ዝብል ሓሳቦም ንምድጋፍ ኣዝዮም ኣብ ካልእ ስርዓተ-ጽሓይ ወይ ሶላር ሲስተም ካልእ ፕላነት ክረኽቡ ይደልዩ። ኣብ’ኡ ብዙሓት ፕላነታት ኣለው፡ ኮይኑ ግን ብዛዕቦኦም ሂወት ክነብሮም ዝኽእል እንተኾይኑ ብርግጽ ኣይንፈልጥን ኢና።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል? መሬትን ወዲ-ሰብን ኣብ ናይ ኣምላኽ ፍጥረት ፍሉያት እዮም። ዘፍጥረት 1 ኣምላኽ ቅድሚ ንጸሓይ፡ ወርሒ ወይ ከዋኽብቲ ምፍጣሩ ንመሬት ፈጢርዋ ኢሉ ይምህረና። ግብረ-ሃዋርያት 17፡24፡ 26 ከምዝብሎ ድማ “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ…፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ…ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።” ይብል።

ኣብ ፈለማ፡ ወዲ-ሰብ ብዘይ ሓጥያት እዩ ኔሩ ከምኡ ከኣ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ድማ “ኣዝዩ ጽቡቕ ኔሩ” (ዘፍጥረት 1፡31)። እቲ ቀዳማይ ሰብ ምስ ሓጠአ (ዘፍጥረት 3)፡ እቲ ውጺኢት ድማ ኩሉ ዓይነት ጸገማት እንከላይ ሕማምን ሞትን እዩ ኔሩ። ዋላ’ኳ እንስሳታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ውልቃዊ ሓጥያት እንተዘይነበሮም (ንሳቶም ሞራላዊ ፍጥረት ኣይኮኑን)፡ ግናኸ ይሳቐዩን ይሞቱን (ሮሜ 8፡19-22)። የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝግብኣና መቕጻዕቲ ናይ ሓጥያት ንከርሕቕ ሞይቱ። ንሱ ክምለስ ከሎ፡ እቲ ካብ ኣዳም ኣትሒዙ ዝነበረ መርገም ከወግዶ እዩ (ራኢ ዮሃንስ 21-22)። ሮሜ 8፡19-22 ኩሉ ፍጥረት ነዚ ግዜ ብሃረርታ ይጽበ ኣሎ ከም ዝብለና ነስተብህል። ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ሰብ ክመውት ከምዝመጸን ከምኡ ድማ ሓንሳብ ከምዝሞተን ምግንዛብ ውን ኣገዳሲ እዩ (እብራውያን 7፡27፡ 9፡26-28፡ 10፡10)።

እንተድኣ ሕጂ ኩሉ ፍጥረት ኣብ ትሕቲ መርገም ይሳቐ ኣሎ ኮይኑ፡ ብዘይካ መሬት ዝኾነ ሂወት ክሳቐ እዩ። እንተድኣ ንስለ ክትዕ፡ ሞራላዊ ፍጡራት ኣብ ካላኦት ፕላነታት ኣለው ኮይኖም ንሳቶም ውን ክሳቐዩ እዮም፡ ሕጂ እኳ እንተዘይኮነ ሓደ መዓልቲ ኩሉ ነገር ብዓቢ ድምጺን ከምኡ’ውን እቲ ባእታታት ብዘየቋርጽ ረስኒ ክሓልፍ ከሎ ብርግጽ ክሳቐዩ እዮም (2 ጴትሮስ 3፡10)። ፈጺሞም ሓጢያት እንተዘይጌሮም፡ ኣምላኽ ክቐጽዖም ከሎ ዘይፍትሓዊ ክኸውን እዩ። ሓጢያት እንተጌሮም ግን ክርስቶስ ድማ ሓንሳብ ዝመውት እንተኾይኑ (ኣብ መሬት ዝገበሮ)፡ ካብኡ ንሶም ኣብ ሓጢያቶም እዮም ዝግደፉ፡ እዚ ከኣ ምስ ባህሪ ኣምላኽ ክጻረር እዩ (2 ጴጥሮስ 3፡9)። እዚ ኣብ ዘይፍታሕ ግርምቢጥ ክገድፈና እዩ--ብርግጽ ድማ ካብ ምድሪ ወጻኢ ፍጡራት እንተድኣ ሃልዮም እዩ።

እዞም ኣብ ካልእ ፕላኔት ዘለው ሞራላውያን ዘይኮኑ ከምኡ’ውን ስምዒት ዘይብሎም ዓይነት ሂወት ከ? ኣልጌ ወይ ሰበባ ወይ ኣኽላባትን ደማሙን ከ ኣብ ካልኦት ዘይፍለጡ ፕላነታት ክህልዉ ይኽእሉ ዶ? ብግምት እወ፡ እዚ ከኣ ንዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ ድማ ዝኾነ ጉድኣት ኣየምጽእን። ኮይኑ ግን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ማለት “ኩሉ ፍጥረት ይሳቐ ስለዘሎ፡ ኣምላኽ ን ኣብ ርሑቕ ዘለው ፕላነታት ንሞራል ዘይብሎምን ከምኡ’ውን ስምዒት ዘይብሎም ፍጡራት ምፍጣር እንታይ ዕላማ እዩ ክህልዎ” ብርግጽ ንጸገም እዩ ዘረጋግጽ?”

ኣብ መደምደምታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ቦታ ናይ ኣድማስ ሂወት ኣሎ ኢልና ክንኣምን ምኽንያት ኣይህበናን። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ክኸውን ከምዘይክእል ብዙሕ ዝተፈላለየ ምኽንያት ይህበና። እወ ብዙሓት ሓደስትትን ክግለጹ ዘይክእሉን ዝተፈጸሙ ነገራት ኣለው። ይኹን እምበር፡ ነዞም ክስተታት ምስ ካብ ምድሪ ወጻኢ ዘለው ፍጡራት ኢልካ ወይ ምስ ዩፎ ከተተሓሕዞም ምኽንያት ኣይርከብን። እንተድኣ ክልለ ዝኽእል ምኽንያት ናይ’ዞም ዝተሓስቡ ፍጻሜታት ኣሎ ኮይኑ፡ ዳርጋ መንፈሳዊ ወይ ከኣ ዝያዳ ብፍሉይ ኣጋንንታዊ መበገሲ ዘለዎ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ፍጡራት ወይ ዩፎ ዝብሃሉ ነገራት ኣለው ድዮም?
© Copyright Got Questions Ministries