settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ወይኒ ምስታይ እንታይ ይብል፤ ሓደ ክርስትያን ኣልኮል ምስ ዝሰቲ ከም ሓጢኣት ይቑጸረሉዶ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘስክር ኣልኮል ምስታይ ብዙሕ ይዛረብ እዩ (ዘሌዋውያን 10፡9፤ ዘሁልቁ 6፡3፤ ዘዳግም 29፡6፤ መሳፍንቲ 13፡4,7,14፤ ምሳሌ 20፡1፤ 31፡4፤ ኢሳይያስ 5፡11,22፤ 24፡9፤ 28፡7፤ 29፡9፤ 56፡12)፡፡ ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያን ካብ ስዋ፡ ሜስ፡ ቢራ፡ ወይኒ ይኹን ካልእ ኣልኮል ዘለዎ መስተ ካብ ምስታይ ኣይእግዶን፡፡ ኣብ ገለ እቲ ጽሑፋት ከኣ ኣልኮላዊ መስተ ከም ጽቡቕ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ መክብብ 9፡7፡ ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሕጉስ ልቢ ስተ ይብል፡፡ መዝሙር 104፡14-15 ድማ ወይኒ ንልቢ ሰብ ከሐጉሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ከብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ከጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ከውጽእ ንእንስሳ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቆልካ ይብል፡፡ ኣሞጸ 9፡14 ኸኣ ወይኒ ካብ ግራትካ ምስታይ ከም ምልክት በረኸት ኣምላኽ ምዃኑ ይዛረብ፡፡ ኢሳይያስ 55፡1 ከኣ ኣቱም ጽሙኣት ኩላትኩም ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ፡፡ እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሸየጡ እናበለ ይጽውዕ፡፡

ኣምላኽ ንክርስትያን ካብ ምስካር ክርሕቁ ይእዝዞም (ኤፌሶን 5፡18)፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስካርን መዘዙን ኩሉ ይኹንኖ (ምሳሌ 23፡29-35)፡፡ ክርስትያን ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ወልፊ ከይግዝኡ ይእዘዙ (1ቆሮስንጦስ 6፡12፤ 2ጴጥሮስ 2፡19)፡፡ መስተ ብብዝሒ ምስታይ ናብ ወልፊ ዘድህብ እዩ፡፡ ሓደ ክርስትያን ንኻልኦት ክርስትያን ዘቖጥዕ ወይ ኣንጻር ሕልንኦም ክሓጥኡ ዘተባብዕ ንኸይገብር ብትሪ ተኸልኪሉ እዩ (1ቆሮንጦስ 8፡9-13)፡፡ እምበኣርከስ ካብዚ ተበጊስና ሓደ ክርስትያን መስተ ብብዝሒ እናሰተየ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ክብል ሓሶት ምዃኑ ነረጋግጽ (1ቆሮንጦስ 10፡31)፡፡

የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠሉ ኣጋጣሚ ኣሎ፡፡ የሱስ ንባዕሉ ሳሕቲ ወይኒ ከም ዝሰተየ ካብ ዮሃንስ 2፡1-11፤ ማቴዎስ 26፡29 ንግንዘብ፡፡ ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ሓድሽ ኪዳን ዝነበረ ማይ ጽሩይ ኣይነበረን፡፡ ብዘይ መጻረዪ ማይ ከኣ እቲ ሽዑ ዝነበረ ማይ ብዙሕ ብከላ ነይርዎ እዩ፡፡ ከምኡ ዓይነት ብከላ ሕጂ እውን ኣብ ገለ ሃገራት ኣሎ፡፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ከም ኣማራጺ ወይኒ ወይ ጽሟ ቚወይኒ ይሰትዩ ነበሩ፡፡ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 5፡23፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ማይ (ነቲ ዝተበከለ ማይ ክኸውን ዝኽእል) ምስታይ ገዲፉ ወይኒ ከዘውትር ይምዕዶ፡፡ ኣብቲ እዋን ወይኒ ከምዚ ሕጂ እዋን ኣይኹን እምበር ይፈልሕ ወይ ኣልኮል ከም ዝሕዝ ይግበር ነበረ፡፡ ሽዑ ዝነበረ ወይኒ ጽሟቚ ወይኒ ማለት ዘይፈልሐ ጽሟቚ ወይኒ እዩ ነይሩ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን፡፡ ክርስትያን ስዋ፡ ቢራን ካልእ መስተን ክሰትዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይከልከሎምን፡፡ ኣልኮላዊ መስተ ንባዕሉ ሓጢኣት ኣይኮነን፡፡ እቲ ክፍንፈንን ክርሓቕን ዘለዎስ እቲ ምስካርን ንመስተ ምውላፍን እዩ (ኤፌሶን 5፡18፤ 1ቆሮንጦስ 6፡12)፡፡

ብውሑድ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ናብ ወልፊ ዘድህብ ወይ ጎዳኢ ኣይኮነን፡፡ ገለ ሓኻይም ከይተረፉ ውሑድ ዓቐን ቀይሕ ወይኒ ንጥዕና ብፍላይ ከኣ ንልቢ ጠቓሚ ምዃኑ ይመኽሩ፡፡ ክርስትያን ውሑድ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ክሰተዩ ሓርነት ኣለዎም፡፡ ምስካርን ምውላፍን ግና ሓጢኣት እዩ፡፡ ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መስተን መዘዙን ከምኡ ድማ መስተ ንምብዛሕ ዘሎ ፈተናን ንኻልኦት ከኣ መዓንቀፊ ምዃን ዘለዎ ተኽእሎን ኣብ ግምት ኣትዩ ሓደ ክርስትያን ካብ ኣልኮላዊ ክቑጠብ ተመራጺ እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ወይኒ ምስታይ እንታይ ይብል፤ ሓደ ክርስትያን ኣልኮል ምስ ዝሰቲ ከም ሓጢኣት ይቑጸረሉዶ?
© Copyright Got Questions Ministries